ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w24 ሓምለ ገጽ 26-29
  • ንሓድሽ ጉባኤ ብኸመይ ትለምዶ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንሓድሽ ጉባኤ ብኸመይ ትለምዶ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2024
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ክትለምድ ዚሕግዘካ ኣርባዕተ ስርዓታት
  • “ንሓድሕድኩም ተቓባበሉ”
  • ክትዓቢ እተኸፍተልካ ኣጋጣሚ
  • ካብዚ ዘለኻሉ ከባቢ ናይ ምግዓዝ መደብ ኣለካ ድዩ፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1999
  • ምስ ሓዳስ ጉባኤኻ ብኸመይ ክትላመድ ትኽእል፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2017
  • እታ ጉባኤ ትተሃነጽ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • ኣብ ጉባኤ የሆዋ ቦታ ኣሎካ!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2020
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2024
w24 ሓምለ ገጽ 26-29

ንሓድሽ ጉባኤ ብኸመይ ትለምዶ፧

ናብ ሓድሽ ጉባኤ ግዒዝካዶ ትፈልጥ፧ ግዒዝካ እንተ ዄንካ፡ ምስቲ ዣን-ሻርለ፡ “ናይ ኵሎም ስድራ ቤትካ መንፈሳዊ ሚዛን እናሓሎኻ ንሓድሽ ጉባኤ ምልማድ ከቢድ እዩ” ዝበሎ ትሰማማዕ ትኸውን። እቶም ናብ ሓድሽ ጉባኤ ዚግዕዙ ዘበሉ ኣብ ርእሲ እቲ ስራሕን መንበርን ቤት ትምህርትን ንምርካብ ዜጋጥሞም ሃለኽለኽ፡ ከቢድ ክሊማን ሓድሽ ባህልን ሓድሽ ክሊ ኣገልግሎትን ኪለምዱ እውን ይጽገሙ እዮም።

ኒኮላን ሰሊንን ከኣ ካልእ ብድሆ እዩ ኣጋጢምዎም። ካብ ጨንፈር ፈረንሳ ናብ ሓድሽ ጉባኤ ኺግዕዙ ምድብ ተዋህቦም። ብዛዕባኡ ኸምዚ ይብሉ፦ “ንፈተውትና ስለ ዝናፈቕናዮም፡ እቲ ናይ ፈለማ ታሕጓስ ምስ ሃሰሰ ኸቢዱና ነይሩ። ምስቶም ኣብ ሓድሽ ጉባኤ ዚርከቡ ኣሕዋትና ገና ድልዱል ርክብ ኣይመሰረትናን ኔርና።”a ነዚ ብድሆታት እዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ንሓድሽ ጉባኤ ብኸመይ ክትለምዶ ትኽእል፧ ካልኦት ብኸመይ ኪሕግዙ ይኽእሉ፧ ኣብ ሓድሽ ጉባኤኻኸ እንታይ መንፈሳዊ በረኸት ክትረክብን ከተካፍልን ትኽእል፧

ክትለምድ ዚሕግዘካ ኣርባዕተ ስርዓታት

ሓንቲ ሓብቲ ኣብ ካርቶናት ዚርከብ ኣቕሑ ኽትወጋግን ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሓንሳእ ኮፍ ኢላ መጽሓፍ ቅዱስ ተንብብ።

ብየሆዋ ተኣመን

1. ብየሆዋ ተኣመን። (መዝ. 37:5) ኣብ ጃፓን እትነብር ካዙሚ፡ ሰብኣያ ብስራሕ ናብ ካልእ ቦታ ምስ ገዓዘ፡ ካብታ 20 ዓመት ዝጸንሓትላ ጉባኤ ኽትግዕዝ ተገደደት። እሞ ደኣ ኸመይ ገይራ እያ ‘መገዳ ንየሆዋ ኣማዕቊባቶ’፧ ከምዚ ትብል፦ “ብዛዕባ ዅሉ እቲ እተሰምዓኒ ስምባድን ጽምዋን ጭንቀትን፡ ኣብ ልበይ ዘሎ ናብ የሆዋ ኣፍሲሰ። ከምኡ ብዝገበርኩ መጠን ከኣ፡ ንሱ ዜድልየኒ ብርታዐ ይህበኒ ነይሩ።”

ከመይ ጌርካ ኢኻ ኣብ የሆዋ ዘሎካ እምንቶ ኸተዕዝዝ እትኽእል፧ ከምቲ ተኽሊ ንምብቋል፡ ማይን ኣብ ሓመድ ዚርከብ መዓዛታትን ዜድልዮ፡ እምነትና ምእንቲ ኽትዓቢ እውን ክትዕንገል ኣለዋ። እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ኒኮላ ብዛዕባ እቶም ፍቓድ ኣምላኽ ንምግባር ብዙሕ መስዋእቲ ዝኸፈሉ እኒ ኣብርሃምን የሱስን ጳውሎስን ምስትንታን፡ ነቲ ኣብ ደገፍ የሆዋ ዘለዎ እምንቶ ኣደልዲሉሉ እዩ። ስሩዕ መደብ ብሕታዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ህይወትካ ንዜጋጥመካ ዝዀነ ለውጢ ኽትጻወር ኣብ ርእሲ ምሕጋዙ፡ ነቶም ኣብ ሓድሽ ጉባኤኻ ዚርከቡ ኣሕዋት መንፈሳዊ ውህበት ንምክፋል እውን ኬዕጥቐካ እዩ።

ሓደ ሽማግለ፡ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ክፍሊ ድምጽን ቪድዮን ንዚዓይዩ ኽልተ መንእሰያት ኣሕዋት ይሰምዖም።

ኣይተወዳድር

2. ኣይተወዳድር። (መክ. 7:10) ዡል ካብ በኒን ናብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ምስ ገዓዘ፡ ሰፊሕ ባህላዊ ጋግ ኣጋጠሞ። ብዛዕባ እቲ ግዜ እቲ ድማ፡ “ንዝረኸብክዎ ዘበለ ሰብ፡ ታሪኽ ህይወተይ ከዘንቱ ኸም ዘሎኒ ዀይኑ ተሰሚዑኒ ነይሩ” ብምባል ተዘክሮኡ ይገልጽ። እዚ ነገር እዚ ኻብቲ ኣቐዲሙ ዝለመዶ ኣመና እተፈለየ ብምንባሩ ኸኣ፡ ገዛእ ርእሱ ኻብ ጉባኤ ኺፈሊ ጀመረ። ንኣሕዋትን ንኣሓትን እናፈለጦም ምስ ከደ ግና፡ ኣረኣእያኡ ለወጠ። ብዛዕባ እዚ ኸምዚ ይብል፦ “ኣብ ምድሪ ኣብ ዝሃለና ንሃሉ፡ ደቂ ሰብ ሕደ እዮም። ሓሳቦም ዚገልጹሉ መገዲ ጥራይ እዩ ዚፈላለ። ንሰባት ከም ዘለውዎ ምቕባል ኣገዳሲ ነገር እዩ።” ስለዚ፡ ምስ ናይ ቀደም ጉባኤኻ ኣይተወዳድር። ኣን-ሊዝ ዝስማ ፈላሚት፡ “ነቲ ዝሓደግክዎ ኽረክብ ኣይኰንኩን ግዒዘ። ሓድሽ ነገራት ክረክብ እየ ግዒዘ” ትብል።

ሽማግለታት እውን ምስ ናይ ቀደም ጉባኤኦም ኬወዳድሩ የብሎምን። እተፈልየ ሜላታት ግድን ጌጋ እዩ ማለት ኣይኰነን። ሓሳባት ቅድሚ ምቕራብኩም፡ ኣብቲ ዓዲ ዘሎ ዅነታት እንተ ፈለጥኩም ይሓይሽ። (መክ. 3:1, 7ለ) ኣረኣእያኹም ኣብ ጉባኤ ኻብ ምጽዓን፡ ብኣብነት እንተ መራሕኩም ይሓይሽ።—2 ቈረ. 1:24።

ክልተ ኣሕዋት ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዚርከብ መሳዅቲ የጽርዩ።

ተሓወስ

3. ተሓወስ። (ፊል. 1:27) ናብ ካልእ ቦታ ምግዓዝ ብዙሕ ግዜን ጕልበትን ዚሓትት እኳ እንተ ዀነ፡ ካብ መጀመርታ ኣትሒዝካ፡—እንተ ተኻኢሉ ብኣካል፡—ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ምእካብ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። እቶም ኣብ ሓድሽ ጉባኤ ዘለዉ ፈጺሞም ዘይርእዩኹም ወይ ሳሕቲ ዚርእዩኹም እንተ ዀይኖም፡ ከመይ ገይሮም ኪድግፉኹም ይኽእሉ፧ ምስ ክልተ ደቃ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ናብ እትርከብ ዓባይ ከተማ ዝገዓዘት ሉሲንዳ ኸምዚ ብምባል ተዘክሮኣ ትገልጽ፦ “ምስ ጉባኤ ኽሕወስ፡ ምስ ካልኦት ከገልግል፡ ኣብ ኣኼባታት ከኣ ክሳተፍ ምኽሪ ተዋሂቡኒ ነይሩ። ኣብ ቤትና ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ ኺግበር እውን ሓሳብ ኣቕሪብና ኔርና።”

ኣብ ቲኦክራስያዊ ንጥፈታት ምስቶም ኣብ ሓድሽ ጉባኤ ዘለዉ ኣሕዋትን ኣሓትን ‘ብሓባር ትጽዕር’ እንተ ዄንካ፡ “ስለ እምነት እቲ ብስራት” እጃምካ ኸተበርክት ትኽእል ኢኻ። እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ኣን-ሊዝ፡ ምስ ኵሎም ኣስፋሕቲ ናብ ስብከት ክትከይድ ካብ ሽማግለታት መተባብዒ ተዋህባ። እሞኸ እዚ እንታይ ኣፍርዩላ፧ “እዚ ነገር እዚ ምስታ ጉባኤ ንምውህሃድ ወሳኒ ነገር ምዃኑ ብቕልጡፍ እየ ተገንዚበ” ብምባል ባዕላ ትምልስ። ብተወሳኺ፡ ንኸም ጽሬትን ክንክንን ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዝኣመሰለ ንጥፈታት ገዛእ ርእስኻ ተቕርብ እንተ ዄንካ፡ ነቲ ሓድሽ ጉባኤ ኸም ጉባኤኻ ጌርካ ኸም እተቐበልካዮ እዩ ዜርኢ። ምስቲ ጉባኤ ብዝያዳ ብእተሓወስካ መጠን፡ ብቕልጡፍ ተቐባልነት ክትረክብ ኢኻ፡ ክፍሊ እቲ ሓድሽ መንፈሳዊ ስድራ ቤት ከም ዝዀነካ እውን ኪስምዓካ እዩ።

ክልተ ጽምዲ ሰብ ሓዳር ብሓባር ይምገቡ።

ሓድሽ ዕርክነት ኣማዕብል

4. ሓድሽ ዕርክነት ኣማዕብል። (2 ቈረ. 6:11-13) ዕርክነት ንምምዕባል ዚሕግዝ ብሉጽ መገዲ፡ ብሕታዊ ተገዳስነት ምርኣይ እዩ። ስለዚ፡ ቅድምን ድሕርን ኣኼባታት ምስ ካልኦት ንምቅርራብን ንዓታቶም ንምፍላጥን እኹል ግዜ መድብ። ስማቶም ንምፍላጥ ጻዕሪ ግበር። ስማት ሰባት ምዝካር፡ ፈቃርን ተቐራብን ከኣ ምዃን፡ ካልኦት ከም ዚቐርቡኻ ይገብር እዩ፣ እዚ ድማ ናብ ሓድሽ ዕርክነት ይመርሕ እዩ።

ብኣሕዋትን ብኣሓትን ተቐባልነት ብዛዕባ ምርካብ እምብዛ ኣብ ክንዲ እትጭነቕ፡ ብሓቂ መን ምዃንካ ኺፈልጡኻ ኣጋጣሚ ኽፈተሎም። ካብ ሉሲንዳ ኽትምሃር ትኽእል ኢኻ። ንሳ ኸምዚ ትብል፦ “ተበግሶ ወሲድና ንኻልኦት ናብ ገዛና ስለ ዝዓደምና፡ ሎሚ ናይ ቀረባ ፈተውቲ ኣለዉና።”

“ንሓድሕድኩም ተቓባበሉ”

ዘይትፈልጦም ሰባት ናብ ዝመልእዎ ሓድሽ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ምእታው ንገሊኦም ይኸብዶም ይኸውን። እሞ ደኣ ኸመይ ጌርካ ኢኻ ንሓደስቲ ኸተቕልለሎም እትኽእል፧ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ከምቲ ክርስቶስ እተቐበለኩም፡ ንሓድሕድኩም ተቓባበሉ” ኢሉ ኣተባቢዑና ኣሎ። (ሮሜ 15:7) ሽማግለታት ኣብነት ክርስቶስ ብምስዓብ፡ ንሓደስቲ ጽቡቕ ገይሮም ኪቕበልዎም ይኽእሉ እዮም። (“ኣገዓዕዛኻ ጥጡሕ ምእንቲ ኪኸውን፡ ኣበርክቶ ዚገብር ነገራት” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።) ይኹን እምበር፡ ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ዅሎም ክርስትያናት፡ እንተላይ ቈልዑ፡ ሓድሽ ዕርክነት ኣብ ምምስራት እጃም ኪህልዎም ይኽእል እዩ።

ኣገዓዕዛኻ ጥጡሕ ምእንቲ ኪኸውን፡ ኣበርክቶ ዚገብር ነገራት

ንስኻ ኽትገብሮ ዘሎካ፦ መዓስ ከም እትግዕዝን ሓድሽ ኣድራሻኻን ኣቐዲምካ ንናይ ክልቲኡ ጉባኤታት ሽማግለታት ሓብሮም። ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣበይ ከም ዚርከብን ኣኼባታት ሰዓት ክንደይ ምዃኑን ፍለጥ። ኣብ ናይ መጀመርታ ኣኼባኻ፡ ምስ ሽማግለታትን ምስ ካልኦትን ተላለ።

ሽማግለታት ኪገብርዎ ዘለዎም፦ እቲ ናይታ ዝቐደመት ጉባኤ ጸሓፊ ጉባኤ ናብታ ሓዳስ ጉባኤ፡ መላለዪት ደብዳበን ካርድ መዝገብ ኣስፋሒ ጉባኤን ብቕልጡፍ ኪልእኽ ኣለዎ። ኣብታ ሓዳስ ጉባኤ ዜገልግሉ ኮሚተ ኣገልግሎት ጉባኤ ነቶም ሓደስቲ ዚመጹ ኣስፋሕቲ ናብ ጕጅለ ኣገልግሎት ወፍሪ ብኡብኡ ኺምድብዎም ኣለዎም። ብዘይካዚ፡ ሓላው ጕጀለ ዚገብሮ ዜተባብዕ ምብጻሕ ብዙሕ ኪጠቕሞም ይኽእል እዩ።

ንኻልኦት ንቕበሎም ኪብሃል ከሎ፡ ናብ ቤትና ምዕዳምን ግብራዊ ሓገዝ ምሃብን የጠቓልል እዩ። ንኣብነት፡ ሓንቲ ሓብቲ ኽቡር ግዜኣ ብምስዋእ ንሓንቲ ሓዳስ ዝመጸት ሓብቲ ምስታ ኸተማ ኣላለየታ፡ ብኸመይ ህዝባዊ መጕዓዝያ ኸም እትረክብ እውን ገለጸትላ። እዚ ተግባራ ነታ ሓዳስ ዝመጸት ሓብቲ ልባ ተንከያ፡ ክትለምድ እውን ሓገዛ።

ክትዓቢ እተኸፍተልካ ኣጋጣሚ

ኣንበጣ ኺዓቢ ኸሎ፡ ምንፋር ቅድሚ ምጅማሩ፡ ቈርበቱ ብተደጋጋሚ እናቐንጠጠ ይቕይር እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ናብ ሓድሽ ጉባኤ ኽትግዕዝ ከለኻ፡ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ኣኽናፍካ ንምዝርጋሕ ዚዓግተካ ዝዀነ ይኹን ስክፍታ ኽትቅንጥጥ ኣሎካ። ኒኮላን ሰሊንን፡ “ምግዓዝ ብሉጽ ስልጠና እዩ። ሓደስቲ ሰባትን ሓድሽ ከባብን ምልማድ፡ ሓድሽ ባህርያት ከነማዕብል ኣተባቢዑና እዩ” ይብሉ። እቲ ኣብ መእተዊ እተጠቕሰ ዣን-ሻርለ ኸኣ ስድራ ቤቱ ብኸመይ ከም እተጠቕሙ ኺገልጽ ከሎ፡ “እቲ ለውጢ ንደቅና ኣብ ሓድሽ ጉባኤ ኺዓብዩ ኣኽኢልዎም። ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ፡ ጓልና ኣብ ኣኼባ መንጎ ሰሙን ክፍሊ ተዋሂብዋ፡ ወድና ኸኣ ዘይተጠምቀ ኣስፋሒ ዀይኑ” ይብል።

ብሰንኪ ዅነታት ክትግዕዝ እንተ ዘይከኣልካኸ፧ ንበል ዝያዳ ዓየይቲ ናብ ዜድልይዎ ኽትግዕዝ እንተ ዘይከኣልካኸ፧ ኣብቲ ዘለኻዮ፡ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሓሳባት ንምንታይ ዘይትፍትኖ፧ ብየሆዋ እናተኣመንካ፡ ምስ ካልኦት ሓቢርካ ብምግልጋልን ሓደስቲ ኣዕሩኽ ብምምዕባልን ንዝነበረ ዕርክነትካ ብምሕዳስን ምሳታቶም ኣጸቢቕካ ተሓወስ። ንሓደስቲ ወይ ንእተሸገሩ ግብራዊ ሓገዝ ክትህቦም ትኽእልዶ፧ ፍቕሪ መለለዪት ናይ ሓቂ ክርስትያናት ካብ ኰነት፡ ከምኡ ምግባር ንመንፈሳዊ ዕቤትካ ኣበርክቶ ይገብር እዩ። (ዮሃ. 13:35) ሓደ ነገር ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ፦ “ኣምላኽ በዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ መስዋእትታት ባህ ይብሎ እዩ።”—እብ. 13:16።

ብዙሓት ክርስትያናት ብድሆታት እናሃለወ ኽነሱ፡ ንሓድሽ ጉባኤኦም ለሚዶምዎ እዮም፣ ንስኻ እውን ክትለምዶ ትኽእል ኢኻ! ኣን-ሊዝ፡ “ጉባኤ ምቕያር፡ ልበይ ጋህ ኬብል ሓጊዙኒ እዩ” ትብል። ካዙሚ ኸኣ ምግዓዝ ዜምጽኦ ጥቕሚ ኽትገልጽ ከላ፡ “ቅድሚኡ ብዘይረኣኻዮ መገድታት ደገፍ የሆዋ ትርኢ ኢኻ” ትብል። ዡል ድማ፡ “እቲ ዝመስረትክዎ ዕርክነት ከይጋየሽ ሓጊዙኒ እዩ። ሕጂ ኽፍሊ እዚ ሓድሽ ጉባኤይ ከም ዝዀንኩ ስለ ዚስምዓኒ፡ ካብዚ ምግዓዝ ይኸብደኒ እዩ” ይብል።

a ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ምስ ናፍቖት ብዛዕባ ምቅላስ ምኽሪ እንተ ደሊኻ፡ ናይ 15 ግንቦት 1994 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ርአ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ