ዓንቀጽ መጽናዕቲ 29
መዝሙር 121 ርእስና ኽንገትእ ኣሎና
ካብ ፈተና ተሓሎ
“ናብ ፈተና ኸይትኣትዉስ፡ ንቕሑን ብቐጻሊ ጸልዩን።”—ማቴ. 26:41።
ኣትኵሮ
ከይንሓጥእ ዚከኣለና ኽንገብርን ናብ ሓጢኣት ካብ ዚመርሕ ነገራት ክንርሕቕን ንምሕጋዝ።
1-2. (ሀ) የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ እንታይ መጠንቀቕታ እዩ ዝሃቦም፧ (ለ) ደቀ መዛሙርቱ ብሰብኣዊ ድኽመቶም እተሰነፉ ስለምንታይ እዮም፧ (ስእልታት እውን ርአ።)
“መንፈስሲ ህንጡይ እዩ፡ ስጋ ግና ድኹም እዩ።”a (ማቴ. 26:41ለ) የሱስ በዚ ቓላት እዚ ኣቢሉ፡ ንዘይፍጽምናና ኸም ዚርድኦ ገሊጹ እዩ። እዚ ቓላቱ ግና መጠንቀቕታ እውን ዝሓዘለ እዩ፦ እወ፡ ብርእስና እምብዛ ኽንተኣማመን የብልናን። በታ ምሸት እቲኣ፡ ደቀ መዛሙርቱ ኻብ ጐድኑ ፈልከት ከም ዘይብሉ ብምትእምማን ገሊጾም ነይሮም እዮም። (ማቴ. 26:35) ውሽጣዊ ድራኸኦም ጽቡቕ እዩ ነይሩ። ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ ኽሳዕ ክንደይ ቀልጢፎም ኪዳኸሙ ኸም ዚኽእሉ ግና ኣይተረድኦምን ነይሩ። ስለዚ የሱስ፡ “ናብ ፈተና ኸይትኣትዉስ፡ ንቕሑን ብቐጻሊ ጸልዩን” ኢሉ ኣጠንቀቖም።—ማቴ. 26:41ሀ።
2 እቲ ዜሕዝን ግና፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኣይነቕሑን። እሞ ደኣ የሱስ ምስ ተታሕዘ፡ ኣብ ጐድኑ ድዮም ቈይሞም፡ ወይስ ብፈተና ስለ እተሰነፉ ሃዲሞም፧ በቲ እተፈጥረ ዅነታት ስለ እተዳህለሉ፡ ከምቲ ኸቶ ኸም ዘይገብርዎ እተዛረቡሉ ነገር እዮም ገይሮም፣ እወ፡ ንየሱስ ሓዲጎምዎ እዮም ሃዲሞም።—ማቴ. 26:56።
የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኺነቕሑን ካብ ፈተና ኺሕለዉን እኳ እንተ መዓዶም፡ ንሳቶም ግና ሓዲጎምዎ ሃደሙ (ሕጡብ ጽሑፍ 1-2 ርአ)
3. (ሀ) ንየሆዋ እሙናት ንምዃን፡ ብርእስና እምብዛ ኽንተኣማመን ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንመያየጥ፧
3 ንሕና እውን ብርእስና እምብዛ ኽንተኣማመን የብልናን። ልክዕ እዩ፡ ዋላ ሓደ ነገር ካብ የሆዋ ኼርሕቐና ኣይንፈቅድን ኢና። ኰይኑ ግና፡ ዘይፍጹማት ከም ዝዀንና፡ ብቐሊሉ እውን ክንፍተን ከም እንኽእል ክንርስዕ የብልናን። (ሮሜ 5:12፣ 7:21-23) ብሃንደበት ግጉይ ነገር ንምግባር ኣጸቢቕና ኽንፍተን ንኽእል ኢና። ንየሆዋን ንወዱን እሙናት ምእንቲ ኽንከውን፡ ነቲ የሱስ ፈታኒ ኻብ ዚዀነና ሓጢኣት ክንሕሎ ዝሃበና ምኽሪ ኽንስዕቦ ኣሎና። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ኣብዚ መዳይ እዚ ኽትሕግዘና እያ። ፈለማ፡ ምናዳ ኣብ ምንታይ መዳያት ገዛእ ርእስና ኽንሕሉ ኸም ዘሎና ኽንርኢ ኢና። ድሕሪኡ፡ ከመይ ጌርና ገዛእ ርእስና ኻብ ፈተና ኸም እንሕሉ ኽንመያየጥ ኢና። ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ከመይ ጌርና ወትሩ ርእስና ኸም እንሕሉ ኽንምርምር ኢና።
ተሓሎ—ኣብ ምንታይ መዳያት፧
4-5. ካብ ንእሽቶ ሓጢኣት ክንሕሎ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
4 ንእሽቶ ሓጢኣት እኳ ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ኬዳኽሞ ይኽእል እዩ። ናብ ከቢድ ሓጢኣት እውን ኪመርሓና ይኽእል እዩ።
5 ኵላትና ሓጢኣት ንምግባር ንፍተን ኢና። እንተዀነ ግና፡ ነፍሲ ወከፍና ተኣፈፍቲ እንዀነሉ ድኽመት ኣሎና፣ ስለዚ፡ ገሌና ኸቢድ ሓጢኣት ንምፍጻም፡ ገሌና ኣብ ገሊኡ ዓይነት ርኽሰት ንምስታፍ፡ ወይ ገሌና ዓለማዊ ኣተሓሳስባ ንምስዓብ ንፍተን ንኸውን። ንኣብነት፡ ሓደ ሰብ ንምምንዛር ምስ ዝቐረበሉ ፈተና ይቃለስ ይኸውን። ካልእ ሰብ ከኣ ከም ግብረ ሕቡእ ወይ ስእለ ጽዩፍ ዝኣመሰለ ርኹስ ተግባራት ይፍትኖ ይኸውን። ሓደ ኻልእ ድማ ምስ ፍርሂ ሰብ፡ ትምክሕቲ፡ ቍጥዓ፡ ወይ ካልእ ነገር ይቃለስ ይኸውን። ከምቲ ያእቆብ ዝበሎ፡ “ነፍሲ ወከፍ . . . ብገዛእ ትምኒቱ ተሳሒቡን ተሓቢሉን እዩ ዚፍተን።”—ያእ. 1:14።
6. እንታይ ኢና ብቕንዕና ኽንእመን ዘሎና፧
6 እንታይ መዳያት ንዓኻ ብቐሊሉ ኸም ዚፍትነካ ትፈልጥዶ፧ ድኽመታትና እንተ ሓቢእና ወይ ካብ ብርታዐና እተላዕለ ብሓጢኣት ከም ዘይንወድቕ እንተ ሓሲብና፡ ገዛእ ርእስና ኢና እነዐሹ። (1 ዮሃ. 1:8) እቶም ‘መንፈሳዊ ብቕዓታት ዘማልኡ’ ዘበሉ እኳ፡ እንተ ዘይተጠንቂቖም፡ ብፈተና ኺወድቁ ኸም ዚኽእሉ ጳውሎስ ሓቢሩ እዩ። (ገላ. 6:1) ስለዚ፡ ርእስና ብቕንዕና ኽንምርምርን ኣብ ገሊኡ ድኽመት ከም ዘሎና ኽንእመንን ኣሎና።—2 ቈረ. 13:5።
7. ነየናይ ኢና ፍሉይ ቈላሕታ ኽንገብረሉ ዚግባእ፧ ብምሳሌ ኣረድእ።
7 ንዓና ብዝያዳ ፈታኒ ዝዀነና መዳያት ምስ ፈለጥና፡ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ ተጻዋርነትና ነደልድል! ነዚ ብምሳሌ ንምብራህ፦ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቲ ንመጥቃዕቲ ብዝያዳ እተቓልዐ ኽፋል መካበብያ ኸተማ፡ ኣፍ ደገታት እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ ኣብ ኣፍ ደገታት ብዝያዳ ጽኑዕ ሓለዋ ይግበር ነበረ። ንሕና እውን ንድኽመትና ፍሉይ ቈላሕታ ኽንገብረሉ ኣሎና።—1 ቈረ. 9:27።
ከመይ ጌርና ርእስና ኻብ ፈተና ንሕሉ፧
8-9. ብኸመይ እዩ እቲ ኣብ ምሳሌ ምዕራፍ 7 ተጠቒሱ ዘሎ ጐበዝ ካብ ከቢድ ሓጢኣት ኪሕሎ ዚኽእል ዝነበረ፧ (ምሳሌ 7:8, 9, 13, 14, 21)
8 ከመይ ጌርና ርእስና ኻብ ፈተና ንሕሉ፧ ካብቲ ኣብ ምሳሌ ምዕራፍ 7 ተጠቒሱ ዘሎ ጐበዝ እንታይ ክንምሃር ከም እንኽእል እስከ ንርአ። እቲ ጐበዝ እቲ፡ ምስ ሓንቲ ብዕልግቲ ሰበይቲ መንዘረ። ኣብ ፍቕዲ 22፡ እቲ ጐበዝ “ብሃንደበት” ደድሕሪኣ ኸም ዝኸደ ተሓቢሩ ኣሎ። ኣብቲ ቕድሚኡ ዘሎ ፍቕድታት ግና፡ እቲ ኣቐዲሙ ዝወሰዶ ስጕምታት በብቝሩብ ናብ ሓጢኣት ከም ዝመርሖ ይሕብረና እዩ።
9 እሞ ደኣ ናብ ሓጢኣት ዝመርሖ እንታይ እዩ፧ ቀዳማይ፡ ብምሸት “በታ ኣብ ጥቓ ዅርናዓ [ዅርናዕ እታ እትምንዝር ሰበይቲ] ዘላ ጐደና ሓለፈ።” ናብ ኣንፈት ቤታ ድማ ሰጐመ። (ምሳሌ 7:8, 9 ኣንብብ።) ድሕርዚ፡ ንዓኣ ምስ ረኣያ፡ ካብኣ ኣይረሓቐን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ስቕ ኢሉ ተሳዕመ፡ ብዛዕባ መስዋእቲ ሕብረት ክትዛረቦ ኸላ ድማ ሰምዐ፣ ከምኡ ዝበለቶ ኸኣ ክፍእቲ ኸም ዘይኰነት ከተምስል ኢላ እያ እትኸውን። (ምሳሌ 7:13, 14, 21 ኣንብብ።) ዝዀነ ዀይኑ፡ እቲ ጐበዝ ካብቲ ናብ ሓጢኣት ዚመርሕ ሓደጋታት እንተ ዚርሕቕ ነይሩ፡ ካብቲ ፈተናታትን ካብ ሓጢኣትን ምተሓለወ።
10. ሎሚ ሓደ ሰብ ምስቲ እቲ ጐበዝ ዝገበሮ ጌጋታት ዚመሳሰል ነገር ኪገብር ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧
10 ዛንታ ሰሎሞን፡ ንዝዀነ ኣምላኺ የሆዋ እንታይ ኬጋጥሞ ኸም ዚኽእል የርኢ። ሓደ ሰብ ኣብ ከቢድ ሓጢኣት ድሕሪ ምውዳቑ፡ ኵሉ ነገር “ብሃንደበት” ከም ዝዀነ ኺመስሎ ይኽእል እዩ። ወይ ከኣ “ድቦላ እዩ ዀይኑኒ” ይብል ይኸውን። ብሓቂ እንታይ ከም ዝዀነ እንተ ሓሲቡሉ ግና፡ ናብቲ ኣበሳ እቲ ዝመርሖ ሕማቕ ውሳነታት ከም ዝገበረ ኼስተውዕል ይኽእል እዩ። እቲ ውሳነታት እቲ፡ ሕማቕ ዕርክነት ምምስራት፡ ሕማቕ መዘናግዒ ምርኣይ፡ ወይ ብኣካል ኰነ ብኢንተርነት ኣብ ክፉእ ቦታታት ዕንይንይ ምባል ኪኸውን ይኽእል እዩ። ምናልባት እውን ምጽላይ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ፡ ኣብ ኣኼባታት ምእካብ፡ ወይ ኣብ ኣገልግሎት ምስታፍ ሓዲግዎ ይኸውን። ስለዚ፡ “ብሃንደበት” ኣይኰነን ኣብ ሓጢኣት ወዲቑ፣ የግዳስ፡ ከምቲ ኣብ ምሳሌ ተጠቒሱ ዘሎ ጐበዝ ኣቐዲሙ ሕማቕ ውሳነታት እዩ ገይሩ።
11. ብሓጢኣት ምእንቲ ኸይንወድቕ፡ ካብ ምንታይ ኢና ኽንርሕቕ ዘሎና፧
11 ካብዚ እንታይ ንምሃር፧ ካብ ሓጢኣት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ካብቲ ናብ ሓጢኣት ዚመርሕ ስጕምትታት እውን ክንርሕቕ ኣሎና። ሰሎሞን ብዛዕባ እቲ ጐበዝን እታ እትምንዝር ሰበይትን ድሕሪ ምዝንታዉ፡ ነዚ ነጥቢ እዚ ንጹር ገይርዎ እዩ። ብዛዕባ እታ ሰበይቲ ኺዛረብ ከሎ፡ “ናብ መገድታታ ኣይትተኣለዩ” በለ። (ምሳ. 7:25) ብዛዕባ ሓንቲ ፋሉል ሰበይቲ ኺዛረብ ከሎ ኸኣ፡ “ካብኣ ርሓቕ፣ ናብ ኣፍ ደገ ቤታ ኣይትቕረብ” በለ። (ምሳ. 5:3, 8) እወ፡ ናብ ሓጢኣት ካብ ዚመርሕ ኵነታት ኣጸቢቕና ብምርሓቕ ርእስና ኽንሕሉ ንኽእል ኢና።b እዚ ድማ ንክርስትያናት ክልኩል ካብ ዘይኰነ፡ ግናኸ ናብ ፈተና ኻብ ዚመርሕ ኵነታት ወይ ንጥፈታት ምርሓቕ የጠቓልል።—ማቴ. 5:29, 30።
12. እዮብ እንታይ ቈራጽነት እዩ ዝገበረ፧ እዚኸ ኻብ ፈተና ኺሕሎ ዝሓገዞ ብኸመይ እዩ፧ (እዮብ 31:1)
12 ናብ ሓጢኣት ካብ ዚመርሕ ኵነታት ንምርሓቕ፡ ጽኑዕ ቈራጽነት ኪህልወና ኣለዎ። እዮብ ከምኡ እዩ ገይሩ። ንኻልእ ሰበይቲ ብዓይኒ ፍትወት ምእንቲ ኸይርኢ፡ ‘ምስ ኣዒንቱ ኺዳን ተኣታትዩ እዩ።’ (እዮብ 31:1 ኣንብብ።) ነዚ ቘራጽነቱ እዚ ምሕላዉ ድማ፡ ካብ ዝሙት ኣመና ኸም ዚርሕቕ ገይርዎ እዩ። ንሕና እውን ናብ ፈተና ኺመርሓና ኻብ ዚኽእል ዝዀነ ይኹን ነገር ንምርሓቕ ቈራጽነት ክንገብር ንኽእል ኢና።
13. ንኣተሓሳስባና ኽንሕልዎ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ (ስእልታት እውን ርአ።)
13 ንኣተሓሳስባና እውን ክንሕልዎ ኣሎና። (ዘጸ. 20:17) ገሊኦም ሰባት፡ ክሳዕ ዘይገበርካዮ፡ ብዛዕባ ዘይግቡእ ትምኒታት ምሕላም ጌጋ ኸም ዘይብሉ ይኣምኑ እዮም። ከምዚ ዝበለ ሓሳብ ግና ጌጋ እዩ። ብዛዕባ ግጉይ ትምኒታት ብዙሕ ዝሓስብ ሰብ፡ ነቲ ትምኒቱ እዩ ዜጐሃህሮ። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ባዕሉ እዩ ኸቢድ ፈተና ዚፈጥር ዘሎ። ልክዕ እዩ፡ ሓሓሊፉ ግጉይ ሓሳባት ናብ ኣእምሮና ይቕልቀል እዩ። ከምኡ ኼጋጥመና ኸሎ፡ ነቲ ሓሳባት እቲ ብኡብኡ ኽንነጽጎን ብሰናይ ሓሳባት ክንትክኦን ኣሎና። ከምኡ እንተ ጌርና፡ እቲ ግጉይ ሓሳባት ናብቲ ንምቅላሱ ዜጸግምን ናብ ከቢድ ሓጢኣት ኪመርሕ ዚኽእልን ሓያል ትምኒት ከም ዘይዓቢ ንገብር ኢና።—ፊል. 4:8፣ ቈሎ. 3:2፣ ያእ. 1:13-15።
ናብ ፈተና ኺመርሓና ኻብ ዚኽእል ዘበለ ዅሉ ኽንርሕቕ ኣሎና (ሕጡብ ጽሑፍ 13 ርአ)
14. ገዛእ ርእስና ኻብ ፈተና ንምሕላው እንታይ ተወሳኺ ነገር ክንገብር ንኽእል፧
14 እሞ ደኣ ገዛእ ርእስና ኻብ ፈተና ንምሕላው እንታይ ተወሳኺ ነገር ክንገብር ንኽእል፧ ሕግታት የሆዋ ምሕላው ወትሩ ኸም ዚጠቕመና ምሉእ ብምሉእ ክንኣምን ኣሎና። ሓድሓደ ግዜ፡ ሓሳባትናን ትምኒታትናን ምስቲ ኣምላኽ ዚደልዮ ነገር ምስምማዕ ቃልሲ ይዀነና ይኸውን። ከምኡ ብምግባርና እንረኽቦ ናይ ኣእምሮ ሰላም ግና፡ ኣዝዩ እዩ ዚኽሕሰና።
15. ቅኑዕ ትምኒታት ምምዕባል ካብ ፈተና ኽንሕሎ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧
15 ብዘይካዚ፡ ቅኑዕ ትምኒታት ከነማዕብል ኣሎና። ‘ክፉእ እንተ ጸሊእና፡ ጽቡቕ እውን እንተ ኣፍቂርና፡’ ቅኑዕ ንምግባርን ናብ ሓጢኣት ካብ ዚመርሕ ኵነታት ንምርሓቕን ዘሎና ቘራጽነት ከነደልድል ንኽእል ኢና። (ኣሞ. 5:15) ግቡእ ትምኒታት እንተ ኣልዩና፡ ኣብ ዘይተጸበናዮ ወይ ከነወግዶ ኣብ ዘይንኽእል ፈታኒ ዅነታት ክንኣቱ ኸለና፡ ጸኒዕና ኽንቀውም ንኽእል ኢና።
16. መንፈሳዊ ንጥፈታት ርእስና ንምሕላው ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧ (ስእልታት እውን ርአ።)
16 እሞ ደኣ ኸመይ ጌርና ኢና ቕኑዕ ትምኒታት ከነማዕብል እንኽእል፧ ብእተኻእለና መጠን ብመንፈሳዊ ንጥፈታት ትሑዛት ክንከውን ኣሎና። ንኣብነት፡ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ወይ ኣብ ኣገልግሎት ክንከውን ከለና፡ ጌጋ ንምግባር ብቐሊሉ ኣይንፍተንን ኢና። ኣብ ክንዳኡስ፡ ንየሆዋ ባህ ንምባል ዘሎና ትምኒት ኢና እነሐይል። (ማቴ. 28:19, 20፣ እብ. 10:24, 25) ስለዚ፡ ቃል ኣምላኽ ብምንባብን ብዛዕባኡ ብምስትንታንን፡ ንጽቡቕ ዘሎና ፍቕርን ንኽፉእ ዘሎና ጽልእን ከነዕዝዝ ንኽእል ኢና። (እያ. 1:8፣ መዝ. 1:2, 3፣ 119:97, 101) ብተወሳኺ፡ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ናብ ፈተና ኸይትኣትዉስ፡ . . . ብቐጻሊ ጸልዩ” ኸም ዝበሎም ኣይንረስዕ። (ማቴ. 26:41) ብጸሎት ምስ ሰማያዊ ኣቦና ግዜ ኸነሕልፍ ከለና፡ ካብ ሓገዙ ንጥቀም፡ ንዕኡ ባህ ንምባል ዘሎና ቘራጽነት እውን ነደልድል ኢና።—ያእ. 4:8።
ጽቡቕ መንፈሳዊ ልማድ እንተ ኣልዩና፡ ፈተናታት ንምቅዋም ዜኽእል ሓይሊ ንረክብ ኢና (ሕጡብ ጽሑፍ 16 ርአ)c
ወትሩ ርእስና ንሓሉ
17. ጴጥሮስ ብምንታይ ድኽመት እዩ ብተደጋጋሚ እተሰነፈ፧
17 ገሊኡ ድኽመትና ምሉእ ብምሉእ ከነወግዶ ንኽእል ኢና። ገሊኡ ግና ኬሸግረና ይኽእል እዩ። ብዛዕባ ሃዋርያ ጴጥሮስ እስከ ንርአ። ንሱ ንየሱስ ሰለስተ ሳዕ ኣብ ዝኸሓደሉ እዋን፡ ብፍርሂ ሰብ ተሰነፈ። (ማቴ. 26:69-75) ጴጥሮስ ኣብ ቅድሚ እቲ ዋዕላ ብትብዓት ምስ መስከረ፡ ነቲ ፍርሂ እቲ ዘሰነፎ ይመስል ነበረ። (ግብ. 5:27-29) ድሕሪ ገለ ዓመታት ግና፡ “ነቶም ሰብ ግዝረት ስለ ዝፈርሀ፡” ምስ ኣህዛብ ምብላዕ ሓደጎ። (ገላ. 2:11, 12) እቲ ፍርሁ ተመልሶ። ምናልባት ካብኡ ምሉእ ብምሉእ ሓራ ኣይነበረን ይኸውን።
18. ገሊኡ ድኽመታት እንታይ ኪኸውን ይኽእል፧
18 ንሕና እውን ተመሳሳሊ ዅነታት ኪህልወና ይኽእል እዩ። ብኸመይ፧ ዝሰገርናዮ ዚመስለና ድኽመት ተመሊሱ ይፍትነና ይኸውን። ንኣብነት፡ ሓደ ሓው፡ “ንዓሰርተ ዓመት ስእለ ጽዩፍ ከይረኣኹ ምስ ጸናሕኩ፡ ነቲ ጸገም ከም ዘሰነፍክዎ ኣሚነ ነይረ። እቲ ወልፊ ግና ተደጒሉ እዩ ነይሩ፣ ኣብ ዚጥዕሞ ዅነታት ከኣ ተቐልቂሉ” ብምባል ይእመን። እቲ ጽቡቕ ግና፡ ንሱ እውን ኣይተሓለለን። ነዚ ኣመል እዚ ንምጽራር፡ መዓልታዊ ጻዕሪ ኺገብር ከም ዘለዎ ኣስተውዓለ፣ ምናልባት እውን ኣብዚ ስርዓት እዚ ምሉእ ህይወቱ ይቃለስ ይኸውን። ስለዚ፡ ብሓገዝ ሰበይቱን ሽማግለታት ጉባኤን፡ ንስእለ ጽዩፍ ንምጽራር ዜኽእሎ ሓያል ስጕምትታት ወሰደ።
19. ብተደጋጋሚ ንዚቕልቀል ድኽመትና ብኸመይ ክንቃለሶ ንኽእል፧
19 እሞ ደኣ ብተደጋጋሚ ዚቕልቀል ድኽመትና ምእንቲ ኸየሰንፈና፡ ብኸመይ ክንቃለሶ ንኽእል፧ ነቲ የሱስ ምስ ፈተና ብዚተሓሓዝ፡ “ንቕሑ” ዝበሎ ምኽሪ ብምስዓብ ክንጸንዕ ንኽእል ኢና። እምበኣር፡ ኣብቲ ድልዱላት ዝዀንናሉ እዋናት እኳ፡ ናብ ፈተና ኺመርሕ ካብ ዚኽእል ኵነታት ንርሓቕ። (1 ቈረ. 10:12) ነቲ ዓወት ዘምጽኣልና ስልትታት ብቐጻሊ ንተግብሮ። ምሳሌ 28:14፡ “ወትሩ ዚጥንቀቕ ሰብ ሕጉስ እዩ” ትብል።—2 ጴጥ. 3:14።
ርእስና ምሕላው ዘለዎ ዓስቢ
20-21. (ሀ) ካብ ፈተና ኽንሕሎ ኸለና እንታይ ዓስቢ ኢና እንረክብ፧ (ለ) እጃምና እንተ ጌርና፡ የሆዋ እንታይ እዩ ዚገብረልና፧ (2 ቈረንቶስ 4:7)
20 ካብ ፈተና ርእስና እንተ ሓሊና፡ እዚ ወትሩ ንጥቕምና ምዃኑ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ሓጢኣት ‘ንግዜኡ ባህታ’ ዜምጽእ እኳ እንተ ዀነ፡ ብመለክዒታት የሆዋ ምምልላስ ግና ዝያዳ ሓጐስ እዩ ዜምጽኣልና። (እብ. 11:25፣ መዝ. 19:8) ስለምንታይሲ፡ ብመገድታቱ ኸም እንመላለስ ኴንና ኢና ተፈጢርና። (ዘፍ. 1:27) በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ጽሩይ ሕልና ይህልወና፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት እውን ንረክብ።—1 ጢሞ. 6:12፣ 2 ጢሞ. 1:3፣ ይሁ. 20, 21።
21 ብሓቂ “ስጋ . . . ድኹም እዩ።” እንተዀነ ግና፡ ሓጋዚ ኣልቦ ኢና ማለት ኣይኰነን። የሆዋ ዜድልየና ሓይሊ ኺህበና ተዳልዩ ኣሎ። (2 ቈረንቶስ 4:7 ኣንብብ።) እቲ ኣምላኽ ዚህበና ሓይሊ ግና ካብ ንቡር ዝሓለፈ ሓይሊ ምዃኑ ነስተብህል። ስለዚ፡ ነቲ ንቡር ሓይሊ ምጥቃም፡ ማለት ካብ ፈተና ምእንቲ ኽንሕሎ ኢልና መዓልታዊ ጻዕሪ ምግባር፡ ናትና ሓላፍነት እዩ። እጃምና እንተ ጌርና፡ ተወሳኺ ብርታዐ ኣብ ዜድልየና እዋን የሆዋ ንጸሎትና ኸም ዚምልሰልና ርግጸኛታት ኢና። (1 ቈረ. 10:13) እወ፡ ብሓገዝ የሆዋ፡ ካብ ፈተና ኽንሕሎ ንኽእል ኢና።
መዝሙር 47 ንጸሊ ብቐጻሊ
a መግለጺ ቓላት፦ ኣብ ማቴዎስ 26:41 ተጠቒሱ ዘሎ “መንፈስ፡” ነቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ሓደ ስምዒት ከም ዚስምዓና ወይ ሓደ ነገር ከም እንገብር ዚገብር ሓይሊ የመልክት። “ስጋ” ኸኣ ነቲ ዘይፍጹም ሓጥእ ኵነታትና የመልክት። ስለዚ፡ ቅኑዕ ንምግባር ኣጸቢቕና ኽንሕልን ኣሎና። እንተዀነ ግና፡ እንተ ዘይተጠንቂቕና፡ ብፈተና ተሰኒፍና ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጌጋ ዚብሎ ኽንገብር ንኽእል ኢና።
b ኣብ ከቢድ ሓጢኣት ዝወደቐ ሰብ፡ ኣብታ ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ትምህርቲ 57 ነጥቢ 1-3፡ ከምኡ ድማ ኣብታ ኣብ ናይ ሕዳር 2020 ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ገጽ 27-29 ዝወጸት፡ “ናብ መጻኢ ‘ትኽ ኢልካ ርአ’” ዘርእስታ ዓንቀጽ፡ ሕ.ጽ. 12-17 ሓገዝ ኪረክብ ይኽእል እዩ።
c መግለጺ ስእሊ፦ ሓደ ሓው ንግሆ ጥቕሲ ዕለት የንብብ፡ ኣብ ናይ ምሳሕ ዕረፍቱ መጽሓፍ ቅዱስ የንብብ፡ ምሸት ድማ ኣብ ኣኼባ መንጎ ሰሙን ይእከብ።