ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w24 መስከረም ገጽ 19
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2024
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • የሱስ ን70 ደቀ መዛሙርቱ ኺሰብኩ ለኣኾም
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ነቲ ናይ የሱስ ናይ ስንብታ ቃላት ብምቕላብ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ‘እዛ መዓልቲ እዚኣ ንመዘከርታ ትኹነልኩም’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • ኣብ ላዕለዋይ ደርቢ ዝነበረት ክፍሊ
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2024
w24 መስከረም ገጽ 19
የሱስ ምስ እሙናት ሃዋርያቱ ድራር ጐይታ ኣቘመ።

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብቲ የሱስ ድራር ጐይታ ዘቘመሉ እዋን፡ እቶም ኣቐዲሙ ናብ ስብከት ዝለኣኾም 70 ደቀ መዛሙርቱ ኣበይ ነይሮም፧ ሓዲጎምዎ ኸይዶም ድዮም ነይሮም፧

እቶም 70 ደቀ መዛሙርቱ፡ ኣብቲ የሱስ ዘቘሞ ድራር ጐይታ ስለ ዘይተረኽቡ፡ ብየሱስ ተቐባልነት ከም ዘይረኸቡ ወይ ሓዲጎምዎ ኸይዶም ከም ዝነበሩ ጌርና ኽንሓስብ የብልናን። የሱስ ምስ ሃዋርያቱ ኪኸውን ስለ ዝደለየ ጥራይ እዩ።

የሱስ ነቶም 12ን ነቶም 70ን ሰሚርዎም ነይሩ እዩ። ካብቶም ብዙሓት ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ፈለማ 12 ሓረየ፡ ሃዋርያት ኢሉ ኸኣ ሰመዮም። (ሉቃ. 6:12-16) ነቶም ‘ዓሰርተው ክልተ ኣብ ዝጸውዓሉ’ እዋን ኣብ ገሊላ እዩ ነይሩ፡ “መንግስቲ ኣምላኽ ኪሰብኩን ኬሕውዩን ከኣ ለኣኾም።” (ሉቃ. 9:1-6) ድሕሪኡ ድማ ኣብ ይሁዳ፡ “ካልኦት 70 መዘዘ፣ በብኽልተ ገይሩ ኸኣ . . . ለኣኾም።” (ሉቃ. 9:51፣ 10:1) በዚ ኸምዚ፡ መልእኽቱ ኣብ እተሰብከሉ ዘበለ እተፈላለየ ቦታታት ሰዓብቲ ነይሮምዎ እዮም።

እቶም ካብ ኣይሁድ ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ፡ ምስ ስድራ ቤቶም ኰይኖም ነቲ ዓመት ዓመት ዚብዓል ፋስጋ የብዕሉ ነይሮም እዮም። (ዘጸ. 12:6-11, 17-20) የሱስ ኣብቲ ሞቱ እተቓረበሉ ግዜ ምስ ሃዋርያቱ ናብ የሩሳሌም ከደ። ንዅላቶም ደቀ መዛሙርቱ፡ ካብ ይሁዳን ካብ ገሊላን ካብ ጴርያን ጸዊዑ ግና ናይ በዓል ፋስጋ ዓብዪ ምትእኽኻብ ኣይገበረን። ኣብታ እዋን እቲኣ ምስቶም ሃዋርያቱ ጥራይ እዩ ኪኸውን ደልዩ ነይሩ። ከምዚ ዚስዕብ እውን ኢልዎም እዩ፦ “መከራ ቕድሚ ምጽጋበይ፡ እዚ ፋስጋ እዚ ምሳኻትኩም ክበልዕ ብዙሕ ሃረር ኢለ ኣለኹ።”—ሉቃ. 22:15።

የሱስ ከምዚ ዝገበረሉ ጽቡቕ ምኽንያት ነይርዎ እዩ። ስለምንታይሲ ድሕሪ ሓጺር ግዜ፡ “ሓጢኣት ዓለም ዜርሕቕ ገንሸል ኣምላኽ” ኰይኑ ኺመውት ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (ዮሃ. 1:29) እዚ ድማ ኣብታ ንነዊሕ ግዜ ናብ የሆዋ መስዋእቲ ዚቐርበላ ዝነበረ የሩሳሌም እዩ ኺፍጸም ነይርዎ። ሞት የሱስ፡ ካብቲ እስራኤላውያን ስድራ ቤታት ካብ ግብጺ ኺወጹ ኸለዉ ዚበልዕዎ ገንሸል ንላዕሊ ዝዓበየ ሓርነት እዩ ኣምጺኡ። (1 ቈረ. 5:7, 8) እቲ የሱስ ዝገበሮ ነገር፡ እቶም ዓሰርተው ክልተ ሃዋርያቱ መሰረት እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኪዀኑ ዜኽእል እዩ። (ኤፌ. 2:20-22) እታ ቕድስቲ ኸተማ የሩሳሌም እውን፡ “12 ስማት እቶም 12 ሃዋርያት እቲ ገንሸል” እተጻሕፎ “12 እምኒ መሰረት” ከም ዘለዋ ብራእይ ተገሊጹ ኣሎ። (ራእ. 21:10-14) ስለዚ፡ እቶም እሙናት ሃዋርያት፡ ዕላማ የሆዋ ኣብ ምፍጻም ዓብዪ ግደ ኺውሃቦም እዮም ዚዳለዉ ነይሮም። እምበኣር፡ የሱስ ነቶም ሃዋርያቱ ኣብታ ናይ መወዳእታ በዓል ፋስጋን ኣብቲ ዝሰዓበ ድራር ጐይታን ምስኡ ኪዀኑ ዝደለየሉ ምኽንያት ርዱእ እዩ።

እቶም 70ን እቶም ካልኦት ደቀ መዛሙርትን ምስ የሱስ ኣብቲ ድራር እቲ ኣይነበሩን። ይኹን እምበር፡ ኵላቶም እሙናት ደቀ መዛሙርቲ፡ ካብቲ የሱስ ዘቘሞ ድራር ጐይታ ተጠቒሞም እዮም። እዚ ማለት፡ ኵላቶም እተቐብኡ ክርስትያናት ኣብቲ የሱስ በታ ምሸት እቲኣ ንደቀ መዛሙርቱ ዝገለጸሎም ኪዳን መንግስቲ እቱዋት እዮም።—ሉቃ. 22:29, 30።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ