ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w25 ሚያዝያ ገጽ 8-13
  • ‘ናብ ኣምላኽ ምቕራብ ይሕሸና!’

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ‘ናብ ኣምላኽ ምቕራብ ይሕሸና!’
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “ናብ ኣምላኽ ምቕራብ፡” ሓጐስ የምጽእ
  • “ናብ ኣምላኽ ምቕራብ፡” ህይወትና ዕላማን ተስፋን ከም ዚህልዎ ይገብር
  • ከመይ ጌርና ብቐጻሊ ‘ናብ ኣምላኽ ንቐርብ፧’
  • ዋላ እውን ምስ ተዓንቀፍና፡ ‘ናብ ኣምላኽ ክንቀርብ’ ንኽእል ኢና
  • ንዘለኣለም ‘ናብ ኣምላኽ ንቕረብ’
  • ንሓድሕድና ምቅርራብ ይሕሸና
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
  • የሆዋ “ህያው ኣምላኽ” ምዃኑ ዘክር
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2024
  • ንጥርጣረታትካ ብኸመይ ከተሰንፎ ትኽእል፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2024
  • ዘይንፈልጦ ነገራት ከም ዘሎ ብትሕትና ኣሚንና ንቀበል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
w25 ሚያዝያ ገጽ 8-13

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 15

መዝሙር 30 ኣቦይ፡ ኣምላኸይ፡ ፈታውየይ

‘ናብ ኣምላኽ ምቕራብ ይሕሸና!’

“ንዓይ ግና ናብ ኣምላኽ ምቕራብ ይሕሸኒ።”—መዝ. 73:28።

ኣትኵሮ

ናብ የሆዋ ብኸመይ ብዝያዳ ኸም እንቐርብን ከምኡ ብምግባርና እንረኽቦ ጥቕምታትን።

1-2. (ሀ) ምስ ሓደ ሰብ ናይ ቀረባ ዕርክነት ንምምስራት እንታይ እዩ ዜድሊ፧ (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንመያየጥ፧

ናይ ቀረባ ዓርኪ ኣሎካዶ፧ ምስኡ ብኸመይ ክትተዓራረኹ ኽኢልኩም፧ ምናልባት ምስኡ ግዜ ኣሕሊፍካ፡ ብዛዕባ እቲ ዘጋጠሞ ብድሆታት ፈሊጥካ፡ እንታይ ከም ዚፈቱን እንታይ ከም ዚጸልእን እውን ፈሊጥካ ትኸውን። ክትቀድሖ እትደሊ ጽቡቕ ባህርያት ከም ዘለዎ እውን ኣስተብሂልካ ትኸውን። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ንዓርክኻ ኽትፈትዎ ኽኢልካ።

2 ምስ ሓደ ሰብ ናይ ቀረባ ዕርክነት ንምምስራት፡ ግዜን ጻዕርን ይሓትት እዩ። ምስ የሆዋ ኣምላኽ እውን ናይ ቀረባን ብሕታውን ርክብ ንምምስራት፡ ተመሳሳሊ ነገር እዩ ዜድሊ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ከመይ ጌርና ንኣምላኽ ብዝያዳ ኸም እንቐርቦ፡ ከምኡ ብምግባር ድማ እንታይ ጥቕምታት ከም እንረክብ ክንመያየጥ ኢና። ፈለማ ግና ናብቲ ብሉጽ ፈታዊና ዝዀነ የሆዋ ምቕራብ ስለምንታይ ከም ዚሕሸና ኽንርኢ ኢና።

3. ናብ የሆዋ ምቕራብ ብዛዕባ ዜምጽኦ ጥቕምታት ከነስተንትን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ ብምሳሌ ኣረድእ።

3 ናብ የሆዋ ምቕራብ ከም ዚሓይሽ መሸም ትሰማምዓሉ ኢኻ። ብልክዕ ክሳዕ ክንደይ ዝሓሸ ምዃኑ ምስትንታን ግና፡ ብዝያዳ ኽንቀርቦ የለዓዕለና እዩ። (መዝ. 63:6-8) ንኣብነት፡ ጽቡቕ ኣመጋግባን ምውስዋስ ኣካላትን እኹል ዕረፍትን እኹል ማይን ንጥዕናና ጠቓሚ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። ኰይኑ ግና፡ ብዙሓት ሰባት ነዚ ብዙሕ ኣይሓስቡሉን እዮም፣ ንጥዕናኦም ዕሽሽ ይብሉ እዮም። እዚ ልማዳት እዚ ንጥዕናና ኽሳዕ ክንደይ ከም ዚጠቅም ብዝያዳ ብዝሓሰብናሉ መጠን ግና፡ ዓቂብናዮ ንምምልላስ ብዝያዳ ንለዓዓል ኢና። ብተመሳሳሊ፡ ናብ የሆዋ ምቕራብ ከም ዚሕሸና ንፈልጥ ንኸውን፣ እዚ ዜምጽኦ ጥቕምታት እንተ ኣስተንቲንናሉ ግና፡ ብዝያዳ ንቐርቦ ኢና።—መዝ. 119:27-30።

4. ኣብ መዝሙር 73:28 ተሓቢሩ ኸም ዘሎ፡ እቲ ዘማሪ እንታይ ስምዒታቱ እዩ ዝገለጸ፧

4 መዝሙር 73:28 ኣንብብ። እቲ ንመዝሙር 73 ዝጸሓፋ ዘማሪ፡ ኣብ ቤተ መቕደስ የሆዋ ሙዚቀኛ ዀይኑ ኼገልግል እተሸመ ሌዋዊ እዩ ነይሩ። ንነዊሕ ዓመታት ንየሆዋ ብተኣማንነት ዘገልገለ ኪኸውን ኣለዎ። ኰይኑ ግና፡ ንገዛእ ርእሱ ዀነ ንኻልኦት፡ “ናብ ኣምላኽ ምቕራብ” ከም ዚሓይሽ ኬዘኻኽር ነይርዎ። ከምኡ ምግባር እንታይ ጥቕምታት ኣለዎ፧

“ናብ ኣምላኽ ምቕራብ፡” ሓጐስ የምጽእ

5. (ሀ) ናብ የሆዋ ብዝያዳ ምቕራብ ሓጐስ ዜምጽኣልና ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ብመሰረት ምሳሌ 2:6-16፡ ካብ ጥበብ የሆዋ ጥቕምን ዕቝባን እትረኽበሉ ንጹር ኣብነታት ሃብ።

5 ናብ የሆዋ ብዝያዳ ብዝቐረብና መጠን፡ ብዝያዳ ኢና ሕጉሳት እንኸውን። (መዝ. 65:4) ከምኡ ዚዀነሉ ብዙሕ ምኽንያታት ኣሎ። ብቐዳምነት፡ ነቲ ኣብ ቃሉ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ግብራዊ ጥበብ ብምትግባር ንጥቀም ኢና። እዚ ጥበብ እዚ ኸኣ፡ ካብ ሕማቕ ጽልዋታትን ካብ ከቢድ ጌጋታትን ይሕልወና እዩ። (ምሳሌ 2:6-16 ኣንብብ።) ስለዚ ድማ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ጥበብ ዚረክብ፡ ምስትውዓል እውን ዜጥሪ ሰብ ሕጉስ እዩ” ዚብል።—ምሳ. 3:13።

6. እቲ ዘማሪ ሓጐሱ ዘጥፍአ ስለምንታይ እዩ፧

6 ልክዕ እዩ፡ ፈተውቲ የሆዋ እኳ ዚጕህዩሉ እዋናት ከም ዘሎ ኣይከሓድን እዩ። እቲ ንመዝሙር 73 ዝጸሓፈ ዘማሪ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ምስ ኣሕደረ፡ ሓጐሱ ስኢኑ ነይሩ እዩ። እቶም ብዛዕባ ኣምላኽ ወይ ብዛዕባ ስርዓታቱ ግዲ ዘይብሎም ክፉኣት ጥዒምዎም ከም ዚነብሩ ዀይኑ ምስ ተሰምዖ፡ ተበሳጭዩን ቀኒኡን ነይሩ እዩ። ዓመጽትን ዕቡያትን ዝያዳ ሃብትን ዝሓሸ ጥዕናን መከራ ኣልቦ ህይወትን ዘለዎም መሲልዎ ነይሩ እዩ። (መዝ. 73:3-7, 12) በዚ ኣመና ስለ እተረበሸ፡ ንየሆዋ ንምግልጋል ዚገብሮ ጻዕሪ ዋላ ሓንቲ ኸም ዘይዓብስ መሲልዎ ነይሩ እዩ። ጕህዩ ብምንባሩ ኸኣ፡ “ብርግጽ ኣነ ብኸንቱ እየ ልበይ ኣንጺሀ፡ ንኣእዳወይ እውን ብንጽህና ሓጺበ” በለ።—መዝ. 73:13።

7. ከመይ ጌርና ኢና ኻብቲ ንሓጐስና ኼጥፍእ ዚኽእል ጓሂ ኽንናገፍ እንኽእል፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

7 እቲ ዘማሪ ብሰንኪ እቲ ጓሂኡ ለሚሱ ኣይተረፈን። የግዳስ ስጕምቲ ወሰደ። ‘ናብቲ ዓብዪ መቕደስ ኣምላኽ ኣተወ፡’ ኣብኡ ድማ የሆዋ ንኣተሓሳስባኡ ኣረሞ። (መዝ. 73:17-19) ክንጕሂ ኸለና፡ እቲ ናይ ቀረባ ፈታዊና ዝዀነ የሆዋ ነዚ ይፈልጦ እዩ። መምርሒ ንምርካብ ናብኡ እንተ ጸሊና፡ ነቲ ብቓሉን ብጉባኤን ኣቢሉ ዚህበና ሓገዝ እውን እንተ ተቐቢልና፡ ጓሂና ንምጽዋር ዜኽእል ውሽጣዊ ብርታዐ ኽንረክብ ኢና። ብጭንቀት እተወሓጥና ዀይኑ ኣብ ዚስምዓና እዋን እኳ፡ የሆዋ ኼጸናንዓናን ኬደዓዕሰናን እዩ።—መዝ. 94:19።a

ኣብ መንጎ እቲ መሰውኢ ነሓስን ገበላ ቤተ መቕደስን ደው ዝበለ ሌዋዊ።

እቲ ንመዝሙር 73 ዝጸሓፋ ሌዋዊ፡ ኣብቲ “ዓብዪ መቕደስ ኣምላኽ” ደው ኢሉ ይርአ (ሕጡብ ጽሑፍ 7 ርአ)


“ናብ ኣምላኽ ምቕራብ፡” ህይወትና ዕላማን ተስፋን ከም ዚህልዎ ይገብር

8. ናብ ኣምላኽ ብምቕራብና፡ እንታይ ኣገዳሲ ጥቕምታት ኢና እንረክብ፧

8 ናብ ኣምላኽ ምቕራብ ብኽልተ ኻልእ ኣገዳሲ መገድታት እውን ይጠቕመና እዩ። ቀዳማይ፡ ህይወትና ዕላማ ኸም ዚህልዎ ይገብር እዩ። ካልኣይ፡ ብዛዕባ መጻኢ ርግጽ ተስፋ ይህልወና እዩ። (ኤር. 29:11) ሕጂ እምበኣር፡ ነዚ ጥቕምታት እዚ ብደቂቕ ንመርምሮ።

9. ናብ የሆዋ ምቕራብ፡ ህይወትና ትርጉም ከም ዘለዎ ዚገብር ብኸመይ እዩ፧

9 ናብ የሆዋ ምቕራብ፡ ህይወትና ዕላማ ኸም ዚህልዎ ይገብር እዩ። ንህልውና ኣምላኽ ዚኽሕዱ ብዙሓት ሰባት፡ ህይወት ትርጉም ከም ዘይብላ፡ ኣብ መወዳእታኡ እውን ወዲ ሰብ ከም ዚጠፍእ እዮም ዚኣምኑ። ንሕና ግና ኣብ ቃል ኣምላኽ ብዝገበርናዮ መጽናዕቲ፡ ኣምላኽ “ከም ዘሎን ነቶም ኣጸቢቖም ዚደልይዎ ዓስቢ ኸም ዚህቦምን” ንኣምን ኢና። (እብ. 11:6) ነቲ እተፈጠርናሉ ዕላማ ንገብር ስለ ዘለና፡ ማለት ነቲ ሰማያዊ ኣቦና የሆዋ ነገልግሎ ስለ ዘለና፡ ሎሚ እውን እንተ ዀነ ዝያዳ ሓጐስ ንረክብ ኣለና።—ዘዳ. 10:12, 13።

10. ኣብ መዝሙር 37:29 ብዛዕባ እቶም ብየሆዋ ተስፋ ዚገብሩ እንታይ እዩ ተገሊጹ ዘሎ፧

10 ብዙሓት ሰባት ተስፋኦም ኣብዚ ህይወት እዚ ጥራይ እተደረተ እዩ። ስራሕ ይሰርሑ፡ ቈልዑ የዕብዩ፡ ንግዜ ጥሮታ ዚኸውን ገንዘብ እውን የዋህልሉ እዮም። እንተዀነ ግና፡ ንኣምላኽ ኣብ ህይወቶም ቦታ ኣይህብዎን እዮም። ኣገልገልቲ የሆዋ ግና ብእኡ እዮም ተስፋ ዚገብሩ። (መዝ. 25:3-5፣ 1 ጢሞ. 6:17) ነቲ ናይ ቀረባ ፈታዊና ዝዀነ ኣምላኽ ንኣምኖ ኢና፣ እቲ ዘተስፈወና ኸም ዚፍጸም እውን ንኣምን ኢና። ሓደ ኻብቲ ተስፋና ድማ ንየሆዋ ኣብ ገነት ንዘለኣለም ምምላኽ እዩ።—መዝሙር 37:29 ኣንብብ።

11. ናብ ኣምላኽ ምቕራብ፡ ኣባና ዀነ ኣብኡ እንታይ ጽልዋ እዩ ዜሕድር፧

11 ናብ ኣምላኽ ምቕራብ፡ ብብዙሕ ካልእ መገድታት እውን ይጠቕመና እዩ። ንኣብነት፡ የሆዋ ንዚንስሑ ዘበሉ ሓጢኣቶም ከም ዚሓድገሎም ገሊጹ ኣሎ። (ኢሳ. 1:18) ስለዚ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ሕሉፍ ዝገበርናዮ ሓጢኣት፡ ወትሩ ሕልናና ናይ በደለኛነት ስምዒት ጾይሩ ኺነብር የብሉን። (መዝ. 32:1-5) ኣብ ርእሲ እዚ፡ ንየሆዋ ብምሕጓስ ባህታ ንረክብ ኢና። (ምሳ. 23:15) ብዘይካዚ፡ ምስ ኣምላኽ ናይ ቀረባ ዕርክነት ምስ እንምስርት፡ ብዙሕ ካልእ በረኸት ንረክብ ኢና። እሞ ደኣ ኸመይ ጌርና ኢና ወትሩ ናብ ኣምላኽ ክንቀርብ እንኽእል፧

ከመይ ጌርና ብቐጻሊ ‘ናብ ኣምላኽ ንቐርብ፧’

12. ናብ ኣምላኽ ንምቕራብ እንታይ ኢኻ ጌርካ፧

12 ጥሙቕ ክርስትያን እንተ ዄንካ፡ ናብ የሆዋ ንምቕራብ ብዙሕ ነገራት ጌርካ ኣለኻ። ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽን ብዛዕባ ክርስቶስ የሱስን ብዙሕ ሓቅታት ተማሂርካ፡ ካብ ሓጢኣትካ ተነሲሕካ፡ ኣብ ኣምላኽ ሓያል እምነት ኣሕዲርካ፡ ምስ ፍቓዱ ተሰማሚዕካ ንምንባር እውን ጻዕሪ ጌርካ ኢኻ። ናብ ኣምላኽ ብዝያዳ ንምቕራብ ግና ነዚ ነገራት እዚ ብቐጻሊ ኽንገብሮ ኣሎና።—ቈሎ. 2:6።

13. እንታይ ሰለስተ ነገራት እዩ ብቐጻሊ ናብ የሆዋ ንምቕራብ ኪሕግዘና ዚኽእል፧

13 ብቐጻሊ ናብ የሆዋ ንምቕራብ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧ (1) ወትሩ መጽሓፍ ቅዱስ ከነንብብን ከነጽንዕን ኣሎና። ከምኡ ኽንገብር ከለና ኸኣ፡ ብዛዕባ ኣምላኽ መሰረታዊ ሓቅታት ምእንቲ ኽንምሃር ኢልና ጥራይ ኪኸውን የብሉን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣምላኽ ንዓና ዘለዎ ፍቓድ እንታይ ምዃኑ ኸነስተውዕል፡ በቲ ኣብ ቃሉ ዚርከብ ስርዓታት እውን ክንምራሕ ኢልና ኢና ኸምኡ ኽንገብር ዘሎና። (ኤፌ. 5:15-17) (2) ብዛዕባ እቲ ኸም ዜፍቅረና ዜርኢ ኣኺሉ ዚተርፍ መርትዖታት ብምስትንታን እምነትና ኸነደልድል ኣሎና። (3)  የሆዋ ዚጸልኦ ነገራት ክንጸልእ ኣሎና፣ ምስቶም ክፉእ ዚገብሩ ዘበሉ እውን ክንተዓራረኽ የብልናን።—መዝ. 1:1፣ 101:3።

14. ምስቲ ኣብ 1 ቈረንቶስ 10:31 ተጠቒሱ ዘሎ ብምስምማዕ ንየሆዋ ባህ ንምባል ኣብ መዓልታዊ ህይወትና እንታይ ኢና ኽንገብር እንኽእል፧ (ስእልታት እውን ርአ።)

14 ቀዳማይ ቈረንቶስ 10:31 ኣንብብ። ንየሆዋ ባህ ዜብሎ ነገራት ክንገብር ኣሎና። እዚ ድማ በቲ ኣብ ኣገልግሎትን ኣብ ኣኼባታት ጉባኤን እንገብሮ ነገራት ጥራይ እተሓጽረ ኣይኰነን። ንየሆዋ ባህ ዜብሎ ሰናይ ተግባራት፡ ነቲ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና እንገብሮ እውን የጠቓልል እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ኵሉ ብቕንዕና እንመላለስን ዘሎና ንኻልኦት እነማቕልን እንተ ዄንና፡ የሆዋ ይሕጐስ እዩ። (2 ቈረ. 8:21፣ 9:7) ነቲ ንሱ ዝሃበና ህይወት እውን ኣኽብሮት ከነርኢ ይደልየና እዩ። ኣብ ኣመጋግባናን ኣሰታትያናን ሚዛናውያን ብምዃን፡ ብኻልእ መገድታት እውን ንጥዕናና ብምክንኻን፡ ነቲ ወሃብ ህይወት ብዝያዳ ኽንቀርቦ ንኽእል ኢና። ነቲ ንየሆዋ ባህ ከነብል ኢልና ዋላ እውን ንኣሽቱ ኣብ ዚመስል ነገራት እንገብሮ ጻዕሪ፡ ንሱ ኸም ዚፈትወና ይገብር እዩ።—ሉቃ. 16:10።

ስእልታት፦ ንየሆዋ እነሐጕሰሉ መገድታት። 1. ድሕንነት ብዚሕሉ መገዲ ማኪና ምዝዋር፦ ማኪና ዝዝውር ሓው ቀይሕ መብራህቲ ምስ ተወልዐ ደው ይብል። 2. ገዛእ ርእስና ምክንኻን፦ ሓደ ሓው ቅልጥፍ ቅልጥፍ እናበለ ብእግሩ ይኸይድ። 3. ንጥዕና ዚጠቅም ምግቢ ምምጋብ፦ ኣብ ጭሔሎ ዝቐረበ ንጥዕና ዚጠቅም በብዓይነቱ ምግቢ። 4. ሰናይ ምግባር፦ ሓንቲ ሓብቲ ንሓንቲ ኢዳ እተጐድአት ብዕድመ ዝደፍአት ሓብቲ ዕምባባታትን ምግብን ተምጽኣላ።

ገለ ኻብቲ ንየሆዋ እነሐጕሰሉ መገድታት፡ ድሕንነት ብዚሕሉ መገዲ ማኪና ምዝዋር፡ ምውስዋስ ኣካላት ብምግባር፡ ንጥዕናና ዚጠቅም ምግቢ ምምጋብ፡ ንሰባት ሰናይ ምግባር ኪጥቀስ ይከኣል (ሕጡብ ጽሑፍ 14 ርአ)


15. የሆዋ ንዓና፡ ንሰባት ብኸመይ ክንሕዞም እዩ ትጽቢት ዚገብረልና፧

15 የሆዋ ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ጽቡቕ ይገብረሎም እዩ። (ማቴ. 5:45) ስለዚ፡ ንዓና እውን ብተመሳሳሊ ሕያዎት ክንከውን ይጽበየና እዩ። ንኣብነት፡ ‘ንሓደ እኳ ኽንጸርፍ የብልናን፡ ተባኣስቲ እውን ክንከውን የብልናን፣ የግዳስ፡ ልእመት ዘበለ ንዅሉ ሰብ ከነርኢ ኣሎና።’ (ቲቶ. 3:2) ስለዚ ነቶም ከም ናትና ዓይነት እምነት ዘይብሎም ሰባት ኣትሒትና ኣይንርእዮምን ኢና። (2 ጢሞ. 2:23-25) ምስ ኵሉ ሰብ ኣብ ዘሎና ርክብ ለዋሃትን ሓለይትን ብምዃን ንየሆዋ ብዝያዳ ኽንቀርቦ ንኽእል ኢና።

ዋላ እውን ምስ ተዓንቀፍና፡ ‘ናብ ኣምላኽ ክንቀርብ’ ንኽእል ኢና

16. እቲ ንመዝሙር 73 ዝጸሓፋ ዘማሪ ድሕሪ እተወሰነ እዋን እንታይ እዩ ኺስምዖ ጀሚሩ፧

16 ድሕሪ እተወሰነ እዋን፡ ፍቕሪ የሆዋ ዘይግብኣካ ዀይኑ ኺስምዓካ እንተ ጀሚሩ፡ እንታይ ኢኻ ኽትገብር ዚግብኣካ፧ ነቲ ንመዝሙር 73 ዝጸሓፋ ዘማሪ እውን ተመሳሳሊ ነገር እዩ ተሰሚዕዎ። ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ፡ “ኣነ ግና፡ ኣእጋረይ ዳርጋ ኣላጊሰን ነይረን፣ ስጕምትታተይ ኬንደልህጻ ቐሪበን ነይረን” በለ። (መዝ. 73:2) ኣብ ርእሲ እዚ፡ “ተመሪሩ” ኸም ዝነበረ፡ “ዘይሓስብ” ኰይኑ ኸም ዝነበረ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ “ኸም ዓሻ እንስሳ” ዀይኑ ኸም ዝነበረ ገሊጹ ኣሎ። (መዝ. 73:21, 22) እሞ ደኣ ብሰንኪ እቲ ስሕተቱ ተስፋ ኸም ዘይብሉ፡ ፍቕሪ የሆዋ እውን ከም ዘይግብኦ ገይሩ ደምዲሙዶ፧

17. (ሀ) እቲ ዘማሪ ሕማቕ ኣብ እተሰምዖ እዋን እንታይ እዩ ዝገበረ፧ (ለ) ካብ ተመክሮኡ እንታይ ንምሃር፧ (ስእልታት እውን ርአ።)

17 እቲ ዘማሪ፡ የሆዋ ኸም ዝሓደጎ ዀይኑ ተሰሚዕዎ እንተ ነይሩ፡ እዚ ስምዒት እዚ ንሓጺር እዋን ጥራይ እዩ ጸኒሑ። ኣብቲ ሕማቕ ዚስምዖ ዝነበረ እዋን እኳ፡ ናብ ኣምላኽ ምቕራብ ከም ዚሕሾ ኣስተውዒሉ እዩ። እዚ ድማ ኣብቲ፡ “ሕጂ ግና ወትሩ ምሳኻ [ምስ የሆዋ] እየ፣ ንስኻ ኸኣ ብየማነይቲ ኢደይ ሒዝካኒ ኣለኻ። ብምኽርኻ ትመርሓኒ፡ ድሕሪኡ እውን ናብ ክብሪ ትወስደኒ ኢኻ” ዚብል ቃላቱ ተንጸባሪቑ ኣሎ። (መዝ. 73:23, 24) ንሕና እውን ክንደክም ወይ ተስፋ ኽንቈርጽ ከለና ናብቲ ኸም ከውሒ ዜጽንዓና የሆዋ ኽንጥምት ኣሎና። (መዝ. 73:26፣ 94:18) ዋላ እውን ኣእጋርና ንግዜኡ እንተ ኣላጊሰን፡ የሆዋ “ንይቕረታ ድልዊ” ምዃኑ ብምትእምማን ናብኡ ኽንምለስ ንኽእል ኢና። (መዝ. 86:5) ምናዳ ሕማቕ ኣብ ዚስምዓና እዋን፡ ናብ ኣምላኽ ብዝያዳ ኽንቀርብ ኣሎና።—መዝ. 103:13, 14።

ስእልታት፦ 1. ኣብ ዓራት ኮፍ ኢሉ ዘሎ ተስፋ ዝቘረጸ ሓው። 2. ደሓር፡ ኣብ ኣኼባ ጉባኤ ንሰብኣይን ሰበይትን ሰላም ኪብሎም ከሎ፡ ፍሽኽ ይብል።

ብመንፈሳዊ መዳይ ክንደክም ከለና፡ ኣብ ኣምልኾ የሆዋ ብዝያዳ ብምስታፍ፡ ናብኡ ብዝያዳ ኽንቀርብ ኣሎና (ሕጡብ ጽሑፍ 17 ርአ)


ንዘለኣለም ‘ናብ ኣምላኽ ንቕረብ’

18. ናብ የሆዋ ንምቕራብ እንገብሮ ጻዕሪ መወዳእታ ዘይብሉ ስለምንታይ እዩ፧

18 ናብ የሆዋ ንምቕራብን ንዕኡ ንምፍላጥን እንገብሮ ጻዕሪ መወዳእታ የብሉን። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መገድታትን ፍልጠትን ጥበብን የሆዋ፡ “ብኣሰረ ኣሰር ዘይርከብ ኰን እዩ” ኢሉ ኣሎ።—ሮሜ 11:33።

19. ኣብ መዝሙር እንታይ መረጋገጺ ኢና እንረክብ፧

19 መዝሙር 79:13፡ “ንሕና ህዝብኻን ኣባጊዕ መጓሰኻን ንዘለኣለም ከነመስግነካ ኢና፣ ውዳሰኻ ድማ ንውሉድ ወለዶ ኽንነግር ኢና” ትብል። ስለዚ፡ ናብ ኣምላኽ ብዝያዳ ብዝቐረብካ መጠን፡ ብርግጽ ዘለኣለማዊ በረኸት ክትረክብ ኢኻ፡ ብምትእምማን እውን “ኣምላኽ . . . ንዘለኣለም ከውሒ ልበይን ግደይን እዩ” ኽትብል ኢኻ።—መዝ. 73:26።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

  • ብዛዕባ እቲ “ናብ ኣምላኽ ምቕራብ” ዜምጽኦ ጥቕምታት ከነስተንትን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

  • “ናብ ኣምላኽ ምቕራብ” ብኸመይ እዩ ዚሕሸና፧

  • ከመይ ጌርና ኢና ብቐጻሊ ‘ናብ ኣምላኽ ክንቀርብ’ እንኽእል፧

መዝሙር 32 ወግን ምስ የሆዋ!

a ምስ ሕዱር ውጥረት፡ ጭንቀት፡ ወይ ጓሂ ዚቃለሱ ገሊኦም ሰባት ካብ ሰብ ሞያ ሓገዝ የድልዮም ይኸውን። ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ፡ ግምቢ ዘብዐኛ ቍ. 1 2023 ርአ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ