ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w25 ግንቦት ገጽ 26-31
  • ስም የሆዋ ንዓና እንታይ ትርጉም ኪህልዎ ይግባእ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ስም የሆዋ ንዓና እንታይ ትርጉም ኪህልዎ ይግባእ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “ንስሙ ህዝቢ”
  • “ንስኻትኩም መሰኻኽረይ ኢኹም”
  • ስም የሆዋ ንዓና እንታይ ትርጉም ኣለዎ፧
  • ስም የሆዋ ንየሱስ እንታይ ትርጉም ኣለዎ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
  • “ስም የሆዋ ወድሱ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2024
  • ስም ኣምላኽ ክንፈልጠሉ ዝግብኣና ምኽንያት
    መለኮታዊ ስም
  • “ንመን ከም እተገልግሉ . . . ሕረዩ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
w25 ግንቦት ገጽ 26-31

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 23

መዝሙር 2 የሆዋ እዩ ስምካ

ስም የሆዋ ንዓና እንታይ ትርጉም ኪህልዎ ይግባእ፧

“‘ንስኻትኩም መሰኻኽረይ ኢኹም’ ይብል የሆዋ።”—ኢሳ. 43:10።

ኣትኵሮ

ኣብ ምቕዳስን ኣብ ምርግጋጽ ሓቅነትን ስም የሆዋ ዘሎና ግደ ንምሕባር።

1-2. የሱስ ንስም የሆዋ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ገይሩ ኸም ዚርእዮ ብኸመይ ንፈልጥ፧

የሱስ ንስም የሆዋ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ኸም ዝዀነ ገይሩ እዩ ዚርእዮ። ከምኡ ገይሩ ንስም ኣቦኡ ዚጣበቐሉ ዋላ ሓደ የልቦን። ኣብ ዝሓለፈት ዓንቀጽ ከም ዝረኣናዮ፡ የሱስ ምእንቲ ስም የሆዋን ምእንቲ እቲ ስም ሓዚልዎ ዘሎ ትርጉምን ንሙማት ድሉው እዩ ነይሩ። (ማር. 14:36፣ እብ. 10:7-9) ድሕሪ እቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣቱ ኸኣ፡ ስም የሆዋ ምእንቲ ኪቕደስ ኢሉ፡ ኵሉ ስልጣኑ ኣሕሊፉ ንምሃብ ፍቓደኛ ኪኸውን እዩ። (1 ቈረ. 15:26-28) እቲ የሱስ ንስም ኣምላኽ ዘለዎ ፍቕሪ፡ ብዛዕባ እቲ ምስ ኣቦኡ ዘለዎ ርክብ ብዙሕ ይገልጸልና እዩ። የሱስ ነቲ በቲ እቲ ስም እቲ ዚጽዋዕ ኣምላኽ ከም ዜፍቅሮ የረጋግጸልና እዩ።

2 የሱስ ናብ ምድሪ ብስም ኣቦኡ እዩ መጺኡ። (ዮሃ. 5:43፣ 12:13) ስም ኣቦኡ ንሰዓብቱ ኣፍሊጥዎም እዩ። (ዮሃ. 17:6, 26) ብስም የሆዋ ምሂሩን ተኣምራት ገይሩን እዩ። (ዮሃ. 10:25) ንየሆዋ ብዛዕባ ደቀ መዛሙርቱ ኣብ ዘቕረቦ ልማኖ ድማ፡ “ስለቲ . . . ስምካ ሓልዎም” በሎ። (ዮሃ. 17:11) እምበኣር፡ የሱስ ብዛዕባ ስም የሆዋ ልዑል ኣኽብሮት ካብ ሃለዎ፡ ‘ናይ ሓቂ ሰዓቢ ክርስቶስ እየ’ ዚብል ሰብ ደኣ ኸመይ ገይሩ እዩ እሞ ንስም የሆዋ ዘይፈልጦ፡ ነቲ ስም እቲ እውን ዘይጥቀመሉ ኪኸውን ዚኽእል፧

3. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንመያየጥ፧

3 ኣስኣሰር የሱስ ክንስዕብ እንጽዕር ክርስትያናት ስለ ዝዀንና፡ ንስም ኣቦኡ ኽብ ኣቢልና ኢና እንርእዮ። (1 ጴጥ. 2:21) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ እቶም “ብስራት መንግስቲ” ዚሰብኩ ሰባት ብኸመይ ብስም የሆዋ ኸም ዚልለዩ ኽንርኢ ኢና። (ማቴ. 24:14) ስም የሆዋ ንዓና ብደረጃ ውልቀ ሰብ እንታይ ትርጉም ኪህልዎ ኸም ዚግባእ እውን ክንመያየጥ ኢና።

“ንስሙ ህዝቢ”

4. (ሀ) የሱስ ናብ ሰማይ ቅድሚ ምዕራጉ፡ ንደቀ መዛሙርቱ እንታይ መዝነት እዩ ሂብዎም፧ (ለ) እቲ መዝነት እቲኸ እንታይ ሕቶታት እዩ ዜበግስ፧

4 የሱስ ናብ ሰማይ ቅድሚ ምዕራጉ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “መንፈስ ቅዱስ ናባኻትኩም ምስ ወረደ ግና፡ ሓይሊ ኽትቅበሉ እሞ፡ ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ኵላ ይሁዳን ኣብ ሰማርያን ክሳብ ወሰናት ምድርን መሰኻኽር ክትኰኑኒ ኢኹም” በሎም። (ግብ. 1:8) ስለዚ፡ እቲ ብስራት ስግር ዶባት እስራኤል ኪስበኽ ነበሮ። በዚ ኸምዚ፡ ካብ ኵሎም ኣህዛብ ዝዀኑ ሰባት፡ ሰዓብቲ የሱስ ንምዃን ኣጋጣሚ ተኸፍተሎም። (ማቴ. 28:19, 20) ኰይኑ ግና፡ የሱስ፡ “መሰኻኽር ክትኰኑኒ ኢኹም” ከም ዝበለ ነስተብህል። እሞ ደኣ እቶም ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ ንስም የሆዋ ኺፈልጥዎ ነይርዎምዶ፡ ወይስ መሰኻኽር የሱስ ኪዀኑ ጥራይ እዩ ነይርዎም፧ እቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ምዕራፍ 15 ዚርከብ ዛንታ፡ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ኽንፈልጥ ይሕግዘና እዩ።

5. ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ሃዋርያትን ሽማግለታትን፡ ኵሎም ሰባት ንስም የሆዋ ኺፈልጥዎ ኸም ዜድልዮም ብኸመይ ኣርእዮም፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

5 ብ49 ድ.ክ. ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ሃዋርያትን ሽማግለታትን፡ ዘይተገዝሩ ኣህዛብ ከም ክርስትያናት ተቐባልነት ንምርካብ እንታይ ኪገብሩ ኸም ዘለዎም ተመያየጡ። ኣብ መደምደምታ እቲ ምይይጦም ድማ፡ ያእቆብ ሓው የሱስ፡ “ኣምላኽ ካብ ኣህዛብ ንስሙ ህዝቢ ምእንቲ ኼውጽእ፡ ንፈለማ ግዜ ኸመይ ገይሩ ቘላሕታ ኸም ዝገበረሎም፡ [ጴጥሮስ] ኣዘንትዩ ኣሎ” ኢሉ ተዛረበ። ኣብዚ ያእቆብ “ንስሙ” ኺብል ከሎ፡ ብዛዕባ ናይ መን ስም እዩ ዚዛረብ ነይሩ፧ ኣስዕብ ኣቢሉ ባዕሉ ኻብ ነብዪ ኣሞጽ ብምጥቃስ፡ “እዚ ድማ እቶም ዝተረፉ ሰባትን ኵሎም እቶም ብስመይ ዚጽውዑ ኣህዛብን ንየሆዋ ኣጸቢቖም ምእንቲ ኺደልይዎ እዩ፡ ይብል . . . የሆዋ” በለ። (ግብ. 15:14-18) ስለዚ፡ እቶም ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ ብዛዕባ የሆዋ ኺምሃሩ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ‘ብስሙ ኺጽውዑ’ እውን ነይርዎም። ከምዚ ኺብሃል ከሎ ድማ፡ ስም ኣምላኽ ንኻልኦት የፍልጡ፡ በቲ ስም እቲ እውን ይልለዩ ማለት እዩ።

ያእቆብ ኣብ የሩሳሌም ንዝነበሩ ሃዋርያትን ሽማግለታትን ይዛረቦም። ክልተ ኻብቶም ኣሕዋት ንዕኡ እናሰምዕዎ፡ ኣብ ኢዶም ጥቕልልቲ ጽሕፍቲ ቐሊዖም ኣለዉ።

እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብ እተገብረ ኣኼባ ዝነበሩ ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል፡ ክርስትያናት ንስም ኣምላኽ ዝቘሙ ህዝቢ ኪዀኑ ኸም ዚግባእ ብንጹር ኣስተውዓሉ (ሕጡብ ጽሑፍ 5 ርአ)


6-7. (ሀ) የሱስ ናብ ምድሪ ዝመጸ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ምስኡ እተኣሳሰረ እንታይ ካልእ ዝዓበየ ጕዳይ ኣሎ፧

6 ስም የሱስ፡ “የሆዋ ድሕነት እዩ” ዚብል ትርጉም ኣለዎ። የሆዋ ድማ ንየሱስ፡ ነቶም ብወዱ ዚኣምኑ ዘበሉ ንምድሓን ተጠቒሙሉ እዩ። የሱስ ህይወቱ ምእንቲ ደቂ ሰብ ኬሕልፍ ኢሉ እዩ ናብ ምድሪ መጺኡ። (ማቴ. 20:28) በጃ ስለ ዝኸፈለ ኸኣ፡ ደቂ ሰብ ኪድሕኑን ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረኽቡን ይኽእሉ እዮም።—ዮሃ. 3:16።

7 ንደቂ ሰብ ድሕነት ዜድልዮም ስለምንታይ እዩ፧ ብሰንኪ እቲ ኣብ ገነት ኤደን ዘጋጠመ ነገር እዩ። ኣብ ዝሓለፈት ዓንቀጽ ከም ዝረኣናዮ፡ እቶም ቀዳሞት ወለድና ዝዀኑ ኣዳምን ሄዋንን ካብ የሆዋ ዓለዉ፣ በዚ ኸምዚ ድማ ንዘለኣለም ንምንባር ዝነበሮም ኣጋጣሚ ኣጥፍኡ። (ዘፍ. 3:6, 24) ይኹን እምበር፡ ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ፡ ካብ ድሕነት ሓጥኣን ደቂ ሰብ ዚዓቢ ነገር ተላዕለ። እወ፡ ስም የሆዋ ተጠቀነ። (ዘፍ. 3:4, 5) ስለዚ፡ ድሕነት ዘርኢ ኣዳምን ሄዋንን ምስቲ ዝዓበየ ጕዳይ፡ ማለት ምስ ምቕዳስ ስም የሆዋ እተኣሳሰረ እዩ። የሱስ ድማ ንስም የሆዋ ወኪሉን ስሙ ጾይሩን ስለ ዝመጸ፡ ኣብ ምቕዳስ ስም የሆዋ ወሳኒ ግደ ተጻወተ።

‘ናይ ሓቂ ሰዓቢ ክርስቶስ እየ’ ዚብል ሰብ ከመይ ገይሩ እዩ እሞ ንስም የሆዋ ዘይፈልጦ፡ ነቲ ስም እቲ እውን ዘይጥቀመሉ ኪኸውን ዚኽእል፧

8. ኵሎም ሰዓብቲ የሱስ እንታይ እዮም ኪርድኡ ነይርዎም፧

8 ኵሎም እቶም ብየሱስ ዚኣምኑ ዘበሉ ኣይሁድ ኰኑ ኣህዛብ፡ ምንጪ ድሕነቶም እቲ ኣቦ የሱስ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ምዃኑ ኺፈልጡ ነበሮም። (ዮሃ. 17:3) ኣብ ርእሲ እዚ፡ ከም የሱስ ብስም የሆዋ ኺጽውዑ ነበሮም። ምቕዳስ ስም የሆዋ ዘለዎ ኣገዳስነት እውን ኬለልይዎ ነበሮም። ድሕነቶም ኣብኡ እተመርኰሰ እዩ ነይሩ። (ግብ. 2:21, 22) ስለዚ፡ ኵሎም እሙናት ሰዓብቲ የሱስ ብዛዕባ የሆዋ ኺምሃሩ ነይርዎም። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ ነቲ ኣብ ዮሃንስ 17 ተመዝጊቡ ዘሎ ጸሎቱ በዚ ዚስዕብ ቃላት ዝዛዘሞ፦ “እታ ንዓይ ዘፍቀርካኒ ፍቕሪ ኣባታቶም ምእንቲ ኽትህሉን ኣነ ምሳታቶም ሓድነት ምእንቲ ኺህልወንን፡ ስምካ ኣፍሊጠዮም ኣለኹ፡ ከፍልጦም እውን እየ።”—ዮሃ. 17:26።

“ንስኻትኩም መሰኻኽረይ ኢኹም”

9. ስም የሆዋ ንዓና ኣገዳሲ ምዃኑ ብኸመይ ኢና ኸነርኢ እንኽእል፧

9 ስለዚ፡ ኵሎም ናይ ሓቂ ሰዓብቲ የሱስ ብዛዕባ ምቕዳስ ስም የሆዋ ኺግደሱ ኣለዎም። (ማቴ. 6:9, 10) ስም የሆዋ ኻብ ናይ ኵሉ ንላዕሊ ኽብ ኣቢሎም ኪርእይዎ ኣለዎም። እዚ ድማ ብወገኖም ስጕምቲ ዚሓትት እዩ። እንተዀነ ግና፡ ንሕና ኣብ ምቕዳስ ስም የሆዋ፡ ማለት ሰይጣን ካብ ዝዀመሮ ጸርፊ ሓራ ኣብ ምግባር፡ ብኸመይ እዩ እጃም ኪህልወና ዚኽእል፧

10. ኣብ መጽሓፍ ኢሳይያስ ምዕራፍ 42 ክሳብ 44፡ እንታይ ምሳልያዊ ጕዳይ ፍርዲ እዩ ተገሊጹ ዘሎ፧ (ኢሳይያስ 43:9፣ 44:7-9) (ስእሊ እውን ርአ።)

10 ኣገዳስነት እቲ ኣብ ምቕዳስ ስም የሆዋ ዘሎና ግደ፡ ኣብ መጽሓፍ ኢሳይያስ ምዕራፍ 42 ክሳብ 44 ጐሊሑ ኣሎ። ኣብዚ ምዕራፋት እዚ፡ ኣምላኽነት ብምሳልያዊ መገዲ ጕዳይ ፍርዲ ዀይኑ ኸም ዝቐረበ ጌርካ ተገሊጹ ኣሎ። የሆዋ ንዅሎም እቶም ‘ኣማልኽቲ ኢና’ ዚብሉ ዘበሉ ብሓቂ ኣማልኽቲ እንተ ዀይኖም መርትዖኦም ኬቕርቡ ሕቶ ኣቕሪቡሎም ኣሎ። ንሓቅነት እቲ እዞም ኣማልኽቲ ዚብልዎ ነገር ዚምስክሩ መሰኻኽር እንተ ኣልዮም እውን ኪምስክሩ ጻውዒት ኣቕሪቡ ኣሎ። ዋላ ሓደ ምስክር ግና ኣይተረኽበን!—ኢሳይያስ 43:9፣ 44:7-9 ኣንብብ።

ስእልታት፦ ኣብ ብዘላ ዓለም ዚነብሩ ኣሕዋትን ኣሓትን ንስም የሆዋ ኪቕድሱ ኸለዉ፡ መላእኽቲ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ይዝምብዩ። 1. ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ምስክርነት ዓረብያ ይሳተፉ። 2. ሓንቲ ንእሽቶ ሓብቲ ንመማህርታ ካርድ ኣድራሻ jw.org ትህባ። 3. ሓደ ሓው ብህዝባዊ መጕዓዝያ ኺጥቀም ከሎ፡ ንሓደ ኣብ ጥቓኡ ዘሎ ሰብ ይምስክረሉ። 4. ገጾም ዝሸፈኑ ኣባላት ፖሊስ ንሓደ ሓው ብካቴና ኣሲሮም ይወስድዎ። 5. ኣብ ሆስፒታል ዝደቀሰት ሓብቲ ብዛዕባ ደም እንታይ መትከል ከም ዘለዋ ንሓኪማ ትነግሮ።

ብብዙሕ መገዲ፡ ኣብ ምሳልያዊ ጕዳይ ፍርዲ ኢና ዘለና (ሕጡብ ጽሑፍ 10-11 ርአ)


11. ከምቲ ኣብ ኢሳይያስ 43:10-12 ተመዝጊቡ ዘሎ፡ የሆዋ ንህዝቡ እንታይ እዩ ዝበሎም፧

11 ኢሳይያስ 43:10-12 ኣንብብ። የሆዋ ንህዝቡ፡ “ንስኻትኩም መሰኻኽረይ ኢኹም፡ . . . ኣነ ኸኣ ኣምላኽ እየ” በሎም። ነታ፡ “ብዘይካይዶ ኣምላኽ ኣሎ እዩ፧” እትብል ሕቶ ኺምልሱሉ እዩ ደልዩ። (ኢሳ. 44:8) ስለዚ፡ ነታ ሕቶ እቲኣ ናይ ምምላስ ፍሉይ ኣጋጣሚ ኣሎና። ብቓላትናን ብተግባራትናን፡ የሆዋ በይኑ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ምዃኑ ኽንምስክር ንኽእል ኢና። ስሙ ኻብ ዝዀነ ይኹን ካልእ ስም ልዕል ዝበለ እዩ። ሰይጣን ዘምጽአ እኳ እንተ ኣምጽአ፡ ንየሆዋ ብሓቂ ኸም እነፍቅሮ፡ ንዕኡ እውን እሙናት ምዃንና ብናብራ ህይወትና ኣቢልና ኸነርኢ ንኽእል ኢና። በዚ ኸምዚ፡ ኣብ ምቕዳስ ስሙ እጃምና ኸነበርክት ንኽእል ኢና።

12. ኣብ ኢሳይያስ 40:3, 5 ዚርከብ ትንቢት ብኸመይ እዩ ተፈጺሙ፧

12 ንስም የሆዋ ኽንድግፎ ኸለና፡ ንየሱስ ክርስቶስ ኢና እንመስሎ ዘለና። ‘መገዲ የሆዋ ዚጸርግ’ ወይ ‘ዜዳሉ’ ኣቐዲሙ ኸም ዚመጽእ፡ ኢሳይያስ ተነብዩ ነይሩ እዩ። (ኢሳ. 40:3፣ እ.ጽ.) እሞ ደኣ እዚ ብኸመይ ተፈጺሙ፧ ዮሃንስ መጥምቕ ነቲ ብስም የሆዋ ዝመጸ፡ ብስም የሆዋ እውን እተዛረበ የሱስ መገዲ ኣዳልዩሉ እዩ። (ማቴ. 3:3፣ ማር. 1:2-4፣ ሉቃ. 3:3-6) ኣብቲ ትንቢት እቲ፡ “ክብሪ የሆዋ ኺግለጽ . . . እዩ” እውን ተባሂሉ እዩ። (ኢሳ. 40:5) እዚኸ ብኸመይ እዩ ዀይኑ፧ የሱስ ናብ ምድሪ ኣብ ዝመጸሉ እዋን፡ ፍጹም ወኪል የሆዋ ስለ ዝዀነ፡ የሆዋ ባዕሉ ናብ ምድሪ ኸም ዝመጸ እዩ ነይሩ።—ዮሃ. 12:45።

13. ከመይ ጌርና ኢና ንየሱስ እንመስሎ፧

13 ንሕና እውን ከም የሱስ፡ መሰኻኽር የሆዋ ኢና። ብስም የሆዋ ንጽዋዕ፡ ንእንረኽቦ ዘበለ ሰብ እውን ብዛዕባ እቲ ዜደንቕ ግብርታቱ ንነግር ኢና። ከምኡ ንምግባር ግና፡ ብዛዕባ እቲ የሱስ ኣብ ምቕዳስ ስም የሆዋ ዘለዎ ኣገዳሲ ግደ ኸነፍልጥ ኣሎና። (ግብ. 1:8) የሱስ ኣውራ ምስክር የሆዋ እዩ፣ ንሕና እውን ኣስኣሰሩ ኢና እንስዕብ። (ራእ. 1:5) እንተዀነ ግና፡ ስም የሆዋ ንነፍሲ ወከፍና እንታይ ትርጉም እዩ ኺህልዎ ዚግባእ፧

ስም የሆዋ ንዓና እንታይ ትርጉም ኣለዎ፧

14. ኣብ መዝሙር 105:3 ጐሊሑ ኸም ዘሎ፡ ብዛዕባ ስም የሆዋ ኸመይ እዩ ዚስምዓና፧

14 ብስም የሆዋ ንሕበን ኢና። (መዝሙር 105:3 ኣንብብ።) ብስም የሆዋ እንምካሕ ምዃንና፡ ንየሆዋ ዓብዪ ሓጐስ የምጽኣሉ እዩ። (ኤር. 9:23, 24፣ 1 ቈረ. 1:31፣ 2 ቈረ. 10:17) ‘ብየሆዋ ንምካሕ’ ኪብሃል ከሎ፡ የሆዋ ኣምላኽና ብምዃኑ ንሕበን ማለት እዩ። ንስሙ ኽብሪ ምሃብን ምድጋፍን፡ ከም ፍሉይ ክብሪ ጌርና ኢና እንርእዮ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምዃንና፡ ንመሳርሕትናን ንመማህርትናን ንጐረባብትናን ንኻልኦትን ንምንጋር ከቶ ኽንሓፍር የብልናን! ድያብሎስ ብዛዕባ ስም የሆዋ ንኻልኦት ምንጋር ክንሓድግ እዩ ዚደልየና። (ኤር. 11:21፣ ራእ. 12:17) መሕልፎ እኳ ደኣስ፡ ሰይጣንን ናይ ሓሶት ነብያቱን ንስም የሆዋ ኻብ ተዘክሮ ሰባት ኪሓክኩ እዮም ዚደልዩ። (ኤር. 23:26, 27) ንስም የሆዋ ዘሎና ፍቕሪ ግና “ምሉእ መዓልቲ” ኸም እንሕጐስ ይገብረና እዩ።—መዝ. 5:11፣ 89:16።

15. ስም የሆዋ ምጽዋዕ ኪብሃል ከሎ፡ እንታይ ማለት እዩ፧

15 ወትሩ ስም የሆዋ ንጽውዕ ኢና። (ዮኤ. 2:32፣ ሮሜ 10:13, 14) ስም የሆዋ ምጽዋዕ ኪብሃል ከሎ፡ ንብሕታዊ ስም ኣምላኽ ንፈልጦን ንጥቀመሉን ጥራይ ማለት ኣይኰነን። የግዳስ፡ ንኣምላኽና ብብሕቲ ንፈልጦ፡ ንኣምኖ፡ ካብኡ እውን ሓገዝን መምርሕን ንደሊ ማለት እዩ። (መዝ. 20:7፣ 99:6፣ 116:4፣ 145:18) ኣብ ርእሲ እዚ ድማ፡ ብዛዕባ ስሙን ባህርያቱን ንኻልኦት ንነግር፡ ስምረቱ ምእንቲ ኺረኽቡ ኸኣ ኪንስሑን ስጕምቲ ኺወስዱን ንምሕጸን ኢና።—ኢሳ. 12:4፣ ግብ. 2:21, 38።

16. ሰይጣን ሓሳዊ ምዃኑ ብኸመይ ኢና ኸነረጋግጽ እንኽእል፧

16 ምእንቲ ስም የሆዋ መከራ ንምጽጋብ ፍቓደኛታት ኢና። (ያእ. 5:10, 11) ኣብ ትሕቲ መከራ ንየሆዋ እሙናት እንተ ዄንና፡ ሰይጣን ሓሳዊ ምዃኑ ኢና እነረጋግጽ። ብዘመን እዮብ፡ ሰይጣን ብዛዕባ እቶም ንየሆዋ ዜገልግሉ ሰባት፡ “ሰብ ኣብ ክንዲ ህይወቱ ዘለዎ ዅሉ ይህብ እዩ” ዚብል ክሲ ኣቕሪቡ እዩ። (እዮ. 2:4) ኪጥዕሞም ከሎ ጥራይ ንየሆዋ ኸም ዜገልግልዎ፡ ጸገማት እንተ ኣጓኒፍዎም ግና ከም ዚሓድግዎ ገይሩ ኸሲሱ እዩ። እዮብ እሙን ስለ ዝነበረ፡ እዚ ኽሲ እዚ ሓሶት ምዃኑ ኣረጋገጸ። ንሕና እውን ሰይጣን ዘምጽአ መከራ እኳ እንተ ኣምጽአ፡ ንየሆዋ ዝባንና ኸም ዘይንመልሰሉ ኸነርኢ እንኽእለሉ ኣጋጣሚ ኣሎና። የሆዋ ስለ ስሙ ኢሉ ኸም ዚሕልወና ኸኣ፡ ምሉእ ብምሉእ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።—ዮሃ. 17:11።

17. ከምቲ ኣብ 1 ጴጥሮስ 2:12 ተጠቒሱ ዘሎ፡ ብኸመይ ኢና ንስም የሆዋ ኽብሪ እነምጽኣሉ፧

17 ንስም የሆዋ ነኽብሮ ኢና። (ምሳ. 30:9፣ ኤር. 7:8-11) ንስም የሆዋ ስለ እንውክል፡ ብስሙ እውን ስለ እንጽዋዕ፡ ንስሙ ኽንውድሶ ወይ ከነሕስሮ ንኽእል ኢና። (1 ጴጥሮስ 2:12 ኣንብብ።) ስለዚ፡ ብዘረባናን ብኣካይዳናን ንየሆዋ ንምውዳስ ዚከኣለና ኽንገብር ንደሊ ኢና። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ዘይፍጹማት እኳ እንተ ዀንና፡ ብእተኻእለና መጠን ስሙ ኸም ዚምጐስ ንገብር ወይ ክብሪ ነምጽኣሉ ኢና።

18. ስም የሆዋ ንዓና ኣገዳሲ ምዃኑ እነርእየሉ ኻልእ መገዲ እንታይ እዩ፧ (እግረ ጽሑፍ እውን ርአ።)

18 ካብ ስምና ንላዕሊ፡ ስም የሆዋ እዩ ዜተሓሳስበና። (መዝ. 138:2) እዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ምኽንያቱ፡ ንስም የሆዋ ዘሎና ፍቕሪ፡ ነቲ ኣብ ቅድሚ ሰባት ዘሎና ስም ኬበላሽዎ ይኽእል እዩ።a የሱስ ምእንቲ ኽብሪ ስም የሆዋ ኢሉ ኸም ገበነኛ ዜሕፍር ኣማውታ ኺመውት ፍቓደኛ ዀይኑ እዩ። ብዛዕባ እቲ ኻልኦት ንዕኡ ዘለዎም ኣረኣእያ ስለ ዘየጨነቖ ወይ እምብዛ ስለ ዘየተሓሳሰቦ፡ “ሕፍረት ንዒቑ” ኺብሃል ይከኣል እዩ። (እብ. 12:2-4) ኣትኵሮኡ ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምግባር እዩ ነይሩ።—ማቴ. 26:39።

19. ብዛዕባ ስም የሆዋ እንታይ ይስምዓካ፧ ስለምንታይከ፧

19 ብስም የሆዋ ንሕበን ኢና፣ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተባሂልና እንጽዋዕ ብምዃንና እውን ክብሪ ይስምዓና እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ፡ ዝዀነ ይኹን ጸርፊ ኽንጻወር ንኽእል ኢና። ስም የሆዋ ኻብ ስምና ንላዕሊ ኣገዳስነት ኣለዎ። ስለዚ፡ ሰይጣን ዘምጽአ እኳ እንተ ኣምጽአ፡ ወትሩ ንየሆዋ ንምውዳስ ቈራጽነት ንግበር። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ንሕና እውን ከም የሱስ ክርስቶስ፡ ንስም የሆዋ ልዕሊ ዅሉ ኽብ ከም እነብሎ ኸነርኢ ንኽእል ኢና።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

  • ስም የሆዋ ንሰዓብቲ የሱስ ኣገዳሲ ምዃኑ ዚሕብር እንታይ እዩ፧

  • ሎሚ እንታይ ምሳልያዊ ጕዳይ ፍርዲ እዩ ተላዒሉ ዘሎ፧

  • ስም የሆዋ ንዓና ኣገዳሲ ምዃኑ ብኸመይ ኢና ኸነርኢ እንኽእል፧

መዝሙር 10 ንየሆዋ ኣምላኽና ወድስዎ!

a እቲ እሙን ዝነበረ እዮብ እኳ፡ ካብቶም ሰለስተ ብጾቱ ኣብ ልዕሊ ስሙ መጥቃዕቲ ምስ ወረዶ፡ ኣትኵሮኡ ስሒቱ እዩ። ኣብ ፈለማ፡ ደቁን ጥሪቱን ምስ ሰኣነ፡ “ኣይሓጥአን፡ ንኣምላኽ እውን ከም ዝበደለ ገይሩ ኣይከሰሶን።” (እዮ. 1:22፣ 2:10) ብዘይወዓሎ ምስ ተኸስሰ ግና፡ “ቀይዲ ዘይብሉ ዘረባ” ተዛረበ። ንስም ኣምላኽ ካብ ምቕዳስ ንላዕሊ ኸኣ፡ ብቐዳምነት ንገዛእ ስሙ ኣብ ምጥባቕ ኣተኰረ።—እዮ. 6:3፣ 13:4, 5፣ 32:2፣ 34:5።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ