ዓንቀጽ መጽናዕቲ 27
መዝሙር 79 ኪጸንዑ ኣሰልጥኖም
ንተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ጐድኒ ሓቂ ኪቘሙ ሓግዞም
“ኣብ እምነት ጽንዑ፡ . . . በርትዑ።”—1 ቈረ. 16:13።
ኣትኵሮ
ንተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ጐድኒ ሓቂ ንምቛም ዜኽእሎም እምነትን ትብዓትን ምእንቲ ኼማዕብሉ ብኸመይ ከም እንሕግዞም።
1-2. (ሀ) ገሊኦም ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ጐድኒ ሓቂ ምቛም ዜጸግሞም ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ኢና ኽንርኢ፧
ናይ የሆዋ ምስክር ክትከውን ምስ ሓሰብካ፡ ፍርሂ ተሰሚዑካዶ ነይሩ፧ ምናልባት መሳርሕትኻ፡ ፈተውትኻ፡ ወይ ቤተ ሰብካ ኸይጻረሩኻ ፈሪህካ ኔርካ ትኸውን። ወይ ድማ መለክዒታት ኣምላኽ ሓሊኻ ምምልላስ ዘይትኽእሎ ዀይኑ ተሰሚዑካ ይኸውን። ከምኡ እንተ ተሰሚዑካ፡ ነቶም ኣብ ጐድኒ ሓቂ ንምቛም ሰጋእ መጋእ ዚብሉ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ክትርድኣሎም ትኽእል ኢኻ።
2 ከምዚ ዝኣመሰለ ፍርሂ ንመንፈሳዊ ዕቤት ኪዕንቅጽ ከም ዚኽእል፡ የሱስ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (ማቴ. 13:20-22) ኰይኑ ግና፡ በቶም ንዕኡ ንምስዓብ ሰጋእ መጋእ ዝበሉ ተስፋ ኣይቈረጸን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ንኸምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት ብኸመይ ከም ዚሕግዙ ኣርኣዮም፣ ከምኡ ንምግባር፡ (1) ንዕቤቶም ዕንቅፋት ዚኸውን ነገር ኬለልዩ፡ (2) ንየሆዋ ዘለዎም ፍቕሪ ኼዕምቑ፡ (3) ቀዳምነታቶም ኬዐርዩ፡ (4) ዜጋጥሞም ጸገማት ኪሰግሩ ነበሮም። እሞ ደኣ በታ ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ዘርእስታ መጽሓፍ ጌርና ንተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ጐድኒ ሓቂ ኪቘሙ ኽንሕግዞም ከለና፡ ከመይ ጌርና ኢና ነቲ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ዝነገሮም ነገር ክንትግብሮ እንኽእል፧
ንዕቤቱ ዕንቅፋት ዚኸውን ነገር ኬለሊ ሓግዞ
3. ኒቆዲሞስ ወደ መዝሙር የሱስ ከይከውን ዕንቅፋት ዝዀኖ እንታይ ኪኸውን ይኽእል፧
3 ኒቆዲሞስ ዚብሃል ሓለቓ ኣይሁድ፡ ወደ መዝሙር የሱስ ከይከውን ዕንቅፋት ኣጋጠሞ። ካብቲ የሱስ ኣገልግሎቱ ዝጀመረሉ ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ ኣቢሉ፡ ኒቆዲሞስ ንየሱስ ወኪል ኣምላኽ ምዃኑ ኣለለዮ። (ዮሃ. 3:1, 2) ‘ንኣይሁድ ስለ ዝፈርሀ ግና፡’ ምስ የሱስ ብሕቡእ ተራኸበ። (ዮሃ. 7:13፣ 12:42) ወደ መዝሙር የሱስ እንተ ዀይኑ፡ ብዙሕ ነገር ከም ዚስእን ተሰሚዕዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ።a
4. የሱስ ንኒቆዲሞስ፡ ነቲ ኣምላኽ ካብኡ ዚጽበዮ ነገር ምእንቲ ኺርዳእ ብኸመይ ሓጊዝዎ፧
4 ኒቆዲሞስ ንሕጊ ሙሴ ይፈልጦ ነይሩ እዩ። ነቲ የሆዋ ኻብኡ ዚጽበዮ ነገር ምእንቲ ኺርዳእ ግና ሓገዝ ኣድልይዎ ነይሩ እዩ። እሞ ደኣ የሱስ ብኸመይ ሓጊዝዎ፧ የሱስ ንኒቆዲሞስ እኹል ግዜ ሂብዎ እዩ፣ ዋላ እውን ብለይቲ ምስኡ ኺራኸብ ፍቓደኛ ዀይኑ እዩ። ወደ መዝሙር ንምዃን እንታይ ኪገብር ከም ዜድልዮ እውን ብንጹር ሓቢርዎ እዩ። እወ፡ ካብ ሓጢኣቱ ኺንሳሕ፡ ብማይ ኪጥመቕ፡ ብወዲ ኣምላኽ እውን ኪኣምን የድልዮ ነይሩ እዩ።—ዮሃ. 3:5, 14-21።
5. ንሓደ ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ዕቤት ንምግባር ዕንቅፋት ዚዀኖ ነገር ኬለሊ ብኸመይ ክንሕግዞ ንኽእል፧
5 ሓደ ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ቅዱሳት ጽሑፋት ጽቡቕ ገይሩ ዚርዳእ እኳ እንተ ዀነ፡ ዕቤት ንምግባር ዕንቅፋት ዚዀኖ ነገራት ንምልላይ ግና ሓገዝ ኬድልዮ ይኽእል እዩ። ዓለማዊ ስራሕ ወይ ናይ ቤተ ሰብ ተቓውሞ፡ ካብ መንፈሳዊ ሸቶታቱ ኸም ዜስግል ኪገብሮ ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ንተምሃራይካ ግዜ ሃቦ። ብሓባር ቡን ክትሰትዩ ወይ ብእግርኹም ክትዛወሩ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት፡ እንታይ ጸገማት የጋጥሞ ኸም ዘሎ ናይ ልቡ ይነግረካ ይኸውን። ንዓኻ ምእንቲ ኼሐጕሰካ ኢሉ ዘይኰነስ፡ ካብቲ ንየሆዋ ዘለዎ ፍቕሪ ተላዒሉ ምትዕርራያት ኪገብር ኣተባብዓዮ።
6. ሓደ ተምሃራይ ኣብ ጐድኒ ሓቂ ንምቛም ዜኽእሎ ትብዓት ምእንቲ ኺረክብ፡ ብኸመይ ክትሕግዞ ትኽእል፧ (1 ቈረንቶስ 16:13)
6 ሓደ ተምሃራይ ብመለክዒታት መጽሓፍ ቅዱስ ንምምልላስ የሆዋ ኸም ዚሕግዞ እንተ ተኣማሚኑ፡ ነቲ እተማህሮ ንምትግባር ትብዓት ይረክብ እዩ። (1 ቈረንቶስ 16:13 ኣንብብ።) ንስኻ ኣብዚ ዘሎካ ግደ፡ ምስ ናይ ቤት ትምህርቲ መምህር ኪነጻጸር ይኽእል እዩ። ነቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝነበርካሉ እዋን እሞ ዘክሮ። እንታይ ዓይነት መምህር ኢኻ እትፈቱ ኔርካ፧ ምናልባት ነቲ ኣብ ክእለታትካ ምትእምማን ከተሕድር ብትዕግስቲ ዝሓገዘካ መምህር ኢኻ እትፈትዎ ኔርካ። ብተመሳሳሊ፡ ንፉዕ መምህር መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ እንታይ ክንገብር ከም ዚደልየና ጥራይ ኣይኰነን ዚምህር። የግዳስ፡ ንተምሃራዩ፡ ብሓገዝ የሆዋ ዜድሊ ምትዕርራይ ኪገብር ከም ዚኽእል መረጋገጺ ይህቦ እዩ። እሞ ደኣ ኸመይ ጌርካ ኢኻ ኸምኡ ኽትገብር እትኽእል፧
ንየሆዋ ዘለዎ ፍቕሪ ኼዕምቝ ሓግዞ
7. የሱስ ንሰማዕቱ፡ ንየሆዋ ዘለዎም ፍቕሪ ኼዕብዩ ብኸመይ ሓጊዝዎም፧
7 ሓደ ሰብ ንኣምላኽ ፍቕሪ እንተ ኣልይዎ፡ ነቲ እተማህሮ ኺትግብሮ ኸም ዚልዓዓል የሱስ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ስለዚ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ነቲ ንሰማያዊ ኣቦኦም ዘለዎም ፍቕሪ ኼዕብዩ ሓጊዝዎም እዩ። ንኣብነት፡ ንየሆዋ ምስ ሓደ ንደቁ ጽቡቕ ነገር ዚህብ ሰብ ኣመሳሲልዎ እዩ። (ማቴ. 7:9-11) ገሊኦም ካብ ሰማዕቱ፡ ኣብ ህይወቶም ፈቃር ኣቦ ዘይረኣዩ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። የሱስ ኣብ ምሳሌኡ ብዛዕባ እቲ ንሓደ እተመልሰ ፋሉል ወዱ ዚቕበል ርሕሩሕ ኣቦ ኼዘንቱ ኸሎ ኸመይ ከም እተሰምዖም እሞ ገምቶ! የሆዋ ንምድራውያን ደቁ ኸም ዚርሕርሓሎም ኪርኣዮም ይኽእል ነይሩ እዩ።—ሉቃ. 15:20-24።
8. ንሓደ ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንየሆዋ ዘለዎ ፍቕሪ ኼዕምቝ ብኸመይ ክትሕግዞ ትኽእል፧
8 ንስኻ እውን ንተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ትምህርትኻ ኣብ ባህርያት የሆዋ ብምትኳር፡ ንዕኡ ዘለዎ ፍቕሪ ኼዕምቝ ክትሕግዞ ትኽእል ኢኻ። መጽናዕቲ በብዝገበርኩም መጠን፡ ኣብ መንጎ እቲ እተማህሮን ኣብ መንጎ ፍቕሪ የሆዋን ዘሎ ምትእስሳር ኬለሊ ሓግዞ። ብዛዕባ እቲ በጃ ኽትመያየጡ ኸለኹም፡ ንዕኡ ብኸመይ ከም ዚምልከቶ ኣጕልሓሉ። (ሮሜ 5:8፣ 1 ዮሃ. 4:10) ሓደ ተምሃራይ፡ የሆዋ ብውልቂ ብኸመይ ከም ዜፍቅሮ እንተ ኣስተንቲኑ፡ ንሱ እውን ንየሆዋ ኼፍቅሮ ይለዓዓል እዩ።—ገላ. 2:20።
9. ማይክል ንዝስሙ ሰብ ህይወቱ ኺልውጥ ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧
9 ተመክሮ እቲ ኣብ ኢንዶነዥያ ዚነብር ማይክል እስከ ንርአ። ካብ ንእስነቱ ኣትሒዙ ብዛዕባ ሓቂ ይፈልጥ እኳ እንተ ነበረ፡ ናብ ጥምቀት ግና ኣይበጽሐን። ወዲ 18 ዓመት ምስ ኰነ፡ ዘዋር ናይ ጽዕነት ማኪና ኪኸውን ኢሉ ናብ ካልእ ዓዲ ገዓዘ። ድሕርዚ ተመርዓወ፣ እንተዀነ ግና፡ ብምኽንያት ስራሕ፡ ንስድራ ቤቱ ሓዲጉ ናብ ወጻኢ ሃገር ከደ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ሰበይቱን ጓሉን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀመራ፡ ዕቤት እውን ገበራ። ማይክል ኣዲኡ ምስ ሞተቶ፡ ንኣቦኡ ንምክንኻን ናብ ዓዱ ተመልሰ፣ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር እውን ፍቓደኛ ዀነ። ኣብታ ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ትምህርቲ 27 ዚርከብ “ኣዕሚቝካ ዅዓት” ዚብል ክፋል ኬጽንዕ ከሎ፡ ልቡ ተተንከየ። ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንወዱ ኺሳቐ ኺርእዮ ኸሎ እተሰምዖ ስምዒት ምስ ኣስተንተነ፡ ንብዓት ሰዓሮ። ነቲ በጃ ልባዊ ምስጋና ስለ ዘሕደረ ኸኣ፡ ህይወቱ ኺልውጥን ኪጥመቕን ተለዓዓለ።
ቀዳምነታቱ ኼዐሪ ሓግዞ
10. የሱስ ንቐዳሞት ደቀ መዛሙርቱ፡ ቀዳምነታቶም ኬዐርዩ ብኸመይ ሓጊዝዎም፧ (ሉቃስ 5:5-11) (ስእሊ እውን ርአ።)
10 እቶም ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ፡ የሱስ እቲ ተስፋ እተገብረሉ መሲሕ ምዃኑ ብቕልጡፍ እዮም ኣለልዮምዎ። ንኣገልግሎት ቀዳምነት ንምሃብ ግና፡ ሓገዝ ኣድልይዎም እዩ። የሱስ ንጴጥሮስን ንእንድርያስን ብምሉእ ግዜኦም ኪስዕብዎ ጻውዒት ኣብ ዘቕረበሉ እዋን፡ ደቀ መዛሙርቱ ኻብ ዚዀኑ እተወሰነ ግዜ ሓሊፉ ነይሩ እዩ። (ማቴ. 4:18, 19) ዓሳ ናይ ምግፋፍ ጽቡቕ ስራሕ እዩ ነይርዎም፣ ምናልባት እውን ምስ ያእቆብን ዮሃንስን ተሻሪኾም እዮም ዚዓይዩ ነይሮም። (ማር. 1:16-20) ጴጥሮስን እንድርያስን “መርበቦም ሓዲጎም” ንየሱስ ኣብ ዝሰዓቡሉ እዋን፡ ንስድራ ቤቶም ዜድሊ ብኸመይ ከም ዜማልኡ መደብ ገይሮም ኪዀኑ ኣለዎም። እሞ ደኣ ብምንታይ ተለዓዒሎም እዮም ቀዳምነት ዚህብዎ ነገራት ዘተዓራረዩ፧ ኣብቲ ሉቃስ ዝመዝገቦ ዛንታ፡ የሱስ ኣብቲ እዋን እቲ ተኣምር ገይሩ እዩ። እቲ ተኣምር እቲ ኸኣ፡ የሆዋ ዜድልዮም ዘበለ ኸም ዜማልኣሎም እምነቶም ዜደልድለሎም ነገር እዩ ነይሩ።—ሉቃስ 5:5-11 ኣንብብ።
ካብቲ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ቀዳምነታቶም ኬተዓራርዩ ዝሓገዘሉ መገዲ እንታይ ንምሃር፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 10 ርአ)b
11. ንእምነት ተምሃራይና ንምድልዳል፡ ከመይ ጌርና ኢና ናይ ገዛእ ርእስና ተመክሮ ኽንጥቀም እንኽእል፧
11 ከምቲ የሱስ ዝገበሮ ተኣምራት ክንገብር ኣይንኽእልን ኢና። የሆዋ ነቶም ንዕኡ ኣብ ህይወቶም ቀዳምነት ዝሃብዎ ሰባት ብኸመይ ከም ዝደገፎም ግና ተመክሮታት ከነካፍል ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ ኣብ ኣኼባታት ክትእከብ ምስ ጀመርካ፡ የሆዋ ብኸመይ ከም ዝሓገዘካ ትዝክሮዶ፧ ምናልባት ምስ ኣኼባ ኣብ ዚጋጨወሉ እዋን፡ ስለምንታይ ሕልፊ ሰዓት ከም ዘይትሰርሕ ንኣስራሒኻ ኣዛሪብካዮ ትኸውን። ተመክሮኻ ንተምሃራይካ ኸተካፍሎ ኸለኻ፡ ንየሆዋ ኣብ ህይወትካ ቐዳምነት ብምሃብካ፡ የሆዋ ብኸመይ ከም ዝደገፈካ፡ እዚ እውን ንእምነትካ ብኸመይ ከም ዘደልደላ ኽትገልጸሉ ትኽእል ኢኻ።
12. (ሀ) እተፈላለዩ ኣስፋሕቲ ናብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንዕድም ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) ንተምሃራይካ ብውጽኢታዊ መገዲ ንምምሃር ከመይ ጌርካ ኢኻ ቪድዮታት ክትጥቀም እትኽእል፧ ኣብነት ሃብ።
12 ተምሃራይካ ኻብቲ ኻልኦት ክርስትያናት ንቐዳምነታቶም ዘዐረየሉ መገዲ እውን ኪጥቀም ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ እተፈላለየ ድሕረ ባይታ ዘለዎም ክርስትያናት ብጾትካ ኣብቲ መጽናዕቲ ኺሓብሩኹም ዓድም። ናብ ሓቂ ብኸመይ ከም ዝመጹ፡ ንኣገልግሎት የሆዋ ኣብ ህይወቶም ቀዳምነት ንምሃብ እንታይ ከም ዝገበሩ ሕተቶም። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ግዜ ወሲድካ ነቲ ኣብታ ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “ኣዕሚቝካ ዅዓት” ወይ “ዳህስስ” ኣብ ዚብል ክፋል ዘሎ ቪድዮታት ምስ ተምሃራይካ ርኣዮ። ንኣብነት፡ ንትምህርቲ 37 ክትመያየጡላ ኸለኹም፡ ኣብታ የሆዋ ዜድልየና ዘበለ የማልኣልና እዩ ዘርእስታ ቪድዮ ዘሎ ስርዓታት ከተጕልሓሉ ትኽእል ኢኻ።
ዜጋጥሞ ጸገማት ኪሰግር ሓግዞ
13. የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ንዜጋጥሞም ተቓውሞ ዘዳለዎም ብኸመይ እዩ፧
13 የሱስ ንሰዓብቱ ኻብ ካልኦት ተቓውሞ ኸም ዜጋጥሞም፡ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ካብ ቤተ ሰቦም ተቓውሞ ኸም ዜጋጥሞም ብተደጋጋሚ ነጊርዎም እዩ። (ማቴ. 5:11፣ 10:22, 36) ኣገልግሎቱ ዜብቅዓሉ ግዜ እናቐረበ ምስ ከደ ኸኣ፡ ካልኦት ኪቐትልዎም ከም ዚኽእሉ ኣጠንቂቕዎም እዩ። (ማቴ. 24:9፣ ዮሃ. 15:20፣ 16:2) ኣብ ኣገልግሎቶም ጥንቁቓት ኪዀኑ ተማሕጺንዎም እዩ። ምስ ተጻረርቶም ፊት ንፊት ኪፋጠጡ ኸም ዘይብሎም፡ የግዳስ ስብከቶም ምእንቲ ኪቕጽሉ ለባማት ኪዀኑ ኸም ዚግባእ ምኽሪ ሂብዎም እዩ።
14. ንተምሃራይና ንተቓውሞ ምእንቲ ኺዳሎ ብኸመይ ክንሕግዞ ንኽእል፧ (2 ጢሞቴዎስ 3:12)
14 ንተምሃራይና ኻብ መሳርሕቱን ካብ ፈተውቱን ካብ ቤተ ሰቡን እንታይ ኬጋጥሞ ኸም ዚኽእል ብምንጋር፡ ንዜጋጥሞ ተቓውሞ ኸነዳልዎ ንኽእል ኢና። (2 ጢሞቴዎስ 3:12 ኣንብብ።) ገሊኦም መሳርሕቱ በቲ ሓድሽ ኣነባብራኡ የላግጹሉ ይዀኑ። ገሊኦም ሰባት፡ ወይ እውን ናይ ቀረባ ቤተ ሰቡ፡ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ እምነቱ ይነቕፍዎ ይዀኑ። ንተምሃሮና ንኸምዚ ዝኣመሰለ ተቓውሞ ብኣጋኡ ብዘዳሎናዮም መጠን፡ እቲ ጸገም ምስ መጸ ብዝሓሸ ተዓጢቖም ኪጸንሑ እዮም።
15. ሓደ ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ንናይ ቤተ ሰብ ተቓውሞ ምእንቲ ኺጻወር እንታይ ኪሕግዞ ይኽእል፧
15 ምስ ናይ ቤተ ሰብ ተቓውሞ ብእተተሓሓዘ፡ ንተምሃራይካ ስለምንታይ ቤተ ሰቡ ኸም ዚቝጥዑ ኺሓስብ ኣተባብዓዮ። እተታለለ መሲልዎም ኪኸውን ይኽእል እዩ፡ ወይ ድማ ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግጉይ ሓበሬታ ስለ ዘለዎም ኪኸውን ይኽእል እዩ። የሱስ እኳ ኸይተረፈ ኻብ ቤተ ሰቡ ኣሉታዊ ነገር ኣጋጢምዎ እዩ። (ማር. 3:21፣ ዮሃ. 7:5) ስለዚ ንተምሃራይካ፡ ንኻልኦት ሰባት፡ እንተላይ ንኣባላት ቤተ ሰቡ፡ ብትዕግስትን ብሜላን ኪሕዞም ምሃሮ።
16. ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እምነቱ ብሜላ ምእንቲ ኺነግር ብኸመይ ክንሕግዞ ንኽእል፧
16 ኣባላት ቤተ ሰቡ ተገዳስነት ኣብ ዜርእዩሉ እዋን እኳ፡ እቲ ተምሃራይ ንዅሉ ነገር ብሓንሳእ እንተ ዘይገለጸሎም ይሓይሽ። ብሓንሳእ ኵሉ እንተ ደርጒሑሎም፡ እቲ ነገር ልዕሊ ዓቕሞም ኰይኑ ኺስምዖም፡ በዚ ምኽንያት እዚ እውን ተወሳኺ ምይይጥ ምግባር ኪኣብዩ ይኽእሉ እዮም። ስለዚ ተምሃራይካ ብዛዕባ እምነቱ ኺነግር ከሎ፡ ኣብ መጻኢ ዝርርባት ንምግባር ዜኽእል ኣጋጣሚ ኽፉት ኪገድፍ ኣተባብዓዮ። (ቈሎ. 4:6) ምናልባት ንቤተ ሰቡ ኣብ jw.org ኪኣትዉ ኼተባብዖም ይኽእል እዩ፣ እዚ ድማ ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዓቕሞም በብቝሩብ ኪፈልጡ የኽእሎም እዩ።
17. ንሓደ ተምሃራይ፡ ነቲ ሰባት ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘለዎም ግጉይ ርድኢት ምላሽ ምእንቲ ኺህብ ብኸመይ ከተሰልጥኖ ትኽእል፧ (ስእሊ እውን ርአ።)
17 ንተምሃራይካ በቲ ኣብ jw.org ዚወጽእ “ብተደጋጋሚ ዚሕተት ሕቶታት” ዘርእስቱ ዓምዲ ጌርካ፡ ነቲ ኻብ ቤተ ሰቡ ወይ ካብ መሳርሕቱ ዚመጾ ሕቶ ብኸመይ ቀሊል ምላሽ ከም ዚህብ ክትሕግዞ ትኽእል ኢኻ። (2 ጢሞ. 2:24, 25) ነቲ ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ኣብ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ መመወዳእታ ትምህርቲ ዚርከብ “ገሊኦም ከምዚ ይብሉ” ዚብል ክፋል እውን ተጠቐመሉ። ተምሃራይካ ንመልስታቱ ብናቱ ቓላት ኪዛረብ ኣተባብዓዮ። ኣብ ኣመላልሳኡ፡ ኣብ ምንታይ ምምሕያሽ ኪገብር ከም ዘለዎ ሓሳብ ንምሃብ ኣይትሰከፍ። ከምዚ ዝኣመሰለ ልምምድ ንእምነቱ ኸይተሰከፈ ኺጣበቐላ ይሕግዞ እዩ።
ምስ ተምሃራይካ ኣቐዲምካ ልምምድ ብምግባር፡ ብዛዕባ እምነቱ ብኸመይ ከም ዚሰብኽ ሓግዞ (ሕጡብ ጽሑፍ 17 ርአ)c
18. ሓደ ተምሃራይ ኣብ ኣገልግሎት ምእንቲ ኺሳተፍ ብኸመይ ከተተባብዖ ትኽእል፧ (ማቴዎስ 10:27)
18 የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ብስራት ኪሰብኩ ተማሕጺንዎም እዩ። (ማቴዎስ 10:27 ኣንብብ።) ሓደ ተምሃራይ ብዛዕባ እምነቱ ንኻልኦት ቀልጢፉ ኺነግር እንተ ጀሚሩ፡ ቀልጢፉ እዩ ኣብ የሆዋ ዚውከል። እሞ ደኣ ኸመይ ጌርካ ኢኻ ንሓደ ተምሃራይ ነዚ ሸቶኡ ኺገብር ክትሕግዞ እትኽእል፧ ኣብ ጉባኤኹም ወፈራ ስብከት ከም ዚግበር ምልክታ እንተ ተነጊሩ፡ ኣስፋሒ ንምዃን ብኸመይ ከም ዚበቅዕ ኪሓስበሉ ኣተባብዓዮ። ብዙሓት ኣብ እዋን ወፈራ፡ ስብከት ምጅማር ስለምንታይ ከም ዚቐልሎም ግለጸሉ። ኣብ ኣኼባ መንጎ ሰሙን ክፍልታት ኬቕርብ እንተ ጀሚሩ እውን፡ እዚ ኺሕግዞ ይኽእል እዩ። ክፍልታት ኬቕርብ እንተ ጀሚሩ ኸኣ፡ ብዛዕባ እምነቱ ብኸመይ ጽቡቕ ገይሩ ኸም ዚገልጽ ኪምሃር እዩ።
ንተምሃራይካ ኸም እትተኣማመነሉ ኣርእዮ
19. የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኸም ዚተኣማመነሎም ብኸመይ ኣርእዩ፧ ንሕናኸ ኸመይ ጌርና ንዕኡ ኽንመስሎ ንኽእል፧
19 የሱስ ናብ ሰማይ ቅድሚ ምዕራጉ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ሓደ መዓልቲ ምሳታቶም ዳግም ከም ዚራኸብ ነገሮም። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ንሳቶም ናብ ሰማይ ብዛዕባ ምኻድ ይዛረቦም ከም ዝነበረ ኣይተረድኦምን ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ ኣብ ተኣማንነቶም ደኣ እምበር፡ ኣብ ጥርጣረታቶም ኣየተኰረን። (ዮሃ. 14:1-5, 8) ከም ሰማያዊ ተስፋ ዝኣመሰለ ገሊኡ ነገራት ንምርዳኡ ግዜ ኸም ዜድልዮም ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (ዮሃ. 16:12) ንሕና እውን፡ ኣብቲ ተምሃራይና ንየሆዋ ባህ ንምባል ዘለዎ ድሌት እምነት ከም ዘሎና ኸነርኢ ንኽእል ኢና።
ሓደ ተምሃራይ ብዛዕባ እምነቱ ንኻልኦት ቀልጢፉ ኺነግር እንተ ጀሚሩ፡ ቀልጢፉ እዩ ኣብ የሆዋ ዚውከል
20. ሓንቲ ኣብ ማላዊ እትነብር ሓብቲ ንተምሃሪታ ኸም እትተኣማመነላ ብኸመይ እያ ኣርእያ፧
20 ተምሃራይና ቕኑዕ ዘበለ ኺገብር ከም ዚደሊ ተስፋ ንገብር ኢና። ንኣብነት፡ ኣብ ማላዊ እትነብር ቺፉንዶ ዝስማ ሓብቲ ዘጋጠማ እስከ ንርአ። ንሳ በታ ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ዘርእስታ መጽሓፍ ገይራ ንሓንቲ ኣሊናፈ ዝስማ ሰዓቢት እምነት ካቶሊክ ዝዀነት መንእሰይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀመረትላ። ትምህርቲ 14 ምስ ተመያየጣላ ኸኣ፡ ኣብ ኣምልኾ ምስልታት ብዛዕባ ምጥቃም እንታይ ሓሳብ ከም ዘለዋ ሓተተታ። ኣሊናፈ በቲ ጕዳይ እቲ ስምዒታዊት ስለ ዝዀነት፡ “እዚ ነናይ ውልቀ ሰብ ውሳነ እዩ!” ኢላ መለሰት። ሽዑ ቺፉንዶ፡ እቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብኡ ዜብቅዕ መሰላ። ኰይኑ ግና፡ ብትዕግስቲ ነቲ ምስ ኣሊናፈ እትገብሮ መጽናዕቲ ቐጸለት፣ ሓደ መዓልቲ እቲ ነጥቢ ኸም ዚርድኣ እውን ተስፋ ትገብር ነበረት። ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ፡ ቺፉንዶ ነታ ኣብ ትምህርቲ 34 እትርከብ፡ “ኣብ መጽሓፍ ቅዱስን ኣብቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋን ዝገበርካዮ መጽናዕቲ፡ ክሳዕ ሕጂ ብኸመይ ጠቒሙካ፧” እትብል ሕቶ ሓተተታ። ብዛዕባ እቲ ሽዑ ኣሊናፈ ዝሃበቶ መልሲ ኽትገልጽ ከላ ኸኣ፡ “ብዙሕ ጽቡቕ ነጥብታት እያ ጠቒሳ። ሓደ ኻብኡ ኸኣ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዚዅንኖ ተግባራት ዘይሳተፉ ምዃኖም እዩ” ትብል። ድሕርዚ፡ ኣሊናፈ ንምስልታት ኣብ ኣምልኾ ምጥቃም ሓደገት፡ ንጥምቀት እውን በቕዐት።
21. ነቲ ሓደ ተምሃራይ ኣብ ጐድኒ ሓቂ ንምቛም ዘለዎ ድሌት ብኸመይ ከነደልድለሉ ንኽእል፧
21 “እቲ ዜብቍል” የሆዋ እኳ እንተ ዀነ፡ ኣብ ዕቤት ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ግና እጃም ኪህልወና ይኽእል እዩ። (1 ቈረ. 3:7) ኣምላኽ እንታይ ኪገብር ከም ዚደልዮ ኻብ ምምሃር ንላዕሊ ንገብር ኢና። ንየሆዋ ዓሚቝ ፍቕሪ ኼማዕብል ንሕግዞ ኢና። ቀዳምነታቱ ብምዕራይ ፍቕሩ ኼርኢ እውን ነተባብዖ ኢና። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ጸገማት ኬጋጥሞ ኸሎ ብኸመይ ኣብ የሆዋ ኸም ዚውከል ንምህሮ ኢና። ንሕና ኸም እንተኣማመነሉ ስለ እነርእዮ ድማ፡ ብመለክዒታት የሆዋ ኺመላለስን ኣብ ጐድኒ ሓቂ ኪቐውምን ከም ዚኽእል ዘለዎ እምነት ነደልድለሉ ኢና።
መዝሙር 55 ኣይትፍርህዎም!
a ኒቆዲሞስ ካብቲ ምስ የሱስ እተራኸበሉ ኽልተ ዓመትን መንፈቕን ምስ ሓለፈ፡ ገና ኣባል ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣይሁድ እዩ ነይሩ። (ዮሃ. 7:45-52) ድሕሪ ሞት የሱስ ወደ መዝሙር ምዃኑ ኸም ዚንገረሉ፡ ሓደ መወከሲ ጽሑፍ ሓቢሩ ኣሎ።—ዮሃ. 19:38-40።
b መግለጺ ስእሊ፦ ጴጥሮስን ካልኦት ገፈፍቲ ዓሳን ስራሖም ሓዲጎም ንየሱስ ይስዕብዎ።
c መግለጺ ስእሊ፦ ሓንቲ ሓብቲ ንሓንቲ ተምሃሪታ፡ ብዛዕባ እምነታ ኽትሰብኽ ተዳልዋ።