ብ1925 ኣብ ኢንድያናፖሊስ፡ ኢንድያና እተገብረ ዓብዪ ኣኼባ
1925—ቅድሚ ሚእቲ ዓመት
“ክርስትያናት ብዛዕባ እዛ ዓመት እዚኣ ዓብዪ ትጽቢት እዩ ዘለዎም።” እዚ ቓላት እዚ፡ ኣብ ናይ 1 ጥሪ 1925 ግምቢ ዘብዐኛ እዩ ዚርከብ። ኰይኑ ግና፡ እታ ዓንቀጽ ኣስዕብ ኣቢላ ኸምዚ በለት፦ “ክርስትያናት ብዛዕባ እቲ ኣብዛ ዓመት እዚኣ ዚኸውን ነገራት እምብዛ ኻብ ምጭናቖም እተላዕለ፡ ጐይታ ዝሃቦም ዕዮ ብሓጐስ ካብ ምዕያይ ኪሰንፉ የብሎምን።” እሞ ደኣ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ብ1925 እንታይ ኪኸውን እዮም ትጽቢት ገይሮም ነይሮም፧ ከምቲ እተጸበይዎ ስለ ዘይኰነ እኳ እንተ ጐሃዩ፡ ኣብ ዕዮ ጐይታ ትሑዛት ዝዀኑኸ ብኸመይ እዮም፧
እተናውሐ ትጽቢት
ብ1925 ብዙሓት ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ምድሪ ገነት ክትከውን ይጽበዩ ነበሩ። ስለምንታይ፧ ደሓር ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ኰይኑ ዘገልገለ ሓውና ኣልበርት ሽሮደር ከምዚ ብምባል ይገልጽ፦ “ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ተረፍ ቅቡኣት ሰዓብቲ ክርስቶስ ክፍሊ መንግስቲ ኣምላኽ ንምዃን ናብ ሰማይ ከም ዚኸዱ፡ ከም እኒ ኣብርሃምን ዳዊትን ካልኦትን ዝኣመሰሉ ጥንቲ ዝነበሩ እሙናት ከኣ ከም ክፍሊ መንግስቲ ኣምላኽ መጠን ኣብ መንግስቲ ምድሪ መሳፍንቲ ንምዃን ከም ዚትንስኡ ጌርካ እዩ ዚእመን ነይሩ።” እታ ዓመት እናሓለፈት ምስ ከደት እሞ ኸምቲ ተስፋ ዝገበርዎ ኸይኰነ ምስ ተረፈ፡ ገሊኦም ጕህዮም እዮም።—ምሳ. 13:12።
እዚ ዜጕሂ ነገር እኳ እንተ ኣጋጠሞም፡ መብዛሕትኦም ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዕዮ ስብከት ትሑዛት ኰኑ፡ ብዛዕባ የሆዋ ናይ ምምስካር ሓላፍነት ከም ዘለዎም እውን ብዝያዳ ተገንዘቡ። ንኣብነት፡ ንብዙሓት ሰባት ሓቂ ንምንጋር፡ ብኸመይ ፈነወ ረድዮ ኸም እተጠቕሙ እስከ ንርአ።
ፈነወታት ረድዮ ሰፍሐ
ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ካብቲ ኣብ ዝቐደመት ዓመት ኣብ መደበር ፈነወ ረድዮ ዳብልዩ.ቢ.ቢ.ኣር. (WBBR) ዝረኸብዎ ኣሳልጦ ተላዒሎም ኣብ ጥቓ ቺካጎ፡ ኢልዮንስ ካልእ ዓብዪ መደበር ረድዮ ሃነጹ። ስም እቲ ሓድሽ መደበር ዳብልዩ.ኦ.ኣር.ዲ. (WORD) ዚብል እዩ ነይሩ። ኣብ ህንጸት እቲ መደበር እተሳተፈ መሃንድስ ረድዮ ዝዀነ ራልፍ ለፍለር፡ “ኣብ ቈራሪ ምሸት፡ ዳብልዩ.ኦ.ኣር.ዲ. ኣብ ርሑቕ ቦታታት ክትስማዕ ጀሚራ” ይብል። ንኣብነት፡ ልዕሊ 5,000 ኪሎ ሜተር (3,000 ማይል) ርሒቖም ኣብ ፓይለት ስቴሽን፡ ኣላስካ ዚነብሩ ሓደ ስድራ ቤት ነዚ ናይ መጀመርታ ፈነወታት ኪሰምዑ ኸኣሉ። ምስ ሰምዑ ኸኣ፡ ዜተባብዕ መንፈሳዊ ትምህርቲ ብምርካቦም ናብቶም ኣብቲ መደበር ዚዓይዩ ደብዳበ ብምጽሓፍ ኣመስገንዎም።
ጸጋም፦ ኣብ ባታቪያ፡ ኢሊኖይስ ዝነበረ ኽልተ ትራንስሚሽን ታወር
የማን፦ ራልፍ ለፍለር ኣብ መደበር ረድዮ እናዓየየ
ናይ 1 ታሕሳስ 1925 ግምቢ ዘብዐኛ ብዛዕባ እቲ እዚ መደበር ዘለዎ ሰፊሕ ፈነወ ኽትገልጽ ከላ ኸምዚ ትብል፦ “ዳብልዩ.ኦ.ኣር.ዲ. ብ5,000 ዋት ስለ እትዓዪ፡ ሓንቲ ኻብተን ኣብ ኣመሪካ ዚርከባ ዓበይቲ መደበራት እያ። ካብ ገማግም ኣትላንቲክ ክሳዕ ገማግም ፓሲፊክ፡ ካብ ኩባ ኽሳዕ ሰሜናዊ ጫፍ ኣላስካ ብጽቡቕ ክትስማዕ ትኽእል እያ። ብዛዕባ ሓቂ ቕድሚ ሕጂ ሰሚዖም ዘይፈልጡ ሰባት፡ ነዛ መደበር እዚኣ ድሕሪ ምስማዖም ተገዳስነት ኣሕዲሮም እዮም።”
ጆርጅ ኔሽ
ኣብቲ እዋን እቲ፡ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ብረድዮ ገይሮም ኣብ ካናዳ ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምስፋሕ ጻዕሪ ይገብሩ ነበሩ። ብ1924 ሲ.ኤች.ዩ.ሲ. (CHUC) እትብሃል መደበር ረድዮ ኣብ ሳስካቱን፡ ሳስካችወን ተሃንጸት። እዛ መደበር እዚኣ፡ ካብተን ቀዳሞት ኣብ ካናዳ ዚርከባ ናይ ሃይማኖት መደበራት ረድዮ እያ ነይራ። ብ1925 ነታ ንእሽቶ መደበር ናብ ካልእ ቦታ ኼግዕዝዋ ነበሮም። ስለዚ፡ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ዋና እታ መደበር ብምዃን፡ ንስትድዩታት ፈነወ ናብቲ ነዚ ዕላማ እዚ ዓዲጎም ዝሓደስዎ ትያትር ዝነበረ ህንጻ ኣግዓዝዎ።
ሳላ እዛ መደበር እዚኣ፡ ኣብ ሳስካችወን ፋሕ ኢሎም ዚነብሩ ብዙሓት ሰባት ንፈለማ ግዜኦም ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ሰምዑ። ንኣብነት፡ ኣብ ሓንቲ ግልልቲ ኸተማ እትነብር ሚስስ ግሬሃም ሓደ ፈነወ ድሕሪ ምስማዓ፡ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ኪልኣኸላ ዚሓትት ደብዳበ ጸሓፈት። ሓውና ጆርጅ ኔሽ፡ “እቲ ‘ምሃሩና!’ ዚብል ምሕጽንታኣ ብዓውታን ብንጹርን ዝቐረበ ብምንባሩ፡ ብምሉኡ ጥራዛት ስታዲስ ኢን ዘ ስክሪፕቸርስ ልኢኽናላ” ብምባል ተዘክሮኡ ይገልጽ። ሚስስ ግሬሃም ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐት ኣብ ርሑቕ ቦታታት መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ክትዝርግሕ ጀመረት።
እምነታትና ኣነጸርና
ናይ 1 መጋቢት 1925 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ “ልደት ህዝቢ” ዘርእስታ ኣገዳሲት ዓንቀጽ ሒዛ ወጸት። እሞ ደኣ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኣዝያ ኣገዳሲት ዝነበረት ስለምንታይ እያ፧ ሰይጣን በቶም ኣብ ሰማይ ዘለዉ ዘይረኣዩ እኩያት መናፍስትን በቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ሃይማኖታውን ንግዳውን ፖለቲካውን ባእታታትን ዝቘመት ውድብ ከም ዘላቶ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ይፈልጡ ነይሮም እዮም። ኰይኑ ግና፡ እቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” በዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኣቢሉ፡ የሆዋ እውን ካብ ናይ ሰይጣን ውድብ እተፈልየትን ምስኣ እትጻረርን ወድብ ከም ዘላቶ ንኣሕዋት ኣረድኦም። (ማቴ. 24:45) ኣብ ርእሲ እዚ፡ ብምኽንያት እቲ ‘ኣብ ሰማይ ዝዀነ ውግእ፡’ ብ1914 መንግስቲ ኣምላኽ ከም እተወልደት፡ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ካብ ሰማይ ከም እተደርበዩ፡ ኣብ ምድሪ እውን ተሓጺሮም ከም ዘለዉ ገለጸሎም።—ራእ. 12:7-9።
ገሊኦም ነዚ ርድኢት እዚ ምቕባሉ ኸበዶም። እታ ዓንቀጽ ከምኡ ኪኸውን ከም ዚኽእል ስለ ዝገመተት ከምዚ ዚብል ማዕዳ ሒዛ ወጸት፦ “ምስቲ ኣብዚ እተገልጸ ነገር ዘይሰማምዑ ኣንበብቲ ግምቢ ዘብዐኛ እንተ ኣልዮም፡ ወትሩ ንጹህ ልቢ ሒዞም ብህድኣትን ብጥንቃቐን ንጐይታ ኺጽበይዎ ሓሳብ ንህቦም።”
እንተዀነ ግና፡ ኣብ ብሪጣንያ ዚነብር ቶም ኤር ዝስሙ ኮልፖርተር (ሕጂ ፈላሚ ተባሂሉ ዚፍለጥ)፡ መብዛሕትኦም ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እታ ዓንቀጽ እንታይ ከም እተሰምዖም ከምዚ ኢሉ ገሊጹ ኣሎ፦ “ኣሕዋት በቲ ብዛዕባ ራእይ 12 እተዋህበ መግለጺ ተሓጒሶም እዮም። መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ከም ዝቘመት ምስ ተረድኣና፡ ነዚ ብስራት እዚ ንኻልኦት ንምንጋር ብርቱዕ ህንጥዮት እዩ ሓዲሩና። ንጥፈታትና ኸነዕዝዝ ኣለዓዒሉና፡ የሆዋ ንህዝቡ ናብ ዝዓበየ ነገራት ብኸመይ ይመርሖም ከም ዘሎ ኽንርኢ እውን ኣኽኢሉና።”
ምእንቲ የሆዋ መስከሩ
ሎሚ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ኣብ ኢሳይያስ 43:10 ዚርከብ፡ “‘ንስኻትኩም መሰኻኽረይ ኢኹም’ ይብል የሆዋ፡ ‘እወ፡ . . . ዝሓረኽዎ ጊልያይ ኢኹም’” ዚብል ቃላት ኣጸቢቖም ይፈልጥዎ እዮም። ቅድሚ 1925 ግና፡ ብዛዕባ እዛ ፍቕዲ እዚኣ ኣብ ጽሑፋትና መብርሂ ወጺኡ ኣይፈልጥን እዩ ነይሩ። እዚ ግና ተቐየረ። ብ1925 ግምቢ ዘብዐኛ ብዛዕባ ኢሳይያስ 43:10ን 12ን ዚገልጽ ትምህርቲ ኣብ 11 ሕታማታ ኣውጽአት!
ኣብ መወዳእታ ነሓሰ 1925፡ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኢንድያናፖሊስ፡ ኢንድያና ኣብ እተገብረ ዓብዪ ኣኼባ ተኣከቡ። ኣብቲ ኣኼባ ኣብ ዝቐረበ ናይ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም መልእኽቲ፡ ሓውና ጆሴፍ ራዘርፎርድ፡ “ካብ ጐይታ ብርታዐ ንምርካብ እሞ . . . ብእተሓደሰ ሓይሊ ኣብ ኣገልግሎት ክንምስክር ኢና ናብዚ ኣኼባ እዚ መጺእና” በለ። ኣብቲ ሸሞንተ መዓልቲ ዝወሰደ ኣኼባ፡ ተኣከብቲ ብዛዕባ የሆዋ ኣብ ኵሉ ኣጋጣሚታት ኪምስክሩ መተባብዒ ተዋህቦም።
ቀዳም 29 ነሓሰ፡ ሓውና ራዘርፎርድ፡ “ንተግባር ዜለዓዕል ጻውዒት” ዚብል ፍረ ነገር ዘለዎ መደረ ኣቕረበ። ኣብቲ መደረኡ ኸኣ ከምዚ ብምባል ኣገዳስነት ምስክርነት ኣጕልሐ፦ “የሆዋ ንህዝቡ፡ ‘ንስኻትኩም መሰኻኽረይ ኢኹም። . . . ኣነ ኸኣ ኣምላኽ እየ’ ኢልዎም ኣሎ። ድሕሪኡ፡ ‘ንህዝብታት ሰንደቕ ዕላማ ኣልዕሉሎም’ ዚብል ንጹር ትእዛዝ ሂብዎም። ኣብ ምድሪ ንህዝብታት ሰንደቕ ዕላማ ኼልዕሉ ወይ ምልክት ኬርእዩ ዚኽእሉ፡ ብዘይካ እቶም መንፈስ ጐይታ ዘለዎም፡ መሰኻኽሩ እውን ዝዀኑ [ህዝቡ፡] ካልእ የልቦን።”—ኢሳ. 43:12፣ 62:10።
መሰጅ ኦቭ ሆፕ ዘርእስታ ትራክት
ድሕሪ እቲ ሓውና ራዘርፎርድ ዘቕረቦ መደረ፡ እቶም ተኣከብቲ ነቲ “መልእኽቲ ተስፋ” ዘርእስቱ መግለጺ ኣቕዋም ብሓድነት ተቐበልዎ። እዚ መግለጺ ኣቕዋም እዚ፡ “ሰላም፡ ብልጽግና፡ ጥዕና፡ ህይወት፡ ሓርነት፡ ዘለኣለማዊ ሓጐስ” ካብ መንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ ኪርከብ ከም ዚከኣል ዚሕብር ነበረ። ድሕሪ ግዜ፡ ናብ እተፈላለየ ቛንቋታት ምስ ተተርጐመ ኸኣ፡ ብመልክዕ ትራክት ተሓትመ። ኣስታት 40 ሚልዮን ቅዳሓት እውን ተዘርግሐ።
ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ድሕርዚ ንእተወሰነ ዓመታት ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚብል ስም ብወግዒ ኣይተቐበልዎን ነይሮም። ኰይኑ ግና፡ መሰኻኽር ንምዃን ዘለዎም ሓላፍነት እናተረድኦም ይኸይድ ነይሩ።
ንግዱሳት ተመሊሶም ኪበጽሕዎም ጀመሩ
ብዝሒ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ብዘላ ዓለም እናወሰኸ ምስ ከደ፡ ነቶም ንብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ተገዳስነት ዘርኣዩ ተመሊስካ ንምብጻሕ ዚውሃብ መተባብዒ እውን እናወሰኸ ኸደ። ደድሕሪ እቲ መሰጅ ኦቭ ሆፕ (መልእኽቲ ተስፋ) ዘርእስታ ትራክት ንምዕዳል እተገብረ ወፈራ፡ ኣብ ቡለቲንa ከምዚ ዚብል መምርሒ ወጸ፦ “ናብቲ እቶም ዓየይቲ ጽሑፍ ዘበርከቱሉ ዘይኰነስ፡ ናብቲ ቕዳሕ እታ መሰጅ ኦቭ ሆፕ ዝሓደጉሉ ኣባይቲ ተመሊስኩም ንምሽፋን መደብ ግበሩ።”
ናይ ጥሪ 1925 ሕታም ቡለቲን ኣብ ፕላኖ፡ ቴክሳስ ካብ ዚነብር ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ እተላእከ ዚስዕብ ጸብጻብ ሒዛ ወጸት፦ “ተመላሊስና ዝበጻሕናዮ ኽሊ ኻብ ሓድሽ ክሊ ዝሓሸ ምዃኑ ገሪሙና እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመት፡ ኣብ ክልና ንእትርከብ ሓንቲ ንእሽቶ ኸተማ ሓሙሽተ ሳዕ ሸፊንናያ። . . . ኣብ ቀረባ ግዜ፡ ሓብትና ሄንድሪክስን ኣደይን ከም ብሓድሽ ሸፊነንኣ፡ ካብ ቅድሚ ሕጂ ዚዛይድ መጻሕፍቲ እውን ኣበርኪተን።”
ኣብ ሃገረ ፓናማ ዚነብር ኮልፖርተር እውን ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “ካብ ቤቶም ዝሰጐጉኒ ብዙሓት ሰባት ንኻልኣይ ወይ ንሳልሳይ ሳዕ ተመሊሰ ምስ ከድክዎም፡ ኣረኣእያኦም ቀዪሮም ጸኒሖምኒ። ኣብዛ ዓመት እዚኣ መብዛሕትኡ ንጥፈታተይ ናብቶም ኣብ ዝሓለፈ በጺሐዮም ዝነበርኩ ሰባት ተመሊሰ ኣብ ምኻድ ዘተኰረ እዩ ነይሩ፣ ኣብ ገሊኡ ድማ ደስ ዜብል ተመክሮታት እየ ረኺበ።”
ናብ መጻኢ ይጥምቱ ነበሩ
ሓውና ራዘርፎርድ ናብ ኵሎም ኮልፖርተራት ኣብ ዝለኣኻ ዓመታዊት ደብዳበኡ፡ ነቲ በታ ዓመት እቲኣ እተገብረ ንጥፈታት ድሕሪ ምግላጽ፡ እንታይ ዕዮ ይጽበዮም ከም ዘሎ ኸምዚ ብምባል ሓበረ፦ “ኣብ ዝሓለፈት ዓመት፡ ንብዙሓት ሕዙናት ናይ ምጽንናዕ ፍሉይ ኣጋጣሚ ረኺብካ ኢኻ። እዚ ዕዮ እዚ ንልብኻ ኣሐጒስዎ እዩ። . . . ኣብ እትቕጽል ዓመት፡ ብዛዕባ ኣምላኽን መንግስቱን ንምምስካር፡ ንህዝብታት ከኣ ሰንደቕ ዕላማኡ ንምልዓል ዜኽእል ብዙሕ ኣጋጣሚታት ክትረክብ ኢኻ። . . . ብሓባር ኴንና ድምጽና ዓው ብምባል ንውዳሰ ኣምላኽናን ንጉስናን ንዘምር።”
ዓመተ 1925 ናብ መወዳእታኣ ምስ ቀረበት፡ ኣሕዋት ነቲ ኣብ ብሩክሊን ዚርከብ ህንጻታት ንምስፋሕ መደባት ይገብሩ ነበሩ። ኣብ ዓመተ 1926 ድማ፡ ውድብና ቕድሚኡ ርእያቶ ዘይትፈልጥ ዓብዪ ፕሮጀክት ህንጸት ተጀመረ።
ብ1926 ኣብ ኣዳምስ ስትሪት፡ ብሩክሊን፡ ኒው ዮርክ እተጀመረ ህንጸት
a ሕጂ ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ።