ዓንቀጽ መጽናዕቲ 47
መዝሙር 38 ኬበርትዓካ እዩ
“ንስኻ ኣዚኻ እተፈቶኻ ኢኻ”
“ንስኻ ኣዚኻ እተፈቶኻ ኢኻ።”—ዳን. 9:23።
ኣትኵሮ
ነቶም ከም ዘይረብሑ ዀይኑ ዚስምዖም ሰባት፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኣዝዮም ክቡራት ምዃኖም ኪርድኡ ንምሕጋዝ።
1-2. ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኽቡራት ምዃንና ኽንርዳእ ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧
የሆዋ ንኣገልገልቱ ኣኽቢሩ እዩ ዚርእዮም። ገሊኦም ኣገልገልቱ ግና ከም ዘይረብሑ ዀይኑ ይስምዖም እዩ። ከምዚ ዚስምዖም ድማ፡ ምናልባት ብሰንኪ እቲ ቕድሚ ሕጂ እተገብረሎም ኣተሓሕዛ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንስኻኸ ኸምኡ ተሰሚዑካዶ ይፈልጥ፧ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኽቡር ከም ዝዀንካ ምእንቲ ኺርድኣካ እንታይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧
2 የሆዋ ብዛዕባ እቲ ንሰባት ኪህሉ ዚግባእ ኣረኣእያን ኣተሓሕዛን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣስፊሩልና ኣሎ። ንኣብነት፡ ወዱ የሱስ ንሰባት ብኣኽብሮት እዩ ዚሕዞም ነይሩ። ከምኡ ብምግባር ከኣ፡ ንሱን ኣቦኡን ነቶም ከም ዘይረብሑ ዀይኑ ዚስምዖም ትሑታት ከም ዜኽብርዎም ኣርእዩ። (ዮሃ. 5:19፣ እብ. 1:3) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ (1) የሱስ ንሰባት ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኽቡራት ከም ዝዀኑ ብኸመይ ከም ዘረድኦም፡ (2) ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኽቡራት ምዃንና ኸመይ ጌርና ገዛእ ርእስና ኸነእምን ከም እንኽእል ክንርኢ ኢና።—ሃጌ 2:7።
የሱስ ንሰባት ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኽቡራት ምዃኖም ዘረድኣሉ መገዲ
3. የሱስ ነቶም ሓገዝ ደልዮም ናብኡ ዝመጹ ዝነበሩ ገሊላውያን ብኸመይ እዩ ሒዝዎም፧
3 ኣብቲ የሱስ ኣብ ገሊላ ዝገበሮ ሳልሳይ ናይ ስብከት ጕዕዞኡ፡ ሰባት ንትምህርትታቱ ምእንቲ ኺሰምዑን ካብ ሕማሞም ምእንቲ ኺሓውዩን ናብኡ ይውሕዙ ነበሩ። የሱስ ድማ፡ “ጓሳ ኸም ዘይብለን ኣባጊዕ ግፉዓትን ድርቡያትን” ከም ዝነበሩ ኣስተውዓለ። (ማቴ. 9:36) ከመይሲ፡ እቶም መራሕቲ ሃይማኖቶም ‘ርጉም ህዝቢ’ እናበሉ ኣዝዮም ደናቝር ከም ዝዀኑ ገይሮም እዮም ዚርእይዎም ነይሮም። (ዮሃ. 7:47-49) የሱስ ግና ግዜ ሂቡ ብምምሃርን ካብ ሕማሞም ብምሕዋይን ኣኽቢሩ ይሕዞም ነበረ። (ማቴ. 9:35) ካብኡ ሓሊፉ እውን ንብዙሓት ሰባት ምእንቲ ኺጠቅም ኢሉ ንደቀ መዛሙርቱ ኣብ ዕዮ ስብከት ኣሰልጠኖም፡ ሕሙማት ኬሕውዩ እውን ስልጣን ሃቦም።—ማቴ. 10:5-8።
4. ካብቲ የሱስ ነቶም ትሑታት ሰማዕቱ ዝሓዘሉ መገዲ እንታይ ንምሃር፧
4 የሱስ ንሰማዕቱ ብለውሃትን ብኣኽብሮትን ብምሓዝ፡ እቶም ብማሕበረ ሰብ ዋላ ሓንቲ ግምት ዘይውሃቦም ሰባት፡ ኣብ ቅድሚኡን ኣብ ቅድሚ ኣቦኡን ክቡራት ምዃኖም ኣርእዩ እዩ። እሞ ደኣ ንርእስኻ ኣትሒትካ እትርኢ ኣገልጋሊ የሆዋ ዲኻ፧ የሱስ ካብኡ ኺምሃሩ ንዝደለዩ ትሑታት ብኸመይ ከም ዝሓዞም ኣስተንትን። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ክቡር ምዃንካ ኺርድኣካ እዩ።
5. ኵነታት እታ የሱስ ኣብ ገሊላ ዝረኸባ ሰበይቲ ግለጽ።
5 የሱስ ንብዙሓት ሰባት ብሓባር ጥራይ ኣይኰነን ዚምህር ነይሩ፣ የግዳስ፡ ንውልቀ ሰባት እውን የስተብህለሎም ነይሩ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ገሊላ ኺሰብኽ ከሎ፡ ምስ ሓንቲ ን12 ዓመት ደም ዚፈስሳ ዝነበረ ሰበይቲ ተራኸበ። (ማር. 5:25) ብመሰረት ሕጊ ሙሴ፡ ብሰንኪ እቲ ሕማማ ርኽስቲ እያ እትኸውን ነይራ፣ ዚትንክያ ዘበለ ዅሉ እውን ይረክስ እዩ ነይሩ። እዚ ነቲ ምስ ሰብ ዘለዋ ርክብ ዚድርት እዩ ነይሩ። ካብኡ ሓሊፉ እውን ኣብቲ ዚግበር ዝነበረ ናይ ኣምልኾ በዓላት ክትእከብ ኣይትኽእልን እያ ነይራ። (ዘሌ. 15:19, 25) እምበኣር፡ እታ ሰበይቲ ብኣካላውን ብስምዒታውን መዳይ ተጐዲኣ ኸም ዝነበረት ፍሉጥ እዩ።—ማር. 5:26።
6. እታ ደም ዚፈስሳ ዝነበረት ሰበይቲ ብኸመይ እያ ሓውያ፧
6 እታ ውጽዕቲ ሰበይቲ እቲኣ፡ የሱስ ኬሕውያ ደለየት። ናብኡ ቐሪባ ግና ኬሕውያ ኣይሓተተቶን። ስለምንታይ፧ ምናልባት በቲ ዅነታታ ሓፊራ ኽትከውን ትኽእል እያ። ወይ ድማ ረኺሳ ኸላ ምስ ህዝቢ ስለ እተሓወሰት፡ የሱስ ከይቍጥዓ ፈሪሃ ኽትከውን ትኽእል እያ። ስለዚ፡ ክዳኑ ጥራይ እንተ ተንክያ ኽትሓዊ ኸም እትኽእል ስለ ዝኣመነት፡ ጫፍ ክዳኑ ተንከየት። (ማር. 5:27, 28) ዓስቢ እምነታ ኸኣ ረኸበት። እወ፡ ሓወየት። ድሕርዚ፡ የሱስ መን ከም ዝተንከዮ ኺሓትት ጀመረ። ንሳ ድማ ኵሉ እቲ ዝገበረቶ ነገረቶ። የሱስከ እንታይ በለ፧
7. የሱስ ነታ ተጨኒቓ ዝነበረት ሰበይቲ ብኸመይ እዩ ሒዝዋ፧ (ማርቆስ 5:34)
7 የሱስ ነታ ሰበይቲ ብለውሃትን ብኣኽብሮትን እዩ ሒዝዋ። “ፈሪሃ ራዕራዕ” ትብል ከም ዝነበረት እውን ኣስተብሂሉ እዩ። (ማር. 5:33) ስምዒታ ስለ እተረድኦ፡ ብለውሃት ተዛረባ። “ጓለየ” ኢሉ ብምጽዋዕ ድማ ብለውሃትን ብልኡም ቃላትን ተዛረባ። (ማርቆስ 5:34 ኣንብብ።) እቲ ኣብዛ ቓል እዚኣ ዘሎ ነጥቢ መጽናዕቲ ኸምዚ ይብል፦ “የሱስ ብቐጥታ ንሰበይቲ ‘ጓለየ’ ኢሉ ኸም ዝጸውዐ ተመዝጊቡ እንረኽቦ፡ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ጥራይ እዩ። ከምኡ ዝገበረ ድማ፡ እቲ ዅነታታ ተነቃፊ ስለ ዝነበረን ‘ራዕራዕ’ ትብል ስለ ዝነበረትን ኪኸውን ይኽእል እዩ።” ነዚ ምስ ሰምዐት፡ እታ ሰበይቲ ኸመይ ፍዅስ ከም ዝበላ እሞ ሕስብ ኣብሎ! የሱስ ከምዚ ገይሩ ብለውሃት እንተ ዘይዛረባ ነይሩ ኣካላ እኳ እንተ ሓወየ፡ ብናይ በደለኛነት ስምዒት ውሽጣ ምተጐድአ ነይሩ። የሱስ ግና ከምቲ የሆዋ ገይሩ ዚርእያ ገይራ ገዛእ ርእሳ ኽትርኢ፡ ማለት ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኽብርቲ ኸም ዝዀነት ክትርዳእ ሓገዛ።
8. ሓንቲ ኣብ ብራዚል እትነብር ሓብቲ እንታይ ሽግራት እያ ኣሕሊፋ፧
8 ሎሚ እውን ገለ ኻብ ኣገልገልቲ የሆዋ ዘይረብሑ ዀይኑ ኸም ዚስምዖም ዚገብር ናይ ጥዕና ጸገማት የጋጥሞም እዩ። ሓንቲ ኣብ ብራዚል እትነብር ማሪያa ዝስማ ስርዕቲ ፈላሚት፡ ካብ እትውለድ ኣትሒዛ ጸጋማይ ኢድን ክልቲኡ ኣእጋርን ኣይነበራን። ንሳ ዘሕለፈቶ ኸተዘንቱ ኸላ ኸምዚ ትብል፦ “ኣብ ቤት ትምህርቲ መማህርተይ ብቐጻሊ ይድንድኑኒ ነይሮም። ሃሳዪ ሳጓ ኸኣ የውጽኡለይ ነይሮም። ካብ ገዛእ ስድራይ እውን ከይተረፈ ኣድልዎ ኣጋጢሙኒ እዩ።”
9. ማሪያ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኽብርቲ ምዃና ኽትርዳእ ዝሓገዛ እንታይ እዩ፧
9 ማሪያ ሓገዝ ዝረኸበት ብኸመይ እያ፧ ናይ የሆዋ ምስክር ምስ ኰነት፡ ክርስትያናት ብጾታ ኣጸናንዕዋ፡ ከምቲ የሆዋ ዚርእያ ገይራ ገዛእ ርእሳ ኽትርኢ እውን ሓገዝዋ። ንሳ ኸምዚ ትብል፦ “ንዅሎም እቶም ዝሓገዙኒ እንተ ዝምዝግቦም እዚ ደብተረይ እኳ ኣይምኣኸሎምን! የሆዋ ኸምዚ ዝበለ መንፈሳዊ ስድራ ቤት ስለ ዝሃበኒ፡ ብምሉእ ልበይ አመስግኖ እየ።” ማሪያ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ኣምላኽ ክብርቲ ምዃና ምእንቲ ኽትርዳእ፡ መንፈሳውያን ኣሕዋታን ኣሓታን ሓጊዞምዋ እዮም።
10. ማርያም መግደላዊት እንታይ ሽግራት እዩ ዝነበራ፧ (ስእልታት እውን ርአ።)
10 የሱስ ንማርያም መግደላዊት ብኸመይ ከም ዝሓገዛ እስከ ንርአ። ንሳ ሸውዓተ ኣጋንንቲ ነበርዋ! (ሉቃ. 8:2) ብጽልዋ እዞም ኣጋንንቲ ኸኣ ዘይንቡር ምንቅስቓሳት ተርኢ ነይራ ኽትከውን ትኽእል እያ። ብሰንኪ እዚ ድማ ካልኦት የግልልዋ ነበሩ። ኣብቲ ኣብ ህይወታ ዘሕለፈቶ ሕማቕ ግዜ ኸኣ፡ ዚፈትዋ ዘይብላ፡ ውሕስነት ዘይብላ፡ ሓጋዚ ዘይብላ ዀይኑ ተሰሚዕዋ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እንተዀነ ግና፡ እቶም ኣጋንንቲ ወጹላ። ነዚ ተኣምር እዚ ድማ፡ የሱስ እዩ ገይርዎ ኪኸውን ዘለዎ። ስለዚ፡ ውፍይቲ ጓል መዝሙሩ ዀነት። እሞ ደኣ ማርያም መግደላዊት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ ክብርቲ ምዃና ምእንቲ ኽትርዳእ፡ የሱስ ብኻልእ መገዲ ብኸመይ እዩ ሓጊዝዋ፧
የሱስ ንማርያም መግደላዊት ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኽብርቲ ምዃና ዘረጋገጸላ ብኸመይ እዩ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 10-11 ርአ)
11. የሱስ ንማርያም መግደላዊት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክብርቲ ምዃና ብኸመይ እዩ ኣረጋጊጹላ፧ (ስእልታት እውን ርአ።)
11 የሱስ ንማርያም መግደላዊት ኣብ ናይ ስብከት ጕዕዞኡ ኽትሓብሮ ዓደማ።b ስለዚ ድማ፡ ካብቲ ንኻልኦት ኪምህር ኸሎ ዝሰምዓቶ ትምህርቲ፡ ብዙሕ ጥቕሚ ረኸበት። ብተወሳኺ ድማ፡ የሱስ ኣብታ ዝተንስኣላ መዓልቲ ንማርያም መግደላዊት ተራእያ። በዚ ኸምዚ፡ ሓንቲ ኻብቶም ኣብታ ዝተንስኣላ መዓልቲ እተዛረቦም ደቀ መዛሙርቱ ዀነት። ካብኡ ሓሊፉ እውን የሱስ ብዛዕባ ትንሳኤኡ ንሃዋርያቱ ኽትነግሮም ለኣኻ። እዝስ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኽብርቲ ምንባራ ዜርኢዶ ኣይነበረን!—ዮሃ. 20:11-18።
12. ሊድያ ኸም ዘይትፍቶ ዀይኑ ኸም ዚስምዓ ዝገበራ እንታይ እዩ፧
12 ሎሚ እውን ብዙሓት ሰባት ልክዕ ከም ማርያም መግደላዊት፡ ዋላ ሓደ ሰብ ከም ዘይፈትዎምን ከም ዘይረብሑን ኰይኑ ይስምዖም እዩ። ሓንቲ ኣብ ስጳኛ እትነብር ሊድያ እትብሃል ሓብቲ፡ ኣዲኣ ንዓኣ ጥንስቲ ኸላ ነቲ ጥንሲ ኽትሰድዶ ትሓስብ ከም ዝነበረት ትዛረብ። እግሪ ተኽሊ ኸላ እውን ከይተረፈ፡ ኣዲኣ ዕሽሽ ትብላን ብቓላታ ትሃስያን ከም ዝነበረት ትሕብር። ከምዚ ብምባል ከኣ ስምዒታ ትገልጽ፦ “ሰባት ኪቕበሉንን ኪፈትዉንን ምድላይ፡ ቀንዲ ዕላማ ህይወተይ ኰይኑ። ኣደይ ሕማቕ ሰብ ከም ዝዀንኩ ስለ ዘእመነትኒ፡ ዝገበርኩ እንተ ገበርኩ፡ ሰብ ከም ዘይፈትወኒ ዀይኑ ይስምዓኒ ነይሩ።”
13. ሊድያ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኽብርቲ ምዃና ኽትዝክር ዝሓገዛ እንታይ እዩ፧
13 ሊድያ ሓቂ ምስ ፈለጠት፡ ካብ ብሕታዊ መጽናዕትን ጸሎትን፡ ከምኡ እውን ካብ ናይ ክርስትያናት ብጾታ ሰናይ ቓላትን ተግባራትን፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኽብርቲ ምዃና ኽትርዳእ ከኣለት። ንሳ ኸምዚ ትብል፦ “ሰብኣየይ ኵሉ ግዜ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዜፍቅረኒ ይገልጸለይ እዩ። ጽቡቕ ባህርይ ከም ዘሎኒ ብተደጋጋሚ ይነግረኒ እዩ። ካልኦት ፈተውተይ እውን ከምኡ ብምግባር ይሕግዙኒ እዮም።” ንስኻኸ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኽቡር ምዃኑ ኺዝክር ዜድልዮ ሰብ ትፈልጥዶ፧
ንገዛእ ርእስና ብኸመይ ከምቲ የሆዋ ዚርእያ ጌርና ኸም እንርእያ
14. የሆዋ ንሰባት ዚርእየሉ መገዲ ምእንቲ ኽንርዳእ፡ 1 ሳሙኤል 16:7 ብኸመይ እያ እትሕግዘና፧ (“የሆዋ ንህዝቡ ኣኽቢሩ ዚርእዮም ስለምንታይ እዩ፧” ዘርእስታ ሳጹን እውን ርአ።)
14 የሆዋ በቲ ኣብ ዓለም ዘለዉ ሰባት ዚርእዩሉ መገዲ ገይሩ ኸም ዘይርእየካ ዘክር። (1 ሳሙኤል 16:7 ኣንብብ።) ብመልክዕካ፡ ብማሕበራዊ ደረጃኻ፡ ወይ ብናይ ትምህርቲ ደረጃኻ ኣይኰነን ዚግምግመካ። (ኢሳ. 55:8, 9) ስለዚ፡ ንርእስኻ ብናይ ዓለም መለክዒታት ዘይኰነስ፡ ብመለክዒታት የሆዋ ኽትርእያ ጽዓር። ነቲ ብዛዕባ ኤልያስ፡ ናእሚ፡ ሃና ዚገልጽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ዛንታታት ኣንብቦ። እዞም ሰባት እዚኦም፡ ሓደ እዋን ገዛእ ርእሶም ኣትሒቶም ዚርእዩ ዝነበሩ እዮም። የሆዋ ግና ኣኽቢሩ እዩ ዚርእዮም ነይሩ። ንስኻ እውን፡ የሆዋ ብሓቂ ኸም ዜፍቅረካን ኣኽቢሩ ኸም ዚርእየካን ዜረጋግጽ ኣብ ህይወትካ ዘሕለፍካዮ ተመክሮታት ክትጽሕፍ ትኽእል ኢኻ። ብተወሳኺ፡ ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻ ንዚሓድረካ ጥርጣረታት ዚኸውን ሓበሬታ ንምርካብ፡ ኣብ ጽሑፋትና ምርምር ክትገብር ትኽእል ኢኻ።c
15. የሆዋ ንዳንኤል ኣዝዩ ዚፈትዎ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧ (ዳንኤል 9:23)
15 ተኣማንነትካ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኽቡር ከም ዚገብረካ ዘክር። ነብዪ ዳንኤል ኣብ ሓደ እዋን፡ ምናልባት ኣብ 90ታት ዕድሚኡ ኪኸውን ይኽእል፡ ‘ኣመና ደኺሙን’ ተስፋ ቘሪጹን ነበረ። (ዳን. 9:20, 21) እሞ ደኣ የሆዋ ብኸመይ ኣተባብዖ፧ ንገብርኤል መልኣኽ ናብ ዳንኤል ልኢኹ፡ “ኣዚኻ እተፈቶኻ ኢኻ” ብምባልን ጸሎቱ ኸም እተሰምዐ ብምሕባርን ኣተባብዖ። (ዳንኤል 9:23 ኣንብብ።) ዳንኤል ብኣምላኽ ኣዝዩ ኸም ዚፍቶ ዝገበሮ እንታይ እዩ፧ ገለ ኻብቲ ብዙሕ ባህርያቱ ንጽድቂ ዝነበሮ ፍቕርን ተኣማንነቱን ኪጥቀስ ይከኣል። (ህዝ. 14:14) የሆዋ እዚ ዛንታ እዚ ኣብ ቃሉ ኸም ዚጽሓፍ ዝገበረ ንዓና ንምጽንናዕ ኢሉ እዩ። (ሮሜ 15:4) ብዘይካዚ፡ ንጸሎትካ ይሰምዖ እዩ፣ ነቲ ንቕንዕና ዘሎካ ፍቕርን ነቲ ብተኣማንነት እተቕርበሉ ዘለኻ ኣገልግሎትን እውን ኣኽቢሩ ይርእዮ እዩ።—ሚክ. 6:8፡ እ.ጽ.፣ እብ. 6:10።
16. ንየሆዋ ኸም ፈቃር ኣቦ ጌርካ ኽትርእዮ ዚሕግዘካ እንታይ እዩ፧
16 ንየሆዋ ኸም ዜፍቅረካ ኣቦ ጌርካ ርኣዮ። ኪሕግዘካ እምበር፡ ጕድለት ኪረኽበልካ ኣይኰነን ዚደሊ። (መዝ. 130:3፣ ማቴ. 7:11፣ ሉቃ. 12:6, 7) በዚ ኸምዚ ምስትንታን፡ ርእሶም ኣትሒቶም ይርእዩ ንዝነበሩ ብዙሓት ሰባት ሓጊዝዎም እዩ። ንኣብነት፡ ሚሸል ብዛዕባ እትብሃል ኣብ ስጳኛ እትነብር ሓብቲ እስከ ንርአ። ሰብኣያ ንዓመታት ብቓላቱ ስለ ዝሃሰያ፡ ዘይትጠቅም ኰይኑ ይስምዓ ነበረ። እንተዀነ ግና፡ እንታይ ከም እትገብር ክትገልጽ ከላ፡ “ዘይረብሕ ኰይኑ ኺስምዓኒ ኸሎ፡ የሆዋ ሕቝፍ ኣቢሉ ፍቕርን ዕቝባን ይህበኒ ኸም ዘሎ ገይረ ኽሓስብ እጽዕር እየ” ትብል። (መዝ. 28:9) ሓንቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ እትነብር ሎረን ዝስማ ሓብቲ እውን፡ “የሆዋ ‘ብድባራታት ፍቕሩ’ ብለውሃት ናብኡ ኻብ ሰሓበኒ፡ ንዓመታት ምስኡ ክቕጽል ካብ ሓገዘኒ፡ ንኻልኦት ክምህር እውን ካብ ተጠቕመለይ፡ ኣኽቢሩ ይርእየኒ እዩ ማለት እዩ” ትብል።—ሆሴ. 11:4።
17. ስምረት የሆዋ ኸም ዘሎካ ኼተኣማምነካ ዚኽእል እንታይ እዩ፧ (መዝሙር 5:12) (ስእሊ እውን ርአ።)
17 ስምረት የሆዋ ኸም ዘሎካ ተኣማመን። (መዝሙር 5:12 ኣንብብ።) ዳዊት ንስምረት የሆዋ፡ ንጻድቃን ምስ ዜዕቍብ “ዓብዪ ዋልታ” ኣመሳሲልዎ ኣሎ። ስምረትን ሓገዝን የሆዋ ኸም ዘሎካ እንተ ተኣማሚንካ፡ ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻ ኣይክትጠራጠርን ኢኻ። እሞ ደኣ ስምረት የሆዋ ኸም ዘሎካ ብኸመይ ትፈልጥ፧ ከምቲ ኣቐዲምና ዝረኣናዮ፡ የሆዋ ኣብ ቃሉ መረጋገጺ ሂቡካ ኣሎ። ብተወሳኺ እውን፡ ብሽማግለታትን ብናይ ቀረባ ፈተውትን ብኻልኦትን ኣቢሉ ኣብ ቅድሚኡ ኽቡር ምዃንካ የረጋግጸልካ እዩ። ንኸምዚ ዝኣመሰለ መተባብዒ እንታይ ምላሽ ኢኻ ኽትህብ ዘሎካ፧
ስምረት የሆዋ ኸም ዘሎና እንተ ፈሊጥና፡ ከም ዘይንረብሕ ኰይኑ ኣይስምዓናን እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 17 ርአ)
18. ነቲ ዚውሃበካ ናእዳ ኽትቕበሎ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧
18 እቶም ዚፈልጡኻን ዚፈትዉኻን ሰባት ኪንእዱኻ ኸለዉ ኣይትንጸጎም። የሆዋ ምናልባት ስምረቱ ኸም ዘሎካ ንምርግጋጽ ይጥቀመሎም ይህሉ ይኸውን። እታ ኣቐዲምና ዝጠቐስናያ ሚሸል ከምዚ ትብል፦ “ነቲ ኻብ ካልኦት ዝረኽቦ ናእዳ ኻብ ልበይ ክቕበሎ ኸም ዘሎኒ፡ በብቝሩብ እምሃር ኣለኹ። ከምዚ ምግባር ቀሊል ኣይኰነን። ግናኸ የሆዋ ኸምኡ ኽንገብር እዩ ዚደልየና።” ሚሸል ካብቲ ፈቃራት ሽማግለታት ዝገበሩላ ጻዕሪ ተጠቒማ እያ። ሕጂ ፈላሚት ኣብ ርእሲ ምዃና፡ ወለንተኛ ማዕዶ ዀይና ንቤት-ኤል ትሕግዝ ኣላ።
19. ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ኣምላኽ ክቡር ምዃንካ እትተኣማመን ስለምንታይ ኢኻ፧
19 ሰማያዊ ኣቦና ብዛዕባና ኣዝዩ ኸም ዚግደስ የሱስ ኣረጋጊጹልና እዩ። (ሉቃ. 12:24) ስለዚ፡ የሆዋ ኣኽቢሩ ኸም ዚርእየና ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና። ነዚ ፈጺምና ኽንርስዖ የብልናን! ንኻልኦት እውን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ክቡራት ምዃኖም ምእንቲ ኸነረድኦም ዚከኣለና ንግበር!
መዝሙር 139 ንሓዳስ ዓለም ብኣእምሮኻ ስኣላ
a ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።
b ማርያም መግደላዊት ሓንቲ ኻብተን ምስ የሱስ ዚጐዓዛ ዝነበራ ኣንስቲ ኸም ዝነበረት ፍሉጥ እዩ። እዘን ኣንስቲ እዚአን፡ ንየሱስን ንሃዋርያትን ካብ ገንዘበን ዜድልዮም ነገራት የማልኣሎም ነበራ።—ማቴ. 27:55, 56፣ ሉቃ. 8:1-3።
c ንኣብነት፡ ኣብታ ንየሆዋ ቕረቦ ዘርእስታ መጽሓፍ ኣብ ምዕራፍ 24 ርአ፣ ብተወሳኺ፡ ኣብታ ንክርስትያናዊ ህይወት ዚኸውን ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “ጥርጣረታት” ኣብ ትሕቲ ዚብል ርእሰ ነገር ተሓቢሩ ዘሎ ጥቕስታትን ዛንታታትን መጽሓፍ ቅዱስ ኣንብብ።