ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwex ዓንቀጽ 30
  • ንደብዳበታታ ኣድኒቖሞ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንደብዳበታታ ኣድኒቖሞ
  • ተመክሮታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣምላኽ ንብዓታ ደሪዙላ ኢዩ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • ትምህርቲ እንተ ጸሊአኸ፧
    መንእሰያት ዚሓትትዎ
  • በቲ ውጽኢት ተገሪማ
    ተመክሮታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር
  • ንዝሓመመ ቤተሰብካ እናኣለኻ፡ ብመንፈሳዊ ድልዱል ኩን
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
ዝያዳ ርአ
ተመክሮታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር
ijwex ዓንቀጽ 30
ሓደ ሰብኣይ ኣብ ጥቓ ሳጹን ደብዳበታቱ ደው ኢሉ፡ ብኢድ እተጻሕፈ ደብዳበ ሒዙ።

ንደብዳበታታ ኣድኒቖሞ

ብሩክ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እትነብር ናይ የሆዋ ምስክር እያ። ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ 19 ብደብዳበ እያ እትሰብኽ ነይራ። ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ብዙሕ ደብዳበታት ትጽሕፍ ነይራ። ይኹን እምበር፡ ድሕሪ ሓደ ዓመትን መንፈቕን ክትሕለል ጀሚራ። ከመይሲ፡ ኣብዚ ዅሉ እዋን ሓደ ሰብ ጥራይ እዩ መሊሱላ፡ ንሱ ኸማን ደጊማ ንኸይትጽሕፈሉ እዩ ነጊርዋ። ብሩክ እቲ ዅሉ ጻዕራ ንኸንቱ ዝዀን ኰይኑ እዩ ተሰሚዕዋ።

ድሕሪ ገለ እዋን፡ ሓንቲ ኣብ ባንክ እትሰርሕ ኪም እተባህለት ናይ የሆዋ ምስክር፡ ምስ ሓደ ዓሚላ ዝገበረቶ ዝርርብ ንብሩክ ነጊራታ። እቲ ዓሚል ካብ ሓንቲ ናይ የሆዋ ምስክር ብኢድ እተጻሕፈ ደብዳበ ኸም እተቐበለ ንኪም ነጊርዋ። ኪም ጸኒሓ ኸም እተረድኣቶ፡ እቲ ዓሚል ብዛዕባ ሓደ ኻብቲ ብሩክ ዝጸሓፈቶ ደብዳበታት እዩ ዚዛረብ ነይሩ። ድሕሪ ሓደ ሰሙን፡ እቲ ዓሚል ናብቲ ባንክ ተመሊሱ መጺኡ። ምስ ኪም እናኣዕለለ ኸሎ ኸኣ ኣብ ሓደ ኻብቲ ብቪድዮ ዚግበር ዝነበረ ናይ ጉባኤ ኣኼባታትና፡ ኪካፈል ዚኽእል እንተ ዀይኑ ሓቲትዋ።

ቍሩብ ጸኒሑ፡ ዴቪድ እተባህለ ኻልእ ናይ የሆዋ ምስክር፡ ሓደ ኻብ ደብዳበታታ ንመሳርሕቱ ኸም ዝበጽሖ ንብሩክ ነጊርዋ። እቲ ደብዳበ ብኢድ እተጻሕፈ ብምዃኑ ኸኣ ብጣዕሚ እዩ ተደኒቑ። “ሰባት ንኻልኦት ከምዚ ዓይነት ተገዳስነት ኬርእዩ ኣለዎም” ብምባል እውን ተዛሪቡ። ዴቪድ ነቲ ኣጋጣሚ ተጠቒሙ ዝያዳ መስኪሩሉ፡ ጽሑፋት ኬምጽኣሉ ምዃኑ ምስ ነገሮ እውን፡ ብሓጐስ ተቐቢልዎ።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ኣገልግሎቶም ዚዘርእዎ ዘርኢ መዓስ ከም ዚጥጥዕ ኣይፈልጡን ይዀኑ። (መክብብ 11:5, 6) ይኹን እምበር፡ እዚ ተመክሮታት ንብሩክ፡ ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት እትገብሮ ኣበርክቶ ዋጋ ኸም ዘለዎ ኽትርኢ ሓጊዝዋ እዩ።—1 ቈረንቶስ 3:6።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ