ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwyp ዓንቀጽ 117
  • ማሕበራዊ መራኸቢ ብኸመይ እዩ ዚጸልወኒ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ማሕበራዊ መራኸቢ ብኸመይ እዩ ዚጸልወኒ፧
  • መንእሰያት ዚሓትትዎ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ማሕበራዊ መራኸቢ ንግዜይ ብኸመይ እዩ ዚጸልዎ፧
  • ማሕበራዊ መራኸቢ ንድቃሰይ ብኸመይ እዩ ዚጸልዎ፧
  • ማሕበራዊ መራኸቢ ንስምዒተይ ብኸመይ እዩ ዚጸልዎ፧
  • ውሉዳትን ማሕበራዊ መራኸብን—1ይ ክፋል፦ ንውሉደይ ማሕበራዊ መራኸቢ ኽፈቕደሉዶ፧
    ንስድራ ቤት
  • ወለደይ ማሕበራዊ መራኸቢ ኽጥቀም እንተ ዘይፈቐዱለይከ፧
    መንእሰያት ዚሓትትዎ
  • ውሉዳትን ማሕበራዊ መራኸብን—2ይ ክፋል፦ ንውሉድካ ብዛዕባ ግቡእ ኣጠቓቕማ ማሕበራዊ መራኸቢ ብኸመይ ትምህሮ፧
    ንስድራ ቤት
  • ላዕለዋይ ብዓል መዚ ጥዕና ብዛዕባ እቲ ማሕበራዊ መራኸቢ ኣብ መንእሰያት ዜሕድሮ ጽልዋ ኣጠንቂቑ—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
    ተወሳኺ ርእሰ ነገራት
ዝያዳ ርአ
መንእሰያት ዚሓትትዎ
ijwyp ዓንቀጽ 117
ሓንቲ መንእሰይ ሞባይላ ትርኢ። ብእተፈላለየ ኢሞጂ ድማ ተኸቢባ።

መንእሰያት ዚሓትትዎ

ማሕበራዊ መራኸቢ ብኸመይ እዩ ዚጸልወኒ፧

ወለድኻ ማሕበራዊ መራኸቢ ኽትጥቀም ይፈቕዱልካ ድዮም፧ ዚፈቕዱልካ እንተ ዀይኖም፡ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኣብ ሰለስተ ኣገደስቲ መዳያት ክትሕግዘካ እያ።

ኣብዛ ገጽ እዚኣ፦

  • ማሕበራዊ መራኸቢ ንግዜይ ብኸመይ እዩ ዚጸልዎ፧

  • ማሕበራዊ መራኸቢ ንድቃሰይ ብኸመይ እዩ ዚጸልዎ፧

  • ማሕበራዊ መራኸቢ ንስምዒተይ ብኸመይ እዩ ዚጸልዎ፧

  • መዛኑኻ እንታይ ይብሉ፧

ማሕበራዊ መራኸቢ ንግዜይ ብኸመይ እዩ ዚጸልዎ፧

ማሕበራዊ መራኸቢ ምጥቃም ንሓደ ፈጣን ፈረስ ከም ምግላብ እዩ። ወይ ንሱ ይቈጻጸረካ ወይ ድማ ንስኻ ትቈጻጸሮ።

“ማሕበራዊ መራኸቢ ንሒደት ደቓይቕ ክርኢ ኢለ እየ ዝጅምር፡ ደሓር ግና ከይተረድኣኒ ንነዊሕ ሰዓታት እጸንሕ። ማሕበራዊ መራኸቢ፡ ወልፊ ዜትሕዝን ንግዜኻ ዚቐትልን ኪኸውን ይኽእል እዩ።”—ጆኣና።

ትፈልጥዶ፧ ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ኰነ ኢልካ ንሰባት ወልፊ ኸም ዜትሕዝ ጌርካ እዩ ዚንደፍ። እቶም ነደፍቲ፡ ሓደ ወብሳይት ዝያዳ ህቡብን ሰባት ብዙሕ ዚርእይዎን እንተ ዀይኑ፡ ትካላት ኣብኡ ፍርያቶም ንምውዕዋዕ ብዙሕ ገንዘብ ከም ዚኸፍሉ ይፈልጡ እዮም።

ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት፦ ‘ከይተፈለጠኒ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ነዊሕ ሰዓታት አጥፍእ ድየ፧’ ‘ንገለ ኻብቲ ኣብኡ ዘጥፍኦ ግዜ፡ ኣብ ካልእ ዚጠቅም ንጥፈታት ከውዕሎዶ ምኸኣልኩ ነይረ፧’

ክትገብሮ እትኽእል። ማሕበራዊ መራኸቢ ንኽንደይ ሰዓታት ከም እትጥቀም ኣቐዲምካ ወስን። ካብቲ ዝመደብካዮ ግዜ ድማ ኣይትሕለፍ።

ሓደ መንእሰይ ኣብ ፍርቂ መዓልቲ ዚገብሮ ኣንጻር ዝዀነ ስእልታት። 1. ኣብ ዓራት ኰይኑ መስምዒ ገይሩ ሞባይሉ ይርኢ። 2. ኣብ ደገ ምስ ኣዕሩኹ ዅዕሶ ሰኪዐት ይጻወት።

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ንእተሕልፎ ግዜ ደረት ግበረሉ

“ገሊኡ ኣፕሊኬሽናት ንእተወሰነ ሰዓታት ድሕሪ ምጥቃመይ ሞባይለይ ባዕላ ኸም እትዓጽዎ ገይረ። ድሕሪኡ፡ ንእተወሰነ እዋን ከምኡ ምግባር ቀጺለ። በዚ ኸምዚ ነዊሕ ሰዓታት ከየባኸንኩ፡ ማሕበራዊ መራኸቢ ሚዛናዊ ብዝዀነ መገዲ ኽጥቀም ክኢለ።”—ቲና።

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ንግዜኹም ብዝበለጸ ተጠቐሙሉ።”—ኤፌሶን 5:16።

ማሕበራዊ መራኸቢ ንድቃሰይ ብኸመይ እዩ ዚጸልዎ፧

መንእሰያት እንተ ወሓደ ንሸሞንተ ሰዓት ኪድቅሱ ኸም ዘለዎም ሓያሎ ኽኢላታት ይዛረቡ እዮም፣ እንተ ዀነ ግና፡ ብዙሓት መንእሰያት ክንድኡ ዚኣክል ሰዓት ኣይድቅሱን እዮም። እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ድማ፡ ኣብ እዋን ድቃስ ማሕበራዊ መራኸቢ ስለ ዚጥቀሙ እዩ።

“ቅድሚ ምድቃሰይ፡ ኣድላዪ መልእኽቲ ኸይህሉ ኢለ ሞባይለይ እርኢ እየ፡ ደሓር ግና ሰባት ዝለጠፍዎ ስእልታት ብምርኣይ ነዊሕ ሰዓታት አጥፍእ። እዚ ኸቋርጾ ዝጽዕር ዘለኹ ሕማቕ ልማድ እዩ።”—ማሪያ።

ትፈልጥዶ፧ እኹል ዕረፍቲ ዘይምርካብ፡ ወጥርን ጭንቀትን ኬስዕብ ይኽእል እዩ። ፕሮፌሰር ስነ ኣእምሮ ዝዀነት ጂን ትወይን ከም ዝገለጸቶ፡ ዋሕዲ ድቃስ ሰባት ጽቡቕ ከም ዘይስምዖምን ሓጐሶም ከም ዚስእኑን ኪገብር ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ “ድሕሪ ግዜ ኸቢድ ኣእምሮኣዊ ጸገም” ኬምጽእ ከም ዚኽእል ገሊጻ እያ።a

ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት፦ ‘ንኽንደይ ዚኣክል ሰዓታት እየ ዝድቅስ፧’ ‘ኣብቲ ኸዕርፈሉን ክድቅሰሉን ዚግባእ እዋን፡ ማሕበራዊ መራኸቢ እርኢ ድየ፧’

ክትገብሮ እትኽእል። ኤለክትሮኒካዊ ንዋት ኣብ እትድቅሰሉ ኽፍሊ ኣይተቐምጥ። ዚከኣል እንተ ዀይኑ ኻብቲ እትድቅሰሉ ኽልተ ሰዓት ኣቐዲምካ፡ ኤለክትሮኒካዊ ንዋት ኣይትጠቐም። ንግሆ ኻብ ድቃስካ ንምብርባር፡ ደወል ሰዓት ዜድልየካ እንተ ዀይኑ፡ ነዚ ኣብ ናይ ሞባይልካ ወይ ናይ ታብለትካ ሰዓት ኣይትግበሮ።

ሓንቲ መንእሰይ ንግሆ እትገብሮ ኣንጻር ዝዀነ ስእልታት። 1. ዝባዕገገት መንእሰይ ክትበራበር ትቃለስ። 2. ድቃስ ጸጊባ ትትንስእ።

ቅድሚ ምድቃስካ፡ ማሕበራዊ መራኸቢ ኣይትጠቐም

“ሓድሓደ ግዜ፡ ኣብ ሞባይለይ ክርኢ አምሲ እየ፣ ነዚ ግና ከመሓይሾ እጽዕር ኣለኹ። ብሱልን ሓላፍነት ዚስምዖን ሰብ ክኸውን እየ ዝደሊ። ንጽብሒቱ ንጡፍ ኰይነ መታን ክውዕል ብኣጋኡ ምድቃስ ክጅምር ኣሎኒ።”—ጀረሚ።

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ‘እቲ ዚሓይሽ መርምሩ።’—ፊልጲ 1:10።

ማሕበራዊ መራኸቢ ንስምዒተይ ብኸመይ እዩ ዚጸልዎ፧

ኣብ ሓደ መጽናዕቲ ኻብ እተሳተፋ ተምሃሮ ኻልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ፡ ዳርጋ ፍርቀን “ዘየቋርጽ ጓሂ ወይ ተስፋ ናይ ምቝራጽ ስምዒት” ከም ዘለወን ሓቢረን እየን። መበገሲ ኸምዚ ዓይነት ስምዒት ድማ ማሕበራዊ መራኸቢ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ከመይሲ፡ ዶክተር ሌናርድ ሳክስ ከም ዝገለጾ፡ “ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሕ ግዜ ብዘጥፋእና መጠን፡ ንርእስና ምስ ካልኦት ስለ እነነጻጽራ፡ ብዛዕባ ርእስና ሕማቕ ኪስምዓናን ክንጕህን ንኽእል ኢና።”b

“መንእሰያት ንርእሶም ምስ ካልኦት ኬወዳድሩ ንቡር እዩ፡ ማሕበራዊ መራኸቢ ድማ ነዚ የጋድዶ እዩ። ንነዊሕ ሰዓታት ካልኦት ሰባት ዝለጠፍዎ ስእልታት ምስ ረኣኻ ንህይወትካ ምስ ህይወቶም ተወዳድራ ትኸውን፡ ወይ ከኣ ነቲ ኣዕሩኽካ ዜሕልፍዎ ጽቡቕ ግዜ ምስ ረኣኻ ብዙሕ ነገር ይሓልፈካ ኸም ዘሎ ዀይኑ ይስምዓካ ይኸውን።”—ፊቢ።

ትፈልጥዶ፧ ማሕበራዊ መራኸቢ ምስ ኣዕሩኽካ ንኽትራኸብ ዚሕግዝ እኳ እንተ ዀነ፡ ነቲ ብኣካል ተራኺብካ እትገብሮ ዕላል ግና ዚትክእ ኣይኰነን። ነዚ ብዚምልከት ዶክተር ኒኮላስ ካርዳራስ ከምዚ ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ፦ “ምስ ሰባት ብኤለክትሮኒካዊ መገዲ ምጽሕሓፍ ከምቲ ገጽ ንገጽ እናተረኣኣኻ እትገብሮ ዕላል ዜዕግብ ኣይኰነን። እዚ ዚዀነሉ ምኽንያት ድማ፡ ሰባት ብኣካል ተራኺቦም ናይ ልቦም ምዕላል ዝያዳ ስለ ዜሐጕሶም እዩ።”c

ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት፦ ‘ኣዕሩኸይ ዚገብርዎ ነገራት ምስ ረኣኹ፡ በይነይ ዝዀንኩ ዀይኑ ይስምዓኒ ድዩ፧’ ‘ኣዕሩኸይ ኪዘናግዑ ኸለዉ ንዝለጠፍዎ ስእልታት ምስ ረኣኹ ህይወተይ ዘሰልኪ ዀይኑ ይስምዓኒ ድዩ፧’ ‘ዝለጠፍክዎ ነገራት ሒደት ወይ ዋላ ሓንቲ ላይክ እንተ ዘይተገይሩሉ፡ እበሳጮ ድየ፧’

ክትገብሮ እትኽእል። ንሒደት መዓልትታት፡ ወይ ንሰሙን ፡ ወይ ድማ ንሓደ ወርሒ ዚኸውን ካብ ማሕበራዊ መራኸቢ ርሓቕ። ምስ ኣዕሩኽካ ዝያዳ ብኣካል ወይ ብተሌፎን ተራኸብ። ካብ ማሕበራዊ መራኸቢ ምስ ረሓቕካ፡ ዝስምዓካ ዝነበረ ወጥሪ ኸም ዝነከየን ሓጐስካ ኸም ዝወሰኸን ተስተብህል ትኸውን።

ኣንጻር ስእልታት ሓንቲ መንእሰይ። 1. ኣብ ሞባይላ ናይ ካልኦት ስእሊ እናረኣየት ትጕሂ። 2. ምስ መሓዙታ ጀላቶ እናበለዐት ጽቡቕ ግዜ ተሕልፍ።

ምስ ኣዕሩኽካ ብኣካል ተረኺብካ ዝያዳ ግዜ ኸተሕልፍ ትኽእልዶ፧

“ማሕበራዊ መራኸቢ ኽጥቀም ከለኹ፡ ካልኦት ሰባት ኣብ ዚገብርዎ ነገራት ሓያል ተገዳስነት ነይሩኒ። ንዅሉ ኣካውንተይ ምስ ደምሰስክዎ ግና፡ ካብ ዝባነይ ከቢድ ጾር ከም እተላዕለ ዀይኑ ተሰሚዑኒ። ዝያዳ ጠቓሚ ነገራት ንኽገብር ድማ ግዜ ረኺበ።”—ብሪያና።

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ነፍሲ ወከፍ ገግብሩ ይመርምር እሞ፡ ምስ ካልእ ከይተነጻጸረ፡ ብርእሱ ጥራይ ዜሐጕሶ ነገር ኪህልዎ እዩ።”—ገላትያ 6:4።

a ኣይ ጄን ካብ ዘርእስታ መጽሓፍ እተወስደ።

b ዋይ ጀንደር ማተርስ ካብ ዘርእስታ መጽሓፍ እተወስደ።

c ግሎው ኪድስ ካብ ዘርእስታ መጽሓፍ እተወስደ።

መዛኑኻ እንታይ ይብሉ፧

ፊቢ።

“ማሕበራዊ መራኸቢ ንግዜይ ይሰርቆ ነይሩ፣ ኣነ እውን ሕጕስቲ ኣይነበርኩን። ስለዚ ኸቋርጾ ወሲነ። ከምኡ ብምግባረይ ዝተረፈኒ ነገር ከም ዘየሎ ኣስተብሂለ። እኳ ደኣስ፡ ዝያዳ ዕግብትን ትኵርትን ኰይነ፡ ሓደስቲ ነገራት ንምፍታን ድማ ግዜ ረኺበ።”—ፊቢ።

ጃኮብ።

“ነቲ ኣፕሊኬሽን ንግዜኡ ብምድምሳስ ካብ ማሕበራዊ መራኸቢ በብእዋኑ ዕረፍቲ እወስድ እየ። ከምኡ ምግባረይ፡ ኣብቲ ቐዳምነት ዚህቦ ነገራት ኣተኲረ ዝያዳ ግዜ ኼሕልፍ ይሕግዘኒ እዩ። ኣብ ሞባይለይ ማሕበራዊ መራኸቢ ብምርኣይ ግዜይ ካብ ዘባኽን፡ ክገብሮ ዝኽእል ካልእ ብዙሕ ዝሓሸ ነገራት ኣሎ።”—ጃኮብ።

ሲየና።

“ኣብ መጻኢ ናይ ማሕበራዊ መራኸቢ ኣካውንተይ እንደገና እኸፍቶ እኸውን። ንሕጂ ግና ከቋርጾ ወሲነ ኣለኹ። ምኽንያቱ ኣብ ህይወት ካልኦት ሰባት ኣብ ክንዲ ዘተኵር፡ ኣብ ህይወተይ ከተኵር እየ ዝደሊ። ማሕበራዊ መራኸቢ ንሸቶታትካን ንናይ ሓቂ ፈተውትኻን ኬረስዓካ ይኽእል እዩ።”—ሲየና።

ክለሳ፦ ማሕበራዊ መራኸቢ ብኸመይ እዩ ዚጸልወኒ፧

  • ንግዜይ ይጸልዎ ድዩ፧ ማሕበራዊ መራኸቢ ንኽንደይ ሰዓት ከም እትጥቀም ኣቐዲምካ ወስን። ካብቲ ዝመደብካዮ ግዜ ድማ ኣይትሕለፍ።

  • ንድቃሰይ ይጸልዎ ድዩ፧ ካብቲ እትድቅሰሉ ኽልተ ሰዓት ኣቐዲምካ፡ ኤለክትሮኒካዊ ንዋት ኣይትጠቐም።

  • ንስምዒተይ ይጸልዎ ድዩ፧ ካብ ማሕበራዊ መራኸቢ ዕረፍቲ ውሰድ፡ ምስ ኣዕሩኽካ ብኣካል ተረኺብካ ዝያዳ ግዜ ኣሕልፍ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ