መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኑክልየሳዊ ውግእ እንታይ ይብል፧
ሓይልታት ዓለም ኑክልየሳዊ ኣጽዋሮም ብዘብዝሑን ብዘስፋሕፍሑን መጠን ዓለምና ብቐጻሊ ኑክልየሳዊ ውግእ የንጸላልዋ ኣሎ። ብዝሒ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ይውስኽ ስለ ዘሎ፡ ሰባት ኑክልየሳዊ ውግእ ከይጅመር እንተ ሰግኡ ዜገርም ኣይኰነን። ብንእሽቶ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ዚልዓል ውግእ ንዓለም ምሉእ ኬጥፍእ ናብ ዚኽእል ዓብዪ ኑክልየሳዊ ውግእ ከይምዕብል ፍርሂ ኣሎ። ከምቲ ኣብ ቡለቲን ኦቭ ዘ ኣቶሚክ ሳይንቲስትስ እተጠቕሰ፡ “ቀጻሊ ተኽእሎ ኑክልየሳዊ ውግእ” ኣብ ዘለወሉ ግዜ ኢና እንነብር ዘለና።
ኑክልየሳዊ ውግእ ኬጋጥም ይኽእል ድዩ፧ እንተ ኣጋጢሙኸ ፕላነትና ኻብ ጥፍኣት ኽትድሕን ትኽእል ድያ፧ ነቲ ኑክልየሳዊ ውግእ ከይልዓል ዚስምዓና ጭንቀት ብኸመይ ክንቃለሶ ንኽእል፧ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፦
መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኑክልየሳዊ ውግእ ይንበ ድዩ፧
መጽሓፍ ቅዱስ ፈልዩ ብዛዕባ ኑክልየሳዊ ውግእ ኣይጠቅስን እዩ። ይኹን እምበር፡ ብሰንኪ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተነበዮ ባህርያትን ፍጻመታትን ኑክልየሳዊ ውግእ ከይልዓል የፍርህ ኣሎ።
ነዚ ዚስዕብ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ህሉው ፍጻመታት ዓለም ኣነጻጽሮ፦
ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ፡ “ምልክት እቲ ኣብዚ እትህልወሉ እዋንን መደምደምታ እቲ ስርዓትንከ እንታይ እዩ፧” ኢሎም ምስ ሓተቱ፡ የሱስ፡ “ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ፡ መንግስቲ ድማ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኺልዓል እዩ” ኢሉ መለሰሎም።—ማቴዎስ 24:3, 7።
ፍጻመታት ዓለም፦ ኣብ ወተሃደራዊ ግጭት ብዝያዳ ዚሳተፋ ዘለዋ፡ እተን ኑክልየሳዊ ዓቕሚ ዘለወን ሃገራት እየን።
“ኣብዚ ቐረባ ዓመታት፡ ዓለም ብዝያዳ ጐነጽ ዚመልኣ ትኸውን ኣላ፣ ብዝሒ ዘይምርግጋእ ይውስኽ ኣሎ።”—ዘ ኣርምድ ኮንፍሊክት ሎኬሽን ኤንድ ኢቨንት ዳታ ፕሮጀክት።
ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ብግዜ መወዳእታ፡ እቲ ንጉስ ደቡብ ምስኡ [ምስ ንጉስ ሰሜን] ኺዳፋእ እዩ።”—ዳንኤል 11:40።
ፍጻመታት ዓለም፦ ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተነበዮ፡ ተቐናቐንቲ ሃገራትን ተሓባበርተንን ዝለዓለ ሓይሊ ንምጭባጥ ይደፋፍኣ ወይ ይወዳደራ እየን ዘለዋ። እተን ናይ ሎሚ ናይ ኑክልየስ ሓያላን ንሓድሕደን ብቐጥታ እኳ እንተ ዘይተዋግኣ፡ ናይ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ዓቕመን ግና የስፍሓ እየን ዘለዋ።
“ኣብዚ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመት ኣብ መንጎ ሃገራት ብዙሕ ግጭታት ርኢና ኢና። ኣብ ገሊኡ ኸኣ፡ ሓያላት ሃገራት ተጻባእቲ ወገናት ኪድግፋ ርኢና ኢና።”—ዘ ኡፕሳላ ኮንፍሊክት ዳታ ፕሮግራም።
ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ጽንኩር ግዜ ኸም ዚመጽእ ግና፡ እዚ ፍለጥ። ሰባትሲ . . . ንስምምዕ ፍቓደኛታት ዘይኰኑ፡ ሓመይቲ፡ ርእሶም ዘይገትኡ፡ ጨካናት [ኪዀኑ እዮም]።”—2 ጢሞቴዎስ 3:1-3።
ፍጻመታት ዓለም፦ ልክዕ ከምዞም ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት ሰባት፡ መራሕቲ ዓለም እውን መብዛሕትኡ ግዜ ኣይሰማምዑን እዮም። ንፍልልያቶም ብሰላማዊ መገዲ ኣብ ክንዲ ምፍታሕ ከኣ፡ ምፍርራህን ሓይልን ኪጥቀሙ ይፍትኑ። እዚ ኸኣ ኑክልየሳዊ ውግእ የናኽስ።
“ተሓባቢርካ ንምዕያይ ተግባራዊ ስጕምቲ እንተ ዘይተወሲዱ፡ ግጭታት ናብ ህልቂት እዩ ዜምርሕ።”—ሳሚር ሳራንን ጃን ሃርማንን፡ ዎርልድ ኢኮኖሚክ ፎረም።
ኣምላኽሲ ኑክልየሳዊ ውግእ ኪፈቅድ ድዩ፧
ብዛዕባ እዚ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይገልጽን እዩ። ኣብዚ ግዜና “መፍርህታት” ወይ ዜፍርህ ፍጻመታት ከም ዜጋጥም ግና ይገልጽ እዩ። (ሉቃስ 21:11) ንኣብነት፡ እቲ ኣብ እዋን ካልኣይ ውግእ ዓለም እተደርበየ ኣቶማዊ ቦምባታት ኪጥቀስ ይከኣል። ኣምላኽ ስለምንታይ ውግእ ኪህሉ ከም ዝፈቐደ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጸልና እዩ። ብዛዕባ እዚ ብዝያዳ ምእንቲ ኽትፈልጥ ነታ ኣምላኽ፡ መከራ ኺህሉ ዝፈቐደ ስለምንታይ እዩ፧ ዘርእስታ ቪድዮ ርአ።
ምድርና ኽትድሕን ድያ፧
እወ። ሰባት ኑክልየሳዊ ኣጽዋር እኳ እንተ ተጠቕሙ፡ ዓለምለኻዊ ጥፍኣት ኪህሉ ግና ኣምላኽ ስቕ ኢሉ ኣይኪርእን እዩ። ፕላነትና ኻብዚ ዅሉ ንህላወኣ ዚፈታተን ነገራት ከም እትድሕን ጥራይ ዘይኰነትሲ፡ ንዘለኣለም መንበሪት ደቂ ሰብ ከም እትኸውን መጽሓፍ ቅዱስ ይሕብር እዩ።
ገሊኦም ሰባት፡ ኣብ መጻኢ ምድርና ብሰንኪ ኑክልየሳዊ ውግእ ተበኪላ ባድም ኰይና ኸም እትተርፍ እሞ ብኣጻብዕ ዚቝጸሩ ሰባት ጥራይ እናተቓለሱ ኸም ዚነብርዋ ይሓስቡ እዮም። ይኹን እምበር፡ ዝዀነ ይኹን ብሰንኪ ውግእ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዜጋጥም ዕንወት፡ ነባሪ በሰላ ኸም ዘይሓድግን ምድሪ ኸም እትሕደስን መጽሓፍ ቅዱስ ይሕብረና እዩ።
ኣምላኽ ኣብ ጽብቕቲ ምድሪ ብሓጐስ ክንነብር እዩ ዚደልየና
ፈጣሪና ንምድሪ ገዛእ ርእሳ ኸተሕዊ ኸም እትኽእል ገይሩ፡ ድንቂ ብዝዀነ መገዲ እዩ ፈጢርዋ። ኣምላኽ ንምድሪ ንምሕዳስ ሓይሉ ምጥቃሙ ግና ዘይተርፍ እዩ። ሽዑ፡ ምድርና ውቅብቲ መንበሪት ደቂ ሰብ ክትከውን እያ።—መዝሙር 37:11, 29፣ ራእይ 21:5።
ነቲ ብዛዕባ ኑክልየሳዊ ውግእ ዚስምዓካ ጭንቀት ብኸመይ ትቃለሶ፧
ገሊኦም ሰባት ብዛዕባ ኑክልየሳዊ ውግእን ዜስዕቦ ሳዕቤናትን ብምሕሳብ ይጭነቑ እዮም። እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ተስፋታትን ምኽርን ግና ንጭንቀቶም ኪቃለስዎን ኪቈጻጸርዎን ይሕግዞም እዩ። ብኸመይ፧
መጽሓፍ ቅዱስ ንምድርን ነቶም ኣብኣ ዚነብሩን ብሩህ መጻኢ ኸም ዚጽበዮም ይገልጽ። ብዛዕባ እዚ ተስፋ እዚ ምፍላጥ ከኣ፡ ከም “መልህቕ ህይወት” ብምዃን ንጭንቀትና ኽንንክዮ ይሕግዘና እዩ። (እብራውያን 6:19፡ እግረ ጽሑፍ) ኣብ ርእሲ እዚ፡ ኣብ መጻኢ እንታይ ከም ዜጋጥም ኣብ ክንዲ ምጭናቕ፡ ብዛዕባ እታ ዘለናያ መዓልቲ ጥራይ ብምሕሳብ ንጭንቀትና ኽንቈጻጸሮ ንኽእል ኢና። ከመይሲ፡ ከምቲ የሱስ ዝበሎ፡ “ዝዀነት መዓልቲ ናታ ጭንቂ ኣለዋ።”—ማቴዎስ 6:34።
ኣእምሮኣውን ስምዒታውን ጥዕናና ምክንኻን ኣገዳሲ እዩ። ከምዚ ኽንገብር እንኽእለሉ መገዲ ኸኣ፡ ንዜጨንቕ ሓበሬታ ብዘይምቅላዕ እዩ፣ ንኣብነት፡ ብዛዕባ ኑክልየሳዊ ምዕባለታት ንዚቐርቡ ግምታትን ርእይቶታትን ምይይጣትን ክንሰምዕ የብልናን። እዚ ግና ንህሉው ኵነታት ዓይንና ንዕምት ማለት ኣይኰነን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ክንቈጻጸሮ ብዛዕባ ዘይንኽእል ነገር፡ ምናልባት እውን ብዛዕባ ዘየጋጥም ነገር ካብ ምጭናቕ ንኣእምሮና ናጻ ንምግባር ኢና ስጕምቲ እንወስድ ዘለና።
ኣብቲ ኣብ ህይወትካ ዜጋጥም ዘሎ ኣወንታዊ ነገራት ብምትኳር፡ ካብ ሕማቕ ወረ ኣዕርፍ።
መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዝሓሸ መጻኢ ርግጽ ተስፋ ይህበና እዩ
ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ዘተስፈወና ተስፋታት ምፍላጥ፡ ተስፋን ሓጐስን ውሽጣዊ ሰላምን ከም ዚህልወካ ይገብር።
መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኑክልየሳዊ ኣርማጌዶን ይንበ ድዩ፧
ብዙሓት ሰባት ንኣርማጌዶን ምስ ዓለምለኻዊ ኑክልየሳዊ ውግእ የተኣሳስርዎ እዮም። ነቲ ኸምዚ ዓይነት ውግእ ዜምጽኦ ዕንወት ብኣእምሮኦም ብምስኣል እዮም ከምኡ ዚብሉ።
መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነታ “ኣርማጌዶን” እትብል ቃል፡ ነቲ ኣብ መንጎ “ነገስታት ብዘላ ዓለም”ን (ሰብኣውያን ነገስታት) ኣብ መንጎ ኣምላኽን ዚልዓል ውግእ ንምምልካት እዩ ዚጥቀመላ።a (ራእይ 16:14, 16) ኣብ ኣርማጌዶን፡ ከምቲ ኣብ ኑክልየሳዊ ጥፋኣት፡ ደቂ ሰብ ብወዝቢ ኣይኰኑን ኪጸንቱ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣምላኽ ነቶም እኩያት ጥራይ ኬጥፍኦም እዩ፣ ናይ ሓቂ ሰላምን ድሕነትን ከኣ ኬምጽእ እዩ።—መዝሙር 37:9, 10፣ ኢሳይያስ 32:17, 18፣ ማቴዎስ 6:10።
መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ውግእ ዚህቦ ፍታሕ እንታይ እዩ፧
የሆዋb ኣምላኽ ንግጭት ደው ብምባልን ንኣጽዋር ኵናት ብምሕምሻሻን ኣብ ልዕሊ እዞም ዚዋግኡ ዘለዉ መንግስትታት ስልጣን ከም ዘለዎ ኼርኢ እዩ። ብሰማያዊት መንግስቱ ኣቢሉ ንዅለን እዘን መንግስትታት እዚአን ኬጥፍአን እዩ፡ ንሳ በይና ንምድሪ ኸተመሓድራ እያ።—ዳንኤል 2:44።
መንግስቲ ኣምላኽ ንሰባት ብኸመይ ብሰላምን ብስኒትን ከም ዚነብሩ ኽትምህሮም እያ። ሽዑ፡ ኣብ መንጎ መንግስትታት ዚልዓል ዘይምርድዳኣት ኣይኪህሉን እዩ። ከመይሲ ንብዘላ ምድሪ ሓንቲ መንግስቲ ጥራይ እያ ኽትገዝኣ፣ ኣህዛብ እውን ውግእ ኣይኪምሃሩን እዮም! (ሚክያስ 4:1-3) እቲ ውጽኢትከ እንታይ ይመስል፧ “ነፍሲ ወከፍ ኣብ ትሕቲ ተኽሊ ወይኑን ኣብ ትሕቲ ኦም በለሱን ኪቕመጥ እዩ፣ ሓደ እኳ ኣይኬፍርሆምን እዩ።”—ሚክያስ 4:4።
a “ውግእ ኣርማጌዶን እንታይ እዩ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።
b የሆዋ ብሕታዊ ስም ኣምላኽ እዩ። (መዝሙር 83:18) “የሆዋ መን እዩ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።