ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwbq ዓንቀጽ 34
  • ኣምላኽ ንጸሎተይ ይምልሶ ድዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣምላኽ ንጸሎተይ ይምልሶ ድዩ፧
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2016
  • ብጸሎት ኣቢልካ ንኣምላኽ ቅረቦ
    መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
  • ፍሉይ መሰል ጸሎት
    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧
  • ከመይ ገይርካ ብጸሎት ደገፍ ከም ዝርከብ
    ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ
ዝያዳ ርአ
መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
ijwbq ዓንቀጽ 34

ኣምላኽ ንጸሎተይ ይምልሶ ድዩ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

እወ፡ ይምልሶ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ኰነ ናይ ሓቂ ተመክሮ ሰባት፡ ኣምላኽ ጸሎት ከም ዚምልስ የርኢ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “[ኣምላኽ] ትምኒት እቶም ዚፈርህዎ የዕግብ፡ ኣውያቶም ይሰምዕ፡ የናግፎም እውን” ይብል እዩ። (መዝሙር 145:19) ኣምላኽ ንጸሎትካ ዚምልሶ ወይ ዘይምልሶ ምዃኑ ግና፡ ብዓብይኡ ኣባኻ እዩ ዚምርኰስ።

ንኣምላኽ ዜገድሶ

  • ናብ ኣምላኽ ምጽላይ፣ ናብ የሱስ፡ ማርያም፡ መላእኽቲ፡ ወይ ምስልታት ከኣ ዘይምጽላይ። የሆዋ ኣምላኽ ጥራይ እዩ “ሰማዕ ጸሎት።”—መዝሙር 65:2።

  • ምስቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ፍቓድ ወይ ስርዓታት ኣምላኽ ተሰማሚዕካ ምጽላይ።—1 ዮሃንስ 5:14።

  • ብስም የሱስ ምጽላይ፡ ማለት ንስልጣኑ ምቕባል። የሱስ፡ “ብዘይካ ብኣይ፡ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን” ኢሉ ኣሎ።—ዮሃንስ 14:6።

  • ብእምነት ምጽላይ፣ እንተ ኣድልዩ እውን ተወሳኺ እምነት ኪውሃበና ምጽላይ።—ማቴዎስ 21:22፣ ሉቃስ 17:5።

  • ትሑትን ቅኑዕን ምዃን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “የሆዋ ልዑል እኳ እንተ ዀነ፡ ንትሑት የስተብህለሉ” ይብል።—መዝሙር 138:6።

  • ዘይምሕላል። የሱስ፡ “ብቐጻሊ ለምኑ እሞ፡ ኪውሃበኩም እዩ” ኢሉ ኣሎ።—ሉቃስ 11:9።

ንኣምላኽ ዘየገድሶ

  • ዓሌትካ ወይ ዜግነትካ። ‘ኣምላኽ ኣየዳሉን እዩ፣ የግዳስ፡ ኣብ ኵሉ ህዝቢ፡ ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅኑዕ ዚገብርን፡ ብእኡ ቕቡል እዩ።’—ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35።

  • ኣቃውማኻ። ኮፍ ኢልካ፡ ተደፊእካ፡ ተምበርኪኽካ፡ ወይ ደው ኢልካ ናብ ኣምላኽ ክትጽሊ ትኽእል ኢኻ።—1 ዜና መዋእል 17:16፣ ነህምያ 8:6፣ ዳንኤል 6:10፣ ማርቆስ 11:25።

  • ዓው ኢልካ ይኹን ወይ ብልብኻ ምጽላይ። ኣምላኽ ካልኦት እውን ዘየስተብህሉሉ ብልቢ ዚጽለ ጸሎት ይምልስ እዩ።—ነህምያ 2:1-6።

  • ዜተሓሳስበካ ነገር ከቢድ ይኹን ወይ ቀሊል። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንሱ [ኣምላኽ] ይሓልየልኩም እዩ እሞ፡ ንዅሉ ጭንቀትኩም ናብኡ ደርብይዎ” ዚብል መተባብዒ ተዋሂቡ ኣሎ።—1 ጴጥሮስ 5:7።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ