ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwbq ዓንቀጽ 40
  • መጽሓፍ ቅዱስ ንምርዳእ እንታይ ይሕግዘና፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መጽሓፍ ቅዱስ ንምርዳእ እንታይ ይሕግዘና፧
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ንመጽሓፍ ቅዱስ ክትርድኦ ምደለኻዶ፧
    ንቕሑ!—2017
  • “መፋትሕ መንግስተ ሰማያት” እንታይ እዩ፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • መጽሓፍ ቅዱስ ንኺርድኣካ ኺሕግዘካ ዚኽእል እንታይ እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ዘድልየካ ስለምንታይ እዩ፧
    ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዝያዳ ኽትፈልጥ ትደሊዶ፧
ዝያዳ ርአ
መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
ijwbq ዓንቀጽ 40
ሓንቲ ሰበይቲ መጽሓፍ ቅዱስ ተንብብ።

መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ / መጽሓፍ ቅዱስ / መጽሓፍ ቅዱስ ንምርዳእ እንታይ ይሕግዘና፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

ንመጽሓፍ ቅዱስ ኽትርድኦ እንታይ ከም ዜድልየካ መጽሓፍ ቅዱስ ባዕሉ ይገልጽ እዩ። ድሕረ ባይታኻ ብዘየገድስ እቲ መልእኽቲ ኣምላኽ ዝሓዘ መጽሓፍ ቅዱስ “ንዓኻ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኣይኰነን፡ ክትበጽሖ ዘይትኽእል እውን ኣይኰነን።”—ዘዳግም 30:11።

መጽሓፍ ቅዱስ ንምርዳእ ዚሕግዝ ነጥብታት

  1. ቅኑዕ ኣረኣእያ ይሃሉኻ። ንመጽሓፍ ቅዱስ ከም ቃል ኣምላኽ ጌርካ ተቐበሎ። ኣምላኽ ንዕቡያት ስለ ዚጻረሮም ትሑት ኩን። (1 ተሰሎንቄ 2:13፣ ያእቆብ 4:6) ይኹን እምበር፡ ብዓይኒ ዕሙተይ ኣይትእመን። ኣምላኽ ‘ንኣእምሮኻ’ ኽትጥቀመሉ ይደልየካ እዩ።—ሮሜ 12:1, 2።

  2. ጥበብ ኪውሃበካ ጸሊ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምሳሌ 3:5፡ “ኣብ ኣእምሮኻ . . . ኣይትጸጋዕ” ይብል። የግዳስ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ምእንቲ ኽትርድኦ፡ ጥበብ ኪህበካ ‘ንኣምላኽ ለምኖ።’—ያእቆብ 1:5።

  3. ብስሩዕ ኣጽንዕ። ንመጽሓፍ ቅዱስ ሓሓሊፍካ ዘይኰነስ፡ ኣዘውቲርካ እተጽንዖ እንተ ደኣ ኴንካ ብዙሕ ክትጥቀም ኢኻ።—እያሱ 1:8።

  4. በብኣርእስቲ ኣጽንዕ። በብኣርእስቲ ጌርካ ምጽናዕ፡ ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓቅታት ንምርዳእ ዚሕግዝ ውጽኢታዊ መገዲ እዩ። በቲ “ናይ መጀመርታ ትምህርቲ” ጀሚርካ፡ ‘ናብ ብስለት ገስግስ’ ኢኻ። (እብራውያን 6:1, 2) ጥቕሲ ምስ ጥቕሲ እናኣነጻጸርካ ምጽናዕ ሓጋዚ ዀይኑ ኽትረኽቦ ኢኻ። ከምዚ ምስ እትገብር፡ እተፈላለየ ኽፋላት መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቲ “ንምርዳኡ ዜሸግር” እውን ከይተረፈ ኺበርሃልካ እዩ።—2 ጴጥሮስ 3:16።

  5. ሓገዝ ካልኦት ድለ። ቃል ኣምላኽ ካብቶም ንመጽሓፍ ቅዱስ ዚርድእዎ ሰባት፡ ሓገዝ ክንቅበል የተባብዓና እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 8:30, 31) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብናጻ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይህቡ እዮም። ልክዕ ከምቶም ቀዳሞት ክርስትያናት፡ ሰባት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ ከም ዚምህር ምእንቲ ኼስተውዕሉ፡ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት እናጠቐሱ እዮም ዜረድኡ።—ግብሪ ሃዋርያት 17:2, 3።

ዘየድልየካ ነገራት

  1. ዝለዓለ ፍልጠት ወይ ትምህርቲ። እቶም 12 ሃዋርያት የሱስ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ይርድእዎን ንኻልኦት ከኣ ይምህሩን ነይሮም እዮም። ካልኦት ግና ከም “ዘይተማህሩ ተራ ሰባት” ገይሮም እዮም ዚቘጽርዎም ነይሮም።—ግብሪ ሃዋርያት 4:13።

  2. ገንዘብ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዘይ ክፍሊት ክትምሃር ትኽእል ኢኻ። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ብናጻ ተቐቢልኩም ኢኹም እሞ፡ ብናጻ ሃቡ” ኢልዎም እዩ።—ማቴዎስ 10:8።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ