ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwbq ዓንቀጽ 52
  • ትርጉም ህይወት እንታይ እዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ትርጉም ህይወት እንታይ እዩ፧
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ኣምላኽ ንዓና ዘለዎ ዕላማ እንታይ እዩ፧
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕቶ 1፦ ህይወተይ ዕላማ ኣለዋ ድዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ናይ ሓቂ ትርጕም ህይወት እንታይ እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
  • ዓርኪ የሆዋ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
ዝያዳ ርአ
መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
ijwbq ዓንቀጽ 52

ትርጉም ህይወት እንታይ እዩ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

ብዛዕባ ትርጉም ህይወት እተፈላለየ ሕቶታት ይልዓል እዩ። ንኣብነት፡ ‘ስለምንታይ ኢና ተፈጢርና፧’ ወይ ‘ህይወተይ ዕላማ ኣለዎዶ፧’ ዚብል ሕቶታት ኪልዓል ይከኣል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ምስ ኣምላኽ ዕርክነት ክንምስርት ከም እተፈጠርና ይሕብር እዩ። ገለ ኻብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚገልጾ መሰረታዊ ሓቅታት እስከ መርምር።

  • ኣምላኽ ፈጣሪና እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ዝገበረና [ኣምላኽ] እዩ፣ ንሕና ድማ ናቱ ኢና” ይብል እዩ።—መዝሙር 100:3፣ ራእይ 4:11።

  • ኣምላኽ ንዅሉ ፍጥረቱ፡ እንተላይ ንዓና፡ ብዕላማ እዩ ዚፈጥሮ።—ኢሳይያስ 45:18።

  • ኣምላኽ ‘መንፈሳዊ ህርፋን’ ከም ዚህልወና ገይሩ እዩ ፈጢሩና፣ እዚ ኸኣ ኣብ ህይወት ትርጉም ንምርካብ ዘሎና ባህጊ እውን የጠቓልል እዩ። (ማቴዎስ 5:3) ነቲ ህርፋን እቲ ኸኣ ከነርውዮ ይደልየና እዩ።—መዝሙር 145:16።

  • መንፈሳዊ ህርፋንና፡ ምስ ኣምላኽ ዕርክነት ብምምስራት ኢና እነርውዮ። ገሊኦም ሰባት፡ ዓርኪ ኣምላኽ ምዃን ዘይከኣል ዚመስሎም እኳ እንተ ዀነ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ግና “ንኣምላኽ ቅረብዎ፡ ንሱ እውን ኪቐርበኩም እዩ” ኢሉ የተባብዓና እዩ።—ያእቆብ 4:8፣ 2:23።

  • ዓርኪ ኣምላኽ ንምዃን፡ ምስ ዕላማኡ ተሰማሚዕና ኽንነብር ኣሎና። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መክብብ 12:13፡ “ብዘሎ ግዴታ ሰብ እዚ እዩ እሞ፡ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ፍርሃዮ፡ ንትእዛዛቱ እውን ሓልዎ” ብምባል ነዚ ዕላማ እዚ ይገልጾ እዩ።

  • ኣምላኽ ኣብ መጻኢ ነዚ ሕጂ ዘሎ መከራ ምስ ኣወገዶ እሞ ነቶም ንዕኡ ዜምልኽዎ ኣዕሩኹ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምስ ሃቦም፡ ሽዑ እቲ ኣምላኽ ንዓና ዘለዎ ናይ ፈለማ ዕላማ ምሉእ ብምሉእ ኪፍጸም ከሎ ኽንርእዮ ኢና።—መዝሙር 37:10, 11።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ