ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwbq ዓንቀጽ 55
  • ስማት መን እዩ ኣብ “መጽሓፍ ህይወት” ዚጸሓፍ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ስማት መን እዩ ኣብ “መጽሓፍ ህይወት” ዚጸሓፍ፧
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ስምካ ኣብ “መጽሓፍ ህይወት” ኣሎዶ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2022
  • ናይ ኣምላኽ መዓልቲ ፍርዲ—እቲ ዘሐጕስ ውጽኢቱ!
    ራእይ እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ!
  • “ስምካ ይቀደስ”—ኣየናይ ስም፧
    መለኮታዊ ስም
  • ኣብ “መጽሓፍ መዘከርታ” ኣምላኽ ኣሎኻዶ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
ijwbq ዓንቀጽ 55

ስማት መን እዩ ኣብ “መጽሓፍ ህይወት” ዚጸሓፍ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

እታ “ጥቕልልቲ መጽሓፍ ህይወት” ወይ “መጽሓፍ መዘከርታ” ተባሂላ እውን እትጽዋዕ “መጽሓፍ ህይወት፡” ስማት እቶም ውህበት ናይ ዘለኣለም ህይወት ዚቕበሉ ሰባት ዝሓዘት እያ። (ራእይ 3:5፣ 20:12፣ ሚልክያስ 3:16) ኣምላኽ ነዚ ስማት እዚ ኣብ ተኣዛዝነት ነፍሲ ወከፍ ሰብ ተመርኲሱ እዩ ዚውስኖ።—ዮሃንስ 3:16፣ 1 ዮሃንስ 5:3።

ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ እሙን ኣገልጋሊኡ፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ዚጸሓፍ ስማት፡ “ካብ ምስራት ዓለም” ጀሚሩ ኣብ መዘከርታኡ ዓቂብዎ ኣሎ። (ራእይ 17:8) ስሙ ኣብ መጽሓፍ ህይወት እተጻሕፈ ናይ መጀመርታ ሰብ ኣቤል ከም ዝዀነ ርዱእ እዩ። (እብራውያን 11:4) የሆዋ ‘ነቶም ናቱ ዘበሉ ዚፈልጦም’ ፈቃር ኣምላኽ ከም ዝዀነ ኣብታ መጽሓፍ ህይወት ተሓቢሩ ስለ ዘሎ፡ እታ መጽሓፍ ህይወት ዝርዝር ስማት ጥራይ ዝሓዘት መጽሓፍ ኣይኰነትን።—2 ጢሞቴዎስ 2:19፣ 1 ዮሃንስ 4:8።

ስማት ካብ “መጽሓፍ ህይወት” ኪድምሰስ ይኽእልዶ፧

እወ። ኣምላኽ ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ብዛዕባ ዝነበሩ ዘይእዙዛት ሰባት፡ “ነቲ ዝበደለኒ ደኣ ኻብ መጽሓፈይ እድምስሶ” ኢሉ እዩ። (ዘጸኣት 32:33) ክሳዕ መወዳእታ እሙናት እንተ ዄንና ግና፡ ካብታ “ጥቕልልቲ መጽሓፍ ህይወት” ኣይክንድምሰስን ኢና።—ራእይ 20:12።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ