ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwbq ዓንቀጽ 85
  • ውግእ ኣርማጌዶን እንታይ እዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ውግእ ኣርማጌዶን እንታይ እዩ፧
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ኣርማጌዶን ዜሐጕስ መጀመርታ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • ኣርማጌዶን ኣብ እስራኤል ድዩ ዚጅምር፧—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
    ተወሳኺ ርእሰ ነገራት
  • ኣርማጌዶን ብስራት እያ!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2019
  • ኣርማጌዶን ገሊኣቶም ብዛዕባኡ እንታይ ይብሉ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
ዝያዳ ርአ
መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
ijwbq ዓንቀጽ 85
ሓውን ዲንን

ውግእ ኣርማጌዶን እንታይ እዩ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

ውግእ ኣርማጌዶን ኣብ መንጎ ሰብኣውያን መንግስትታትን ኣብ መንጎ ኣምላኽን ዚግበር ናይ መወዳእታ ውግእ እዩ። ሰብኣውያን መንግስትታትን ደገፍቶምን ሎሚ እውን ንኣምላኽ ኪግዝእዎ ፍቓደኛታት ስለ ዘይኰኑ፡ ይጻረርዎ እዮም። (መዝሙር 2:2) ውግእ ኣርማጌዶን ንሰብኣዊ ግዝኣት መወዳእታ ኺገብረሉ እዩ።—ዳንኤል 2:44።

እታ “ኣርማጌዶን” እትብል ቃል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ሓንቲ ቦታ ማለት ኣብ ራእይ 16:16 ጥራይ እያ ተጠቒሳ እትርከብ። ኣብ ራእይ፡ “ነገስታት ብዘላ ዓለም፡” “ናብቲ ብእብራይስጢ ኣርማጌዶን ዚብሃል ቦታ” “ናብ ውግእ እታ ዓባይ መዓልቲ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ” ኪእከቡ ምዃኖም ብትንቢት ተገሊጹ ኣሎ።—ራእይ 16:14።

ኣብ ኣርማጌዶን መን እዩ ኺዋጋእ፧ የሱስ ክርስቶስ፡ ሰራዊት ሰማይ መሪሑ ኺዋጋእን ኣብ ልዕሊ ጸላእቲ ኣምላኽ ኪዕወትን እዩ። (ራእይ 19:11-16, 19-21) እዞም ጸላእቲ ተባሂሎም ዘለዉ፡ ነቶም ንግዝኣት ኣምላኽ ዚጻረሩን ንኣምላኽ ዚንዕቑን እውን ዜጠቓልሉ እዮም።—ህዝቅኤል 39:7።

ውግእ ኣርማጌዶን ቃል ብቓሉ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ድዩ ኪኸውን፧ ኣይፋልን። ውግእ ኣርማጌዶን ኣብ ሓደ እተወሰነ ቦታ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ መላእ ምድሪ እዩ ኪኸውን።—ኤርምያስ 25:32-34፣ ህዝቅኤል 39:17-20።

እቲ ሓድሓደ ግዜ “ሃር-ማጌዶን” ተባሂሉ ዚጽዋዕ ኣርማጌዶን (ብእብራይስጢ ሃር መጊዶን)፡ “ከረን መጊዶ” ዚብል ትርጉም ኣለዎ። መጊዶ ኣብ ምድሪ ጥንታዊት እስራኤል እትርከብ ዝነበረት ከተማ እያ። ኣብቲ ኸባቢ እቲ ሓያሎ ውግኣት ከም እተገብረ ኣብ ታሪኽ ተመዝጊቡ ኣሎ፣ ገለ ኻብኡ ኸኣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ኣሎ። (መሳፍንቲ 5:19, 20፣ 2 ነገስት 9:27፣ 23:29) ይኹን እምበር፡ ኣርማጌዶን ነቲ ኣብ ጥቓ ጥንታዊት መጊዶ ዚርከብ ቦታ ኼመልክት ኣይክእልን እዩ። ከመይሲ፡ ኣብኡ ዓብዪ ኸረን ኣይርከብን እዩ፣ ብምሉኡ ስንጭሮ ይዝርኤል እኳ ንዅሎም እቶም ኣንጻር ኣምላኽ ዚዋግኡ ኺሕዞም ኣይኽእልን እዩ። እምበኣር፡ ኣርማጌዶን ኵሎም ኣህዛብ ንመወዳእታ ግዜ ኣንጻር ግዝኣት ኣምላኽ ዚቘሙሉ ዓለምለኻዊ ፍጻመ እዩ።

ኣብ ውግእ ኣርማጌዶን እንታይ ዓይነት ኵነታት ኪህሉ እዩ፧ ኣምላኽ ንሓይሉ ብኸመይ ከም ዚጥቀመሉ እኳ እንተ ዘይፈለጥና፡ ከም በረድ፡ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ዜዕለቕልቕ ዝናም፡ ሓውን ዲንን፡ በርቂ፡ ሕማም ዝኣመሰለ ኣጽዋር ኪጥቀም ይኽእል እዩ፣ ነዚ ኸኣ ቕድሚ ሕጂ እውን ተጠቒምሉ ነይሩ እዩ። (እዮብ 38:22, 23፣ ህዝቅኤል 38:19, 22፣ ኣንባቆም 3:10, 11፣ ዘካርያስ 14:12) ብሰንኪ እቲ ሽዑ ዚፍጠር ዕግርግር፡ ገሊኦም ጸላእቲ ኣምላኽ ንሓድሕዶም ኪቃተሉ እዮም፣ ኣብ መወዳእታ ግና ኣምላኽ ይዋግኦም ከም ዘሎ ኺግንዘቡ እዮም።—ህዝቅኤል 38:21, 23፣ ዘካርያስ 14:13።

ኣርማጌዶን መወዳእታ ዓለም ድዩ፧ ምድሪ ዘለኣለማዊት መንበሪት ደቂ ሰብ እያ፣ ስለዚ፡ ኣርማጌዶን መወዳእታ ፕላነትና ኣይኪኸውንን እዩ። (መዝሙር 37:29፣ 96:10፣ መክብብ 1:4) ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዝዀኑ “ብዙሓት ህዝቢ” ስለ ዚድሕኑ፡ እቲ ውግእ ንደቂ ሰብ ዜድሕን እዩ።—ራእይ 7:9, 14፣ መዝሙር 37:34።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እታ “ዓለም” እትብል ቃል ንምድሪ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ሓድሓድ ግዜ ነቶም ንኣምላኽ ዚጻረሩ እኩያት ደቂ ሰብ እውን ተመልክት እያ። (1 ዮሃንስ 2:15-17) በዚ ኣረኣእያ እዚ፡ ኣርማጌዶን፡ “መወዳእታ ዓለም” እዩ።—ማቴዎስ 24:3፡ ትርጉም 1956።

ኣርማጌዶን መዓስ እዩ ኪኸውን፧ የሱስ ብዛዕባ እቲ ብውግእ ኣርማጌዶን ዚዛዘም “ብርቱዕ ጸበባ” ኺገልጽ ከሎ፡ “ብዛዕባ እታ መዓልቲ እቲኣን እታ ሰዓት እቲኣን፡ ኣቦ ጥራይ እምበር፡ መላእኽቲ ሰማያት ኰኑ ወይስ ወዲ ዀነ፡ ሓደ እኳ ዚፈልጥ የልቦን” ኢሉ እዩ። (ማቴዎስ 24:21, 36) እንተዀነ ግና፡ ኣርማጌዶን ኣብቲ ኻብ 1914 ኣትሒዙ ዝጀመረ የሱስ ብዘይርአ ኣብዚ ዚህልወሉ እዋን ከም ዚኸውን መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ።—ማቴዎስ 24:37-39።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ