ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwbq ዓንቀጽ 87
  • ጸረ ክርስቶስ መን እዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ጸረ ክርስቶስ መን እዩ፧
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ኣጽራረ ክርስቶስ ብኸመይ ከም ዚልለዩ
  • ጸረ ክርስቶስ መን ኢዩ፧
    ንቕሑ!—2002
  • እቲ ጸረ ክርስቶስ መን እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • እቲ ጸረ ክርስቶስ ተቓልዐ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • ነቲ ጸረ ክርስቶስ ከነለልዮ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
ዝያዳ ርአ
መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
ijwbq ዓንቀጽ 87
ሓደ ሰብኣይ ብተለቪዥን  ይሰብኽ

ጸረ ክርስቶስ መን እዩ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

መጽሓፍ ቅዱስ “ብዙሓት ኣጽራረ ክርስቶስ” ከም ዘለዉ ስለ ዚገልጽ፡ ጸረ ክርስቶስ ሓደ ሰብ ወይ ሓደ ውድብ ጥራይ ኣይኰነን። (1 ዮሃንስ 2:18) እታ “ጸረ ክርስቶስ” እትብል ስያመ፡ ካብታ “ኣንጻር ክርስቶስ” ዝትርጉማ ናይ ግሪኽኛ ቓል ዝመጸት ኰይና ነዚ ዚስዕብ ንዚገብር ዘበለ ዅሉ ተመልክት፦

  • የሱስ ብሓቂ ክርስቶስ (መሲሕ) ወይ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ይኽሕድ።—1 ዮሃንስ 2:22።

  • ነቲ ብኣምላኽ እተቐብአ ክርስቶስ ይጻረሮ።—መዝሙር 2:1, 2፣ ሉቃስ 11:23።

  • ኣነ ክርስቶስ እየ ይብል።—ማቴዎስ 24:24።

  • ንሰዓብቲ ክርስቶስ ይሰጕጕ፣ ከመይሲ፡ የሱስ ኣብ ሰዓብቱ ዚወርድ መስጐጕቲ ኣብ ልዕሊኡ ኸም ዚወረደ እዩ ዚቘጽሮ።—ግብሪ ሃዋርያት 9:5።

  • እናዓመጸ ወይ እናኣታለለን ክነሱ፡ ብሓሶት ክርስትያን እየ ይብል።—ማቴዎስ 7:22, 23፣ 2 ቆረንቶስ 11:13።

መጽሓፍ ቅዱስ ነዞም ውልቀ ሰባት እዚኦም ኣጽራረ ክርስቶስ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብጕጅለ “ጸረ ክርስቶስ” ኢሉ እውን ይጽውዖም እዩ። (2 ዮሃንስ 7) እቲ ጸረ ክርስቶስ ካብቲ መጀመርታ ብግዜ ሃዋርያት እተቐልቀለሉ ኣትሒዙ ኽሳዕ ሕጂ ንጡፍ ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ። መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ልክዕ ከምኡ ኸም ዚኸውን እዩ ተነብዩ።— 1 ዮሃንስ 4:3።

ኣጽራረ ክርስቶስ ብኸመይ ከም ዚልለዩ

  • ብዛዕባ የሱስ ናይ ሓሶት ትምህርቲ የስፋሕፍሑ። (ማቴዎስ 24:9, 11) ንኣብነት፡ እቶም ትምህርቲ ስላሴ ወይ የሱስ ኵሉ ዚኽእል ኣምላኽ ምዃኑ ዚምህሩ፡ ነቲ፡ “ካባይ ኣቦ ይዓቢ” ዚብል ትምህርቲ የሱስ ይጻረርዎ እዮም።—ዮሃንስ 14:28።

  • ኣጽራረ ክርስቶስ፡ ነቲ የሱስ ብዛዕባ ኣካይዳ መንግስቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ትምህርቲ ኣይቅበልዎን እዮም። ንኣብነት፡ ገለ መራሕቲ ሃይማኖት፡ የሱስ ብምድራውያን መንግስትታት ኣቢሉ ኸም ዚሰርሕ ይምህሩ። እዚ ግና ምስቲ፡ “መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን” ዚብል ትምህርቲ የሱስ ዚጋጮ እዩ።—ዮሃንስ 18:36።

  • የሱስ ጐይታ ምዃኑ እናተዛረቡ፡ ንትእዛዛቱ ግና ኣይሕልውዎን እዮም፣ ንኣብነት፡ ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣይሰብኩን እዮም።—ማቴዎስ 28:19, 20፣ ሉቃስ 6:46፣ ግብሪ ሃዋርያት 10:42።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ