ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwbq ዓንቀጽ 94
  • ዓባይ ባቢሎን እንታይ እያ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ዓባይ ባቢሎን እንታይ እያ፧
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ኣምላኽ ብዛዕባ ዓባይ ባቢሎን እንታይ ኣረኣእያ ኣለዎ፧
  • ዓባይ ባቢሎን እንታይ ክትከውን እያ፧
  • ነታ “ዓባይ ባቢሎን” ምልላያ
    መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
  • እታ ዓባይ ከተማ ዓንያ
    ራእይ እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ!
  • ብናይ ባቢሎን ጥፍኣት ምሕዛንን ምሕጓስን
    ራእይ እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ!
  • ካብ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ርሓቕ!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
ijwbq ዓንቀጽ 94
ዓባይ ባቢሎን ጁዅን ቀይሕን ክዳውንቲ ተወንዚፋ ምስ ንጉስ ተሓቛቚፋ ኸም ዘላ ጌርካ ተሳኢላ ኣላ። ኣብ ድሕረ ባይታ፡ ሓደ መራሒ ሃይማኖት ንንጉስ ዘውዲ ይደፍኣሉ።

ዓባይ ባቢሎን እንታይ እያ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

ኣብ መጽሓፍ ራእይ፡ “ዓባይ ኣመንዝራ” እተባህለት “ሰበይቲ” ተገሊጻ ኣላ፣ “ምስጢር ዝዀነ፡ ‘ዓባይ ባቢሎን’” ዚብል ስም እውን ኣለዋ። (ራእይ 17:1, 3, 5) እዛ ሰበይቲ እዚኣ ንዅለን እተን ‘ነቲ ሓቂ ኣምላኽ ብሓሶት ዝለወጣኦ’ ናይ ሓሶት ሃይማኖታት እያ እተመልክት።a (ሮሜ 1:25) እዘን ሃይማኖታት እዚአን ብብዙሕ መዳያት ዚፈላለያ እኳ እንተ ዀና፡ ኵለን ግና ብእተፈላለየ መገድታት ንሰባት ካብ ኣምልኾ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ የርሕቓኦም እየን።—ዘዳግም 4:35።

መለለዪ ዓባይ ባቢሎን

  1. ዓባይ ባቢሎን ምሳልያዊት እያ። መጽሓፍ ራእይ “ምልክታት” ዝሓዘት ስለ ዝዀነት፡ ዓባይ ባቢሎን ቃል ብቓሉ ሰበይቲ ዘይኰነትስ፡ ምሳልያዊት እያ ኢልና ኽንድምድም ንኽእል ኢና። (ራእይ 1:1) ኣብ ርእሲ እዚ፡ ኣብቲ ን“ህዝብታትን ብዙሕ ሰብን ኣህዛብን ቋንቋታትን” ዜመልክት “ብዙሕ ማያት እትቕመጥ” እያ። (ራእይ 17:1, 15) ቃል ብቓሉ ሰበይቲ ኸምዚ ኽትገብር ኣይትኽእልን እያ።

  2. ዓባይ ባቢሎን ንዓለምለኻዊት ውድብ እተመልክት እያ። “ኣብ ልዕሊ ነገስታት ምድሪ መንግስቲ ዘለዋ ዓባይ ከተማ እያ” ተባሂላ ተጸዊዓ ኣላ። (ራእይ 17:18) ስለዚ፡ ዓለምለኻዊ ስፍሓትን ጽልዋን ኣለዋ።

  3. ዓባይ ባቢሎን ፖለቲካዊት ወይ ንግዳዊት ዘይኰነትስ፡ ሃይማኖታዊት ውድብ እያ። ጥንታዊት ባቢሎን በቲ እትጥቀመሉ ዝነበረት መናፍስታዊ “ስራይን” “ኣስማትን” እትፍለጥ ኣዝያ ሃይማኖታዊት ከተማ እያ ነይራ። (ኢሳይያስ 47:1, 12, 13፣ ኤርምያስ 50:1, 2, 38) ነበርቲ እታ ኸተማ ድማ፡ በቲ ንናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ዚጻረር ናይ ሓሶት ሃይማኖት እዮም ዚመላለሱ ነይሮም። (ዘፍጥረት 10:8, 9፣ 11:2-4, 8) ገዛእቲ ባቢሎን ብትዕቢት ተደሪኾም ንገዛእ ርእሶም ልዕሊ የሆዋን ኣምልኾኡን ክብ ኣቢሎም እዮም። (ኢሳይያስ 14:4, 13, 14፣ ዳንኤል 5:2-4, 23) ብተመሳሳሊ፡ ዓባይ ባቢሎን እውን ‘ብመናፍስታዊ ተግባራታ’ እያ እትፍለጥ፣ እዚ ኸኣ ሃይማኖታዊት ውድብ ከም ዝዀነት የርኢ።—ራእይ 18:23።

    ዓባይ ባቢሎን ፖለቲካዊት ውድብ ክትከውን ኣይትኽእልን እያ፣ ከመይሲ፡ “ነገስትታት ምድሪ” ብጥፍኣታ ይሓዝኑ እዮም። (ራእይ 17:1, 2፣ 18:9) ብዘይካዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ “ነጋዶ ምድሪ” ፈልዩ ስለ ዚጠቕሳ፡ ንግዳዊት ውድብ እውን ኣይኰነትን።—ራእይ 18:11, 15።

  4. Photograph taken by courtesy of the British Museum

    ምልክታት እቶም ሲንን ኢሽታርን ሻማሽን ዚብሃሉ ሰለስተ ኣማልኽቲ ዘለዎ ሓወልቲ ናቦኒደስ ንጉስ ባቢሎን

    ዓባይ ባቢሎን ንናይ ሓሶት ሃይማኖት ዚበቅዕ ጽቡቕ ምሳልያዊ መጸውዒ እዩ። ናይ ሓሶት ሃይማኖት ንሰባት ናብቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ኪቐርቡ ኣብ ክንዲ እትምህር፡ ናብ ኣምልኾ ኻልኦት ኣማልኽቲ እያ እትመርሖም። መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ‘መንፈሳዊ ምንዝርና’ ኢሉ እዩ ዚጽውዖ። (ዘሌዋውያን 20:6፣ ዘጸኣት 34:15, 16) ብዙሓት ናይ ሓሶት ሃይማኖታት ካብ ጥንታዊት ባቢሎን ዝመንጨወ እምነታት ይምህራ እየን፣ ገለ ኻብኡ፡ ትምህርቲ ስላሴን ኢመዋትነት ነፍስን ኣብ ኣምልኾ ምጥቃም ምስልታትን ኪጥቀስ ይከኣል። እዘን ሃይማኖታት እዚአን ንኣምልኾአን ንዓለም ምስ ምፍቃር እውን ይሓዋውሳኦ እየን። መጽሓፍ ቅዱስ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ዘይተኣማንነት ከም መንፈሳዊ ምንዝርና ገይሩ ይገልጾ እዩ።—ያእቆብ 4:4።

    እቲ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዘለዋ ሃብትን ንዕኡ ርኣዩለይ ምባልን ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዓባይ ባቢሎን ዚገልጾ ነገራት ዚሰማማዕ እዩ፣ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ጁዅን ቀይሕን ተወንዚፋ፡ ብወርቅን ብኽቡር እምንን ብሉልን ተሰሊማ” ብምባል እዩ ዚገልጻ። (ራእይ 17:4) ዓባይ ባቢሎን ምንጪ “ጽያፍ ምድሪ፡” ወይ ድማ ምንጪ እቲ ንኣምላኽ ዜሕስር ትምህርትታትን ተግባራትን እያ። (ራእይ 17:5) ኣባላት ናይ ሓሶት ሃይማኖት፡ እቶም ንዓባይ ባቢሎን ዚድግፉ “ህዝብታትን ብዙሕ ሰብን ኣህዛብን ቋንቋታትን” እዮም።—ራእይ 17:15።

ዓባይ ባቢሎን ብሞት “እቶም ኣብ ምድሪ እተሓርዱ ዘበሉ ዅሎም” ተሓታቲት እያ። (ራእይ 18:24) ኣብ መላእ ታሪኽ ደቂ ሰብ፡ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ውግእን ግብረ ሽበራን ኣጐሃሂራ ጥራይ ዘይኰነትሲ፡ ንሰባት እውን ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ፍቕሪ ዝዀነ የሆዋ ኣይመሃረቶምን። (1 ዮሃንስ 4:8) እዚ ኸኣ ንብዙሕ ምፍሳስ ደም ኣበርክቶ ገይሩ እዩ።

ስእልታት፦ ሓደ ካቴድራልን ሓደ ቤተ መቕደስን በቲ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ንዘመናት ውግእ ዘስፋሕፍሓትሉ መገድታት ተኸቢቡ ይርአ። 1. ውግእ መስቀላውያን። 2. ቀዳማይ ውግእ ዓለም። 3. ሓደ ቐሺ ኦርቶዶክስ ንወተሃደር ይባርኾ። 4. ሓደ ኣፍሪቃዊ ቐሺ ዓሌታዊ ውግእ የለዓዕል። 5. ወተሃደራት ጃፓን ንሃጸይ የምልኽዎ።

ኣምላኽ ብዛዕባ ዓባይ ባቢሎን እንታይ ኣረኣእያ ኣለዎ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንዓባይ ባቢሎን ዘለዎ ኣረኣእያ ኺገልጽ ከሎ፡ “ሓጢኣታ ኽሳዕ ሰማይ ተጸፍጺፉ” ይብል እዩ። (ራእይ 18:4, 5) ናይ ሓሶት ሃይማኖት ንኣምላኽ ስለ እተጸልሞን ንሰዓብታ ስለ እትገፍዕን፡ ኣምላኽ ብእኣ ተቘጢዑ ኣሎ።

ዓባይ ባቢሎን እንታይ ክትከውን እያ፧

“ኣምላኽ ኣብ ልዕሊኣ [ኣብ ልዕሊ ዓባይ ባቢሎን] ፍርዱ ፈሪዱ” ኸም ዘሎ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። (ራእይ 18:20) ንዅለን ናይ ሓሶት ሃይማኖታት ከም ዜጥፍአን እውን፡ ብምሳልያዊ ቛንቋ ይንበ እዩ። (ራእይ 18:8) ኣምላኽ ነቲ ንሓያላት ፖለቲካውያን ውድባት ዜመልክት ቀይሕ ኣራዊት፡ ንናይ ሓሶት ሃይማኖት ከም ዚግልበጣን ጠሪሱ ኸም ዜጥፍኣን ኪገብሮ እዩ። (ራእይ 17:16, 17) “ባቢሎን እታ ዓባይ ከተማ ኸምዚ ኢላ ብናህሪ ኽትድርበ፡ ደጊም ከኣ ከቶ ኣይክትርከብን እያ።” (ራእይ 18:21) ስለዚ፡ ነቶም ንኣምላኽ ባህ ኬብልዎ ዚደልዩ፡ “ካብ መንጎኦም ውጹ” ተባሂሉሎም ኣሎ፣ እዚ ድማ ካብ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ኪፍለዩ ኸም ዘለዎም የመልክት።—2 ቈረንቶስ 6:14-17።

a “ከመይ ገይረ እየ ነታ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ክረኽባ ዝኽእል፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ