ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwyp ዓንቀጽ 49
  • ዝመርጾ ሙዚቃ የገድስ ድዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ዝመርጾ ሙዚቃ የገድስ ድዩ፧
  • መንእሰያት ዚሓትትዎ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ዘለዎ ጥቕሚ
  • ዘለዎ ሓደጋ
  • ሙዚቃ ንህይወተይ ከይቈጻጸሮ እንታይ ክገብር እኽእል፧
    መንእሰያት ዚሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን፡ 2ይ ጥራዝ
  • ንኣምላኽ ዘሐጕስ ሙዚቃ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
መንእሰያት ዚሓትትዎ
ijwyp ዓንቀጽ 49
ሓንቲ መንእሰይ ኣብ ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒኣ ሙዚቃ ትሰምዕ

መንእሰያት ዚሓትትዎ

ዝመርጾ ሙዚቃ የገድስ ድዩ፧

“ትስእ ኢለ፡ ሙዚቃ እውልዕ። ናብ ማኪና ምስ ኣተኹ፡ ሙዚቃ እውልዕ። ኣብ ገዛ ዀይነ ኽዛነ፡ ከጽሪ፡ ዋላ እውን ከንብብ ከለኹ፡ ሙዚቃ ወሊዐ ኣለኹ። ኵሉ ግዜ እየ ሙዚቃ ዝሰምዕ።”—ካርላ።

ከም ካርላ ሙዚቃ ትፈቱ ዲኻ፧ ከምኡ እንተ ዀይኑ፡ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ብዛዕባ እቲ ዘለዎ ጥቕሚ ኽትፈልጥ፡ ካብቲ ዘለዎ ሓደጋ ኽትርሕቕ፡ እትሰምዖ ሙዚቃ ድማ ብጥበብ ክትመርጽ ክትሕግዘካ እያ።

  • ዘለዎ ጥቕሚ

  • ዘለዎ ሓደጋ

  • መዛኑኻ እንታይ ይብሉ፧

ዘለዎ ጥቕሚ

ሙዚቃ ምስማዕ ምስ ምግቢ ምብላዕ ኪመሳሰል ይኽእል እዩ። ሙዚቃ ዀነ ምግቢ፡ ጽቡቕ ዝዓይነቱን መጠኑ ዝሓለወን እንተ ዀይኑ፡ ኪጠቕመካ ይኽእል እዩ። ነዚ ዚስዕብ እስከ ርአ፦

  • ሙዚቃ ጽቡቕ ከም ዚስምዓካ ኺገብር ይኽእል።

    “ሕማቕ መዓልቲ እንተ ውዒለ፡ ዝፈትዎ ሙዚቃ ወሊዐ እሰምዕ፣ ፍዅስ ከኣ ይብለኒ።”—ማርክ።

  • ሙዚቃ ንዝሓለፈ እዋን ኬዘኻኽረካ ይኽእል።

    “ንዘሕለፍክዎ ጽቡቕ ግዜ ዜዘኻኽረኒ ሙዚቃ ኣሎ፣ ንዕኡ ኽሰምዖ ኸለኹ ሓጐስ ይስምዓኒ እዩ።”—ሺላ።

  • ሙዚቃ ሓያል ማእሰር ሓድነት ኪፈጥር ይኽእል።

    “ኣብ ኣህጉራዊ ኣኼባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከለኹ፡ ኵሎም እቶም ኣኼበኛታት ነታ ናይ መወዳእታ መዝሙር ምስ ዘመርዋ፡ ኣዒንተይ ቅጽርጽር ኢሉኒ። እተፈላለየ ቛንቋታት እንዛረብ እኳ እንተ ነበርና፡ እታ ሙዚቃ ግና ኣሕቢራትና እያ።”—ታሚ።

  • ሙዚቃ ጽቡቕ ባህርያት ከተማዕብል ኪሕግዝ ይኽእል።

    “መሳርሒ ሙዚቃ ምምሃር፡ ርእሰ ተግሳጽን ትዕግስትን ከተማዕብል ይሕግዘካ እዩ። ቀልጢፍካ እትመልኮ ነገር ኣይኰነን። ክትመሓየሽ እንተ ዄንካ ኣዘውቲርካ ኽትለማመድ ኣሎካ።”—ኣና።

ትፈልጥዶ፧ እታ ዝዓበየት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽሓፍ ዝዀነት መዝሙር፡ 150 መዝሙራት ዝሓዘት እያ።

ሓደ መንእሰይ ንእተበላሸወ ቱፋሕ ይርኢ

ከምቲ መሪጽካ ምግቢ እትበልዕ፡ መሪጽካ ሙዚቃ ስማዕ

ዘለዎ ሓደጋ

ገሊኡ ሙዚቃ፡ ልክዕ ከም እተበከለ ምግቢ፡ መርዛም ኪኸውን ይኽእል እዩ። ስለምንታይ ምዃኑ ርአ፦

  • ብዙሕ ደርፍታት ቅሉዕ ጾታዊ ግጥምታት ዝሓዘ እዩ።

    “ኵሉ ህቡብ ደርፍታት ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ጥራይ እዩ ዚመስል። ወረግ ሎምስ ክሸፋፍንዎ ኸማን ኣይፍትኑን እዮም።”—ሃና።

    መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ፦ “ምንዝርናን ኵሉ ርኽሰትን ወይስ ስስዐ . . . ኣባኻትኩም ከቶ ኣይሰማዕ።” (ኤፌሶን 5:3) ንርእስኻ፡ ‘ዝሰምዖ ሙዚቃ ነዚ ምኽሪ እዚ ኻብ ምስዓብ ዕንቅፋት ይዀነኒ ድዩ፧’ ኢልካ ሕተታ።

  • ገሊኡ ሙዚቃ ብጓሂ ኸም እትውሓጥ ኪገብረካ ይኽእል።

    “ሓድሓደ ግዜ፡ ለይቲ ኣብ ዓራተይ ኰይነ ሙዚቃ ኽሰምዕ ከለኹ፡ ገሊኡ ሙዚቃ ብዛዕባ ዜጨንቐኒ ነገራት ከም ዝሓስብን ብሓዘን ከም ዝውሓጥን ይገብረኒ እዩ። ዜሕዝን ሙዚቃ፡ ዜጨንቕ ነገራት ናብ ኣእምሮይ ከም ዚመጽእ ኪገብር ይኽእል እዩ።”—ታሚ።

    መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ፦ “ልዕሊ ዅሉ ንልብኻ ሓልዎ።” (ምሳሌ 4:23) ንርእስኻ፡ ‘ዝሰምዖ ሙዚቃ ኣብ ኣሉታዊ ነገራት ከም ዘተኵር ይገብረኒ ድዩ፧’ ኢልካ ሕተታ።

  • ገሊኡ ሙዚቃ ኸም እትቝጣዕ ኪገብረካ ይኽእል።

    “ቍጥዓ ዝመልኦን ንርእስኻ ዀነ ንኻልእ ከም እትጸልእ ዚገብርን ሙዚቃ፡ ስዉር ሓደጋ ዀይኑኒ እዩ። ከምዚ ዓይነት ሙዚቃ ድሕሪ ምስማዐይ፡ ኣብ ስምዒተይ ርኡይ ለውጢ ኸም ዜመጽኣለይ ኣስተብሂለ። ስድራ ቤተይ እውን ኣስተብሂሎምለይ እዮም።”—ጆን።

    መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ፦ “እዚ ዅሉ፡ ማለት ነድሪ፡ ቍጥዓ፡ ክፍኣት፡ ጸርፊ፡ ጽዩፍ ዘረባ ኻብ ኣፍኩም ኣርሕቑ።” (ቈሎሴ 3:8) ንርእስኻ፡ ‘ዝሰምዖ ሙዚቃ፡ ቍጡዕን ብስምዒት ካልኦት ከም ዘይግደስን ይገብረኒ ድዩ፧’ ኢልካ ሕተታ።

ቀንዲ ነጥቢ፦ መራጺ ኹን። ጁሊ ዝስማ መንእሰይ ከምኡ ኽትገብር እያ እትጽዕር። ከምዚ ኸኣ ትብል፦ “ነቲ ዝሰምዖ ሙዚቃ ብቐጻሊ እምርምሮ እየ፣ ነቲ ዘይግቡእ ምዃኑ እተገንዘብክዎ ኸኣ እድምስሶ እየ። እዚ ዅሉ ግዜ ቐሊል ኣይኰነን፣ ግናኸ፡ እዚ ቕኑዕ ነገር ከም ዝዀነ እፈልጥ እየ።”

ታራ እትብሃል መንእሰይ እውን ተመሳሳሊ ነገር ተማሂራ እያ። ከምዚ ትብል፦ “ሓድሓደ ግዜ፡ ጥዑም ህርመት ዘለዋ ደርፊ ኣብ ረድዮ ትመጽእ እሞ፡ ነቲ ግጥማ ምስ ሰማዕክዎ ነቲ ፈነወ ክቕይሮ ኸም ዘሎኒ አስተብህል እየ። ከምኡ ምግባር ልክዕ ከም ንርእሰይ ካብ ሓንቲ ንእሽቶ ጥራይ ዝጠዓምኩላ ምቅርቲ ዶልሺ ምኽልካል እዩ። ኰይኑ ግና፡ ኣብ ጾታዊ ርክብ ዜተኵር ሙዚቃ ኽነጽጎ ሓይሊ እንተ ኣልዩኒ፡ ቅድሚ መርዓ ጾታዊ ርክብ ንምግባር ክነጽጎ ዝያዳ ሓይሊ ኺህልወኒ ይኽእል እዩ። ነቲ ሙዚቃ ኣባይ ኪህልዎ ዚኽእል ጽልዋ ኣትሒተ ኽርእዮ ኣይደልን እየ።”

መዛኑኻ እንታይ ይብሉ፧

ኣቢጋይል

“ሙዚቃ ኣብ ስምዒትና ዓብዪ ለውጢ ኼምጽእ ይኽእል እዩ፣ እንተ ዘይተጠንቂቕና ኸኣ እቲ እንመርጾ ሙዚቃ ኣባና ኣሉታዊ ጽልዋ ኺገብር ይኽእል እዩ፣ ምሉእ ብምሉእ ክሳዕ ዚቈጻጸረና እውን ጽልዋኡ ኣይርድኣናን ይኸውን።”—ኣቢጋይል።

ሮበርት

“ኣብ ሒደት ኣጋጣሚ ጥራይ ዝሰማዕካያ ደርፊ ኻብ ኣእምሮኻ ምውጻእ ክትኣብየካ ትኽእል እያ። ስለዚ፡ ሓንቲ ደርፊ ሕማቕ እንተ ዀይና ብኡብኡ ኽትነጽጋ ዝሓሸ እዩ። እንተ ዘይኰይኑ፡ ኣብ ኣእምሮኻ ኽትቅረጽ እያ።”—ሮበርት።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ