ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwbq ዓንቀጽ 115
  • ብርቱዕ ጸበባ እንታይ እዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብርቱዕ ጸበባ እንታይ እዩ፧
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ኣብቲ “ብርቱዕ ጸበባ” እሙናት ኴንና ንመላለስ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2019
  • “እስከ ንገረና፡ እዚ መዓስ ኪኸውን እዩ፧”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • መንግስቲ ኣምላኽ ንጸላእታ ተጥፍኦም
    መንግስቲ ኣምላኽ ትገዝእ ኣላ!
  • እዛ ዓለም እዚኣ እትጠፍእ ብኸመይ እያ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
ዝያዳ ርአ
መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
ijwbq ዓንቀጽ 115
ካብቲ ብርቱዕ ጸበባ ዝደሓኑ ስድራ ቤት ኣብ ንሓድሕዶም ለጊቦም

ብርቱዕ ጸበባ እንታይ እዩ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

ብርቱዕ ጸበባ፡ ኣብ ታሪኽ ደቂ ሰብ ተራእዩ ዘይፈልጥ ብርቱዕ ግዜ ጭንቂ ኼምጽእ እዩ። ብመሰረት ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ፡ እዚ ፍጻመ እዚ፡ “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት” ወይ ኣብ “ግዜ መወዳእታ” እዩ ኼጋጥም። (2 ጢሞቴዎስ 3:1፣ ዳንኤል 12:4) ሽዑ፡ “ካብታ ኣምላኽ መጀመርታ ፍጥረት ዝፈጠረላ ኽሳዕ እቲ ግዜ እቲ ዘይኰነ፡ ከቶ ድማ ዘይከውን ጸበባ ኪኸውን እዩ።”—ማርቆስ 13:19፣ ዳንኤል 12:1፣ ማቴዎስ 24:21, 22።

ኣብ እዋን ብርቱዕ ጸበባ ዚህሉ ፍጻመታት

  • ጥፍኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖት። ናይ ሓሶት ሃይማኖት ብዜገርም ቅልጣፈ ኽትጠፍእ እያ። (ራእይ 17:1, 5፣ 18:9, 10, 21) ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዚውከሉ ፖለቲካዊ ሓይልታት ነዚ ስጕምቲ እዚ ብምውሳድ ፍቓድ ኣምላኽ ኪፍጽሙ እዮም።—ራእይ 17:3, 15-18።a

  • ኣብ ልዕሊ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ዚወርድ መጥቃዕቲ። ኣብቲ ህዝቅኤል ዝረኣዮ ራእይ፡ “ጎግ ብዓል ሃገር ማጎግ” ተባሂሎም ተጸዊዖም ዘለዉ ጕጅለ መንግስትታት፡ ንሰዓብቲ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ኬጽንቱ ኺፍትኑ እዮም። ኣምላኽ ግና ንኣምለኽቱ ኻብ ጥፍኣት ኬዕቍቦም እዩ።—ህዝቅኤል 38:1, 2, 9-12, 18-23።

  • ፍርዲ ተቐማጦ ምድሪ። የሱስ ንዅሎም ደቂ ሰብ ኪፈርድ፡ “ከምቲ ጓሳ ንኣባጊዕ ካብ ኣጣል ዚፈላልየን፡ ካብ ንሓድሕዶም ኪፈላልዮም እዩ።” (ማቴዎስ 25:31-33) ነዚ ፍርዲ እዚ መሰረት ዚኸውን ከኣ፡ እቲ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ነቶም ምስ የሱስ ኣብ ሰማይ ዚገዝኡ ‘ኣሕዋት’ ክርስቶስ ዝሃቦ ወይ ዘይሃቦ ደገፍ እዩ።—ማቴዎስ 25:34-46።

  • ምእካብ ገዛእቲ መንግስቲ ኣምላኽ። ምስ ክርስቶስ ኪገዝኡ እተሓርዩ እሙናት ሰባት፡ ምድራዊ ህይወቶም ወዲኦም ኣብ ሰማይ ንምንባር ኪትንስኡ እዮም።—ማቴዎስ 24:31፣ 1 ቈረንቶስ 15:50-53፣ 1 ተሰሎንቄ 4:15-17።

  • ኣርማጌዶን። እዚ “ውግእ እታ ዓባይ መዓልቲ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ፡” “መዓልቲ የሆዋ” ተባሂሉ እውን ይጽዋዕ እዩ። (ራእይ 16:14, 16፣ ኢሳይያስ 13:9፣ 2 ጴጥሮስ 3:12) እቶም ክርስቶስ ንጥፍኣት ዝፈረዶም ዘበሉ፡ ኪጠፍኡ እዮም። (ጸፎንያስ 1:18፣ 2 ተሰሎንቄ 1:6-10) እዚ ኸኣ ንጥፍኣት እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብሸውዓተ ዝርእሱ ኣራዊት ተመሲሉ ዘሎ ዓለምለኻዊ ፖለቲካዊ ስርዓት ዜጠቓልል እዩ።—ራእይ 19:19-21።

ድሕሪ ብርቱዕ ጸበባ ዚህሉ ፍጻመታት

  • ምእሳር ሰይጣንን ኣጋንንቱን። ሓደ ዓብዪ መልኣኽ ንሰይጣንን ንኣጋንንቱን ናብ “መዓሙቝ” ኺድርብዮም እዩ፣ እዚ መዓሙቝ እዚ ነቲ ኸም ሞት ዝበለ ምንም ንጥፈት ዘይብሉ ዅነታት የመልክት። (ራእይ 20:1-3) እቲ ሰይጣን ኣብ መዓሙቝ ዚህልዎ ዅነታት ምስ ማእሰርቲ ኺመሳሰል እውን ይኽእል እዩ፣ ኣብ ዝዀነ ይኹን ጕዳያት ጽልዋ ኣይኪህልዎን እዩ።—ራእይ 20:7።

  • ሽሓዊ ግዝኣት ይጅምር። መንግስቲ ኣምላኽ ነቲ ናይ 1,000 ዓመት ግዝኣታ ኽትጅምር እያ፣ እዚ ኸኣ ንደቂ ሰብ ብዙሕ በረኸት ኬምጽኣሎም እዩ። (ራእይ 5:9, 10፣ 20:4, 6) ቍጽሮም ዘይፍለጥ “ብዙሓት ህዝቢ” ‘ኻብቲ ብርቱዕ ጸበባ ኺወጹን’ ንምጅማር እቲ ኣብ ምድሪ ዚህሉ ሽሓዊ ግዝኣት ኪርእዩን እዮም።—ራእይ 7:9, 14፣ መዝሙር 37:9-11።

a ኣብ መጽሓፍ ራእይ፡ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ብዓባይ ባቢሎን ወይ “ዓባይ ኣመንዝራ” ተመሲላ ኣላ። (ራእይ 17:1, 5) እቲ ንዓባይ ባቢሎን ዜጥፍእ ቀይሕ ኣራዊት፡ ነቲ ንሃገራት ዓለም ኬሕብርን ኪውክልን ዝቘመ ዓለምለኻዊ ውድብ የመልክት። ኣብ ፈለማ እተኣሳሰራ መንግስትታት ኰይኑ ተቐልቂሉ ነይሩ፣ ሕጂ ኸኣ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኰይኑ ኣሎ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ