ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwyp ዓንቀጽ 59
  • ግብረ ሶዶም ጌጋ ድዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ግብረ ሶዶም ጌጋ ድዩ፧
  • መንእሰያት ዚሓትትዎ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
  • እዚ ኺብሃል ከሎ ግና፡ . . . 
  • እንተዀነ ግና፡ . . .
  • ካብ ግብረ-ሶዶም ብኸመይ ክርሕቕ እኽእል፧
    መንእሰያት ዚሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን፡ 2ይ ጥራዝ
  • መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ግብረ ሶዶም እንታይ ይብል፧
    ንቕሑ!—2016
መንእሰያት ዚሓትትዎ
ijwyp ዓንቀጽ 59
ክልተ ሰብኡትን ክልተ ኣንስትን ኢድ ንኢድ ተተሓሒዞም ዜርኢ ጽላሎታዊ ስእሊ

መንእሰያት ዚሓትትዎ

ግብረ ሶዶም ጌጋ ድዩ፧

“ብግዜ ንእስነተይ ሓደ ኻብቲ ኣዝዩ ዘሸግረኒ ዝነበረ ነገራት ስሕበት ሕደ ጾታ እዩ። ግዝያዊ ጥራይ ይመስለኒ እኳ እንተ ነበረ፡ ክሳዕ ሕጂ ግና የሳቕየኒ ኣሎ።”—ዴቪድ፡ 23።

ዴቪድ ንኣምላኽ ኬሐጕስ ዚደሊ ክርስትያን እዩ። ግናኸ፡ ብሕደ ጾታ እናተሳሕበ ንኣምላኽ ኬሐጕስ ይኽእል ድዩ፧ ኣምላኽ ብዛዕባ ግብረ ሶዶም እንታይ ይስምዖ፧

  • መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

  • እዚ ኺብሃል ከሎ ግና፡ . . .

  • እንተዀነ ግና፡ . . .

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ብዛዕባ ግብረ ሶዶም ዘሎ ኣረኣእያ ኻብ ባህሊ ናብ ባህሊ ይፈላለ፡ ወይ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ይቀያየር እዩ። ይኹን እምበር፡ ክርስትያናት ብዙሓት ብዚህብዎ ኣረኣእያ ኣይምርሑን፡ ወይ ‘ብዅሉ ንፋስ ትምህርቲ ንየው ነጀው ኣይክብከቡን’ እዮም። (ኤፌሶን 4:14) ኣብ ክንዳኡስ፡ ብዛዕባ ግብረ ሶዶም ኰነ፡ ብዛዕባ ዝዀነ ይኹን ምስ ስነ ምግባር እተተሓሓዘ ነገራት፡ በቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚህቦ ስርዓታት እዮም ዚምርሑ።

ንግብረ ሶዶም ዚምልከት ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንጹር እዩ። ቃል ኣምላኽ ከምዚ ይብል፦

  • “ከም ምስ ሰበይቲ ምድቃስ ጌርካ ምስ ሰብኣይ ኣይትደቅስ።”—ዘሌዋውያን 18:22።

  • “ኣምላኽ፡ . . . ከም ትምኒት ልቦም፡ . . . ንዜነውር ፍትወተ ስጋ ኣሕሊፉ [ሃቦም]፣ ከመይሲ፡ እተን ደቂ ኣንስትዮኦም ነቲ ባህርያዊ ርክብ፡ ናብ ዘይባህርያዊ ለዊጠናኦ።”—ሮሜ 1:24, 26።

  • “ኣይትታለሉ። ኣመንዝራታት ኰኑ፡ ኣምለኽቲ ጣኦት ኰኑ፡ ዘመውቲ ዀኑ፡ ኣባታቶም ግብረ ሶዶም ኪግበር ዚፈቕዱ ዀኑ፡ ግብረ ሶዶም ዚገብሩ ዀኑ፡ ሰረቕቲ ዀኑ፡ ስሱዓት ኰኑ፡ ሰኽራማት ኰኑ፡ ተጻረፍቲ ዀኑ፡ ወይ ዘረፍቲ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይኪወርስዋን እዮም።”—1 ቈረንቶስ 6:9, 10።

ከም ሓቂ፡ ስርዓታት ኣምላኽ ትምኒት ሕደ ጾታ ዀነ፡ ትምኒት ኣንጻር ጾታ ንዘለዎም ኵሎም ሰባት ብማዕረ ዚዓዪ እዩ። ስለዚ፡ ኵሉ ሰብ ንኣምላኽ ኣብ ዜጕህዮ ተግባራት ምስ ዚጽመድ፡ ርእሰ ግትኣት ኬርኢ ኣለዎ።—ቈሎሴ 3:5።

እዚ ኺብሃል ከሎ ግና፡ . . . 

እዚ ኺብሃል ከሎ ግና፡ መጽሓፍ ቅዱስ ግብረ ሶዶም ንዚገብሩ ሰባት ክንጸልኦም የተባብዕ ማለት ድዩ፧

ኣይፋሉን። መጽሓፍ ቅዱስ ንዝዀነ ይኹን ሰብ፡ ግብረ ሶዶማዊ ይኹን ኣይኹን፡ ክንጸልእ ኣየተባብዕን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣነባብራኡ ብዘየገድስ፡ ‘ምስ ኵሉ ሰብ ሰላም ስዓቡ’ ብምባል የተባብዓና እዩ። (እብራውያን 12:14) ስለዚ፡ ግብረ ሶዶም ንዚገብሩ ሰባት ምድንዳን፡ ምጽላእ፡ ወይ ብዝዀነ ይኹን መገዲ ምግፋዕ ጌጋ እዩ።

እዚ ኺብሃል ከሎ ግና፡ ክርስትያናት መውስቦ ሕደ ጾታ ንዜፍቅድ ሕጊ ኺቃወሙ ኣለዎም ማለት ድዩ፧

ንመውስቦ ዚምልከት ስርዓት ኣምላኽ፡ ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ዚግበር ጥራይ ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ ይሕብር እዩ። (ማቴዎስ 19:4-6) ይኹን እምበር፡ ብዛዕባ እቲ ሰባት ዜውጽእዎ ሕጊ መውስቦ ሕደ ጾታ ዚግበር ምይይይጥ፡ ምስ ፖለቲካ ደኣ እምበር ምስ ስነ ምግባር እተተሓሓዘ ጕዳይ ኣይኰነን። መጽሓፍ ቅዱስ ንክርስትያናት ካብ ፖለቲካዊ ጕዳያት ገለልተኛታት ኪዀኑ ይነግሮም እዩ። (ዮሃንስ 18:36) ስለዚ፡ ንመውስቦ ሕደ ጾታ ወይ ንግብረ ሶዶም ዚምልከት መንግስቲ ዘውጽኦ ሕጊ፡ ኣይድግፉን ወይ ኣይቃወሙን እዮም።

እንተዀነ ግና፡ . . .

እንተዀነ ግና፡ ሓደ ሰብ ኣብዚ እዋን እዚ ግብረ ሶዶም ይገብር እንተ ኣልዩኸ፧ እቲ ሰብ ኪቕየር ይኽእል ድዩ፧

እወ። ከመይሲ፡ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ሰባት ተቐይሮም እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ግብረ ሶዶም ዚገብሩ ሰባት መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርሱ ድሕሪ ምግላጹ፡ “ገሌኻትኩም ከኣ ከማታቶም ኔርኩም ኢኹም” ይብል።—1 ቈረንቶስ 6:11።

እዚ ኺብሃል ከሎ ግና፡ እቶም ግብረ ሶዶም ዚገብሩ ዝነበሩ እሞ ዘቋረጽዎ ሰባት፡ ናብቲ ናይ ቀደም ኣነባብራኦም ንኺምለሱ ዝዀነ ይኹን ዝንባለ የብሎምን ማለት ድዩ፧ ከምኡ ማለት ኣይኰነን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ብልክዕ ፍልጠት ዚሕደስ ዘሎ ሓድሽ ስብእና ልበሱ” ይብል። (ቈሎሴ 3:10) ለውጢ ዘየቋርጽ መስርሕ እዩ።

እንተዀነ ግና፡ ስርዓታት ኣምላኽ ኪሕሉ ዚደሊ ሰብ፡ ትምኒት ግብረ ሶዶም አንተ ኣልይዎኸ፧

ሓደ ሰብ ከምቲ ንኻልእ ትምኒት ዚገብሮ፡ ነዚ ትምኒት እዚ እውን ኪቐትሎ ወይ ኪትግብሮ ኺመርጽ ይኽእል እዩ። ብኸመይ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ብመንፈስ ተመላለሱ፡ ትምኒት ስጋ ድማ ከቶ ኣይክትፍጽሙን ኢኹም” ይብል።—ገላትያ 5:16።

እዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ ሓደ ሰብ ስጋዊ ትምኒት ከም ዘይህልዎ ኣይትገልጽን እያ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ስሩዕ መደብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስን ጸሎትን እንተ ኣልይዎ፡ ነዚ ትምኒት እዚ ንምቅላስ ሓይሊ ኺረክብ ይኽእል እዩ።

እቲ ኣብ መእተዊ እተጠቕሰ ዴቪድ፡ ብፍላይ እኳ ብዛዕባ ቓልሱ ንክርስትያን ወለዱ ምስ ኣካፈሎም፡ ሓቅነት ናይዚ ርእይዎ እዩ። “ካብ እንግድዓይ ከቢድ ጾር ከም እተላዕለ ዀይኑ እዩ ተሰሚዑኒ። ኣቐድም ኣቢለ ነጊረዮም ነይረ እንተ ዚኸውን፡ ብግዜ ንእስነተይ ሕጉስ ህይወት መሕለፍኩ ነይረ” ኸኣ በለ።

ምስ ስርዓታት የሆዋ እንተ ተሰማሚዕና፡ ሕጉሳት ኢና እንኸውን። ነቲ “ስርዓታት የሆዋ ጻድቕ እዩ፡ ንልቢ የሐጕሶ፡” “ንዕኡ ምሕላው ከኣ ዓብዪ ዓስቢ ኣለዎ” ዚብል ቃላት ንኣምነሉ ኢና።—መዝሙር 19:8, 11።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ