መንእሰያት ዚሓትትዎ
ዓርከይ እንተ ጐዲኡኒኸ፧
ክትፈልጦ ዘሎካ
ካብ ጸገም ናጻ ዝዀነ ሰብኣዊ ርክባት የልቦን። እትፈትዎ ዓርክኻ፡ ማለት ናይ ቀረባ ዓርከይ ኢልካ እትሓስቦ ሰብ እኳ ብዘይ ፍጽምና ምኽንያት ዚጐድኣካ ነገር ኪገብር ወይ ኪዛረብ ይኽእል እዩ። ንስኻ እውን እንተ ዀንካ ፍጹም ኣይኰንካን፣ ንኻልእ ሰብ ጐዲእካ ትፈልጥ ትኸውን ኢኻ።—ያእቆብ 3:2።
ኢንተርነት ብቐሊሉ ኺጐድኣካ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ዴቪድ እተባህለ መንእሰይ ከምዚ ይብል፦ “ኣብ ኦንላይን ዓርክኻ ኣብ ምትእኽኻብ እተሳእሎ ስእሊ ትርኢ፡ ደሓር፡ ‘ኣነኸ ስለምንታይ እየ ዘይተዓደምኩ፧’ ኢልካ ኽትሓስብ ትጅምር። እተጠለምካ ዀይኑ ስለ ዚስምዓካ ድማ ትሓዝን።”
ነቲ ጸገም ፍታሕ ክትረኽበሉ ጽዓር።
ክትገብሮ እትኽእል
ገዛእ ርእስኻ መርምር። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ኵራ መለለዪ ዓሻ እዩ እሞ፡ ንዅራ ኣይትተሃወኽ።”—መክብብ 7:9፡ እግረ ጽሑፍ።
“ሓድሓደ ግዜ እቲ ዘበሳጨወካ ነገር ክሳዕ ክንድቲ ኣገዳሲ ኸም ዘይነበረ ጸኒሕካ ትግንዘብ።”—ኣሊሳ።
ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ እምብዛ ተነቃፊ ዲኻ፧ ንዘይፍጽምና ኻልኦት ዝያዳ ተጻዋርነት ከተርኢ ትኽእልዶ፧—መክብብ 7:21, 22።
ይቕረ ምባል ንዘለዎ ረብሓታት ሕሰበሉ። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “በደል ዕሽሽ ምባል . . . የጸብቐሉ።”—ምሳሌ 19:11።
“ቅር ዜብል ነገር እኳ እንተ ሃለወካ፡ ብናጻ ይቕረ ምባል ጽቡቕ እዩ። እዚ ማለት ነቲ ጕዳይ መመሊስካ ዘይምልዓልን እቲ ሰብ ብዛዕባኡ ብተደጋጋሚ ይቕረታ ኺሓትተካ ዘይምጽባይን ማለት እዩ። ሓንሳእ ይቕረ ምስ በልካ ደጊምካ ኣይተልዕሎ።”—ማሎሪ።
ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ እቲ ጕዳይ ክሳዕ ክንድቲ ኣገዳሲ ድዩ፧ ምእንቲ ሰላም ኢልካ ይቕረ ኽትብል ትኽእልዶ፧—ቈሎሴ 3:13።
ኣብ ዕርክነት ንዘጋጠመ ነፍሲ ወከፍ ጸገም መመሊስካ ምልዓል፡ ናብ ሓደ ኣዝዩ ሞይቁ ዝነበረ ኽፍሊ ማዕጾ ኸፊትካ ቘራሪ ንፋስ ከም ምእታው እዩ
ብዛዕባ እቲ ሰብ ሕሰብ። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ንጥቕሚ ኻልኦት እውን እምበር፡ ንጥቕሚ ርእስኹም ጥራይ ኣይትጠምቱ።”—ፊልጲ 2:4።
“ኣብ ዕርክነት፡ ፍቕርን ኣኽብሮትን እንተ ኣልዩ፡ ንጸገማት ቀልጢፍካ ኽትፈትሖ ኢኻ እትፍትን። ምኽንያቱ ነቲ ዕርክነት ብዙሕ ስለ ዝጸዓርካሉ ኽብ ኣቢልካ ኢኻ እትርእዮ፣ ስለዚ ብቐሊሉ ኽትበትኮ ኣይትደልን ኢኻ።”—ኒኮል።
ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ኣብ ኣተሓሳስባ እቲ ሰብ ገለ ጽቡቕ ነገር ክትረክብ ትኽእልዶ፧—ፊልጲ 2:3።
ቀንዲ ነጥቢ፦ ስምዒትካ ኺጕዳእ ከሎ ብኸመይ ከም እትዋጽኣሉ ምፍላጥ፡ ምስ ዓበኻ ኺጠቕመካ ዚኽእል ክእለት እዩ። እሞ ደኣ ነዚ ኽእለት እዚ ኻብ ሕጂ ዘይተማዕብሎ፧