ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwyp ዓንቀጽ 75
  • ዓርከይ እንተ ጐዲኡኒኸ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ዓርከይ እንተ ጐዲኡኒኸ፧
  • መንእሰያት ዚሓትትዎ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ክትፈልጦ ዘሎካ
  • ክትገብሮ እትኽእል
  • ስለምንታይ እዩ ዓርከይ ጐዲኡኒ፧
    መንእሰያት ዚሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን፡ 2ይ ጥራዝ
  • ይቕረታ እንታይ እዩ፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ን“ንኣሽቱ” ኣይትዓንቅፍ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2021
  • ናይ ሓቂ ዓርኪ ኸመይ ዝበለ እዩ፧
    ንቕሑ!—2014
ዝያዳ ርአ
መንእሰያት ዚሓትትዎ
ijwyp ዓንቀጽ 75
ሓንቲ ጓል ንኻልእ ጓል ዚጐድእ ዘረባ ትዛረባ

መንእሰያት ዚሓትትዎ

ዓርከይ እንተ ጐዲኡኒኸ፧

  • ክትፈልጦ ዘሎካ

  • ክትገብሮ እትኽእል

  • መዛኑኻ እንታይ ይብሉ፧

ክትፈልጦ ዘሎካ

  • ካብ ጸገም ናጻ ዝዀነ ሰብኣዊ ርክባት የልቦን። እትፈትዎ ዓርክኻ፡ ማለት ናይ ቀረባ ዓርከይ ኢልካ እትሓስቦ ሰብ እኳ ብዘይ ፍጽምና ምኽንያት ዚጐድኣካ ነገር ኪገብር ወይ ኪዛረብ ይኽእል እዩ። ንስኻ እውን እንተ ዀንካ ፍጹም ኣይኰንካን፣ ንኻልእ ሰብ ጐዲእካ ትፈልጥ ትኸውን ኢኻ።​—ያእቆብ 3:2።

  • ኢንተርነት ብቐሊሉ ኺጐድኣካ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ዴቪድ እተባህለ መንእሰይ ከምዚ ይብል፦ “ኣብ ኦንላይን ዓርክኻ ኣብ ምትእኽኻብ እተሳእሎ ስእሊ ትርኢ፡ ደሓር፡ ‘ኣነኸ ስለምንታይ እየ ዘይተዓደምኩ፧’ ኢልካ ኽትሓስብ ትጅምር። እተጠለምካ ዀይኑ ስለ ዚስምዓካ ድማ ትሓዝን።”

  • ነቲ ጸገም ፍታሕ ክትረኽበሉ ጽዓር።

ክትገብሮ እትኽእል

ገዛእ ርእስኻ መርምር። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ኵራ መለለዪ ዓሻ እዩ እሞ፡ ንዅራ ኣይትተሃወኽ።”​—መክብብ 7:9፡ እግረ ጽሑፍ።

“ሓድሓደ ግዜ እቲ ዘበሳጨወካ ነገር ክሳዕ ክንድቲ ኣገዳሲ ኸም ዘይነበረ ጸኒሕካ ትግንዘብ።”​—ኣሊሳ።

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ እምብዛ ተነቃፊ ዲኻ፧ ንዘይፍጽምና ኻልኦት ዝያዳ ተጻዋርነት ከተርኢ ትኽእልዶ፧​—መክብብ 7:​21, 22።

ይቕረ ምባል ንዘለዎ ረብሓታት ሕሰበሉ። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “በደል ዕሽሽ ምባል . . . የጸብቐሉ።”​—ምሳሌ 19:11።

“ቅር ዜብል ነገር እኳ እንተ ሃለወካ፡ ብናጻ ይቕረ ምባል ጽቡቕ እዩ። እዚ ማለት ነቲ ጕዳይ መመሊስካ ዘይምልዓልን እቲ ሰብ ብዛዕባኡ ብተደጋጋሚ ይቕረታ ኺሓትተካ ዘይምጽባይን ማለት እዩ። ሓንሳእ ይቕረ ምስ በልካ ደጊምካ ኣይተልዕሎ።”​—ማሎሪ።

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ እቲ ጕዳይ ክሳዕ ክንድቲ ኣገዳሲ ድዩ፧ ምእንቲ ሰላም ኢልካ ይቕረ ኽትብል ትኽእልዶ፧​—ቈሎሴ 3:​13።

ናብ ሓደ ኣዝዩ ሞይቁ ዝነበረ ኽፍሊ ቘራሪ ንፋስ ምእታው

ኣብ ዕርክነት ንዘጋጠመ ነፍሲ ወከፍ ጸገም መመሊስካ ምልዓል፡ ናብ ሓደ ኣዝዩ ሞይቁ ዝነበረ ኽፍሊ ማዕጾ ኸፊትካ ቘራሪ ንፋስ ከም ምእታው እዩ

ብዛዕባ እቲ ሰብ ሕሰብ። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ንጥቕሚ ኻልኦት እውን እምበር፡ ንጥቕሚ ርእስኹም ጥራይ ኣይትጠምቱ።”​—ፊልጲ 2:4።

“ኣብ ዕርክነት፡ ፍቕርን ኣኽብሮትን እንተ ኣልዩ፡ ንጸገማት ቀልጢፍካ ኽትፈትሖ ኢኻ እትፍትን። ምኽንያቱ ነቲ ዕርክነት ብዙሕ ስለ ዝጸዓርካሉ ኽብ ኣቢልካ ኢኻ እትርእዮ፣ ስለዚ ብቐሊሉ ኽትበትኮ ኣይትደልን ኢኻ።”​—ኒኮል።

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ኣብ ኣተሓሳስባ እቲ ሰብ ገለ ጽቡቕ ነገር ክትረክብ ትኽእልዶ፧​—ፊልጲ 2:3።

ቀንዲ ነጥቢ፦ ስምዒትካ ኺጕዳእ ከሎ ብኸመይ ከም እትዋጽኣሉ ምፍላጥ፡ ምስ ዓበኻ ኺጠቕመካ ዚኽእል ክእለት እዩ። እሞ ደኣ ነዚ ኽእለት እዚ ኻብ ሕጂ ዘይተማዕብሎ፧

መዛኑኻ እንታይ ይብሉ፧

ኪያና

“ንነፍሲ ወከፍ ጕዳይ ክዘራረበሉ ኣሎኒ ማለት ኣይኰነን። ነቲ ጕዳይ ሸለል ክብሎ ዝኽእል እንተ ዀይነ ሸለል እብሎ እየ። ከምኡ ምግባር ብጢጥ ቅሚጥ ኣብ ክንዲ ምዝርራብ ሰላምካ ኽትዕቅብ የኽእለካ እዩ።”​—ኪያና።

ትረይ

“ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዜጋጥመኒ ዅነታት፡ ንገዛእ ርእሰይ ከምዚ ኢለ እሓትታ፡ ‘እቲ ጕዳይ ካብ ዕርክነተይ ዚበልጽ ድዩ፧’ ዳርጋ መብዛሕትኡ እዋን እቲ መልሲ ‘ኣይፋል’ ዝብል እዩ።”​—ትረይ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ