ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwbq ዓንቀጽ 139
  • መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ጾም እንታይ ይብል፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ጾም እንታይ ይብል፧
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ዘለዉ ገሊኦም ሰባት፡ ኣብ ከመይ ዝበለ ዅነታት ጾይሞም፧
  • ገለ ኻብቲ ዘይግቡእ ድራኸታት እንታይ እዩ፧
  • ጾም፡ ክርስትያናት ኬማልእዎ ዘለዎ ብቕዓት ድዩ፧
  • ብዛዕባ ጾም ዘሎ ግጉይ ርድኢት
  • ጾም ናብ ኣምላኽ ዝያዳ የቕርበካ ድዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ኣምላኽ ጾም ይደሊዶ ኢዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ጾም ግዜኡ ዘሕለፈ ድዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ብዛዕባ ጾም ሓተትዎ
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
ዝያዳ ርአ
መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
ijwbq ዓንቀጽ 139
ሓደ ሰብኣይ ጥራዩ ሸሓኒ ሒዙ ይጽሊ፡ ኣብ ጥቓኡ ዘለዉ ድማ ይበልዑ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ጾም እንታይ ይብል፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብቕኑዕ ድራኸ ዚግበር ጾም፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተቐባልነት ነይርዎ እዩ። እቲ ብዘይቅኑዕ ድራኸ ዚግበር ጾም ግና፡ ተቐባልነት ኣይነበሮን። ይኹን እምበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ሎሚ ንእንነብር ሰባት፡ ክንጸውም ኰነ ከይንጸውም ኣይእዝዝን እዩ።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ዘለዉ ገሊኦም ሰባት፡ ኣብ ከመይ ዝበለ ዅነታት ጾይሞም፧

  • ካብ ኣምላኽ ሓገዝን መምርሕን ንምድላይ። እቶም ናብ የሩሳሌም ዚጕዓዙ ዝነበሩ ህዝቢ፡ ካብ ኣምላኽ ሓገዝ ንምልማን ጾይሞም እዮም። (እዝራ 8:21-23) ጳውሎስን በርናባስን ሽማግለታት ኣብ ዚሸሙሉ እዋን ጾይሞም እዮም።—ግብሪ ሃዋርያት 14:23።

  • ኣብ ዕላማ ኣምላኽ ንምትኳር። የሱስ፡ ድሕሪ ጥምቀቱ ን40 መዓልቲ ጾይሙ እዩ፣ ነዚ ዝገበረ ድማ ኣብ ኣገልግሎቱ ፍቓድ ኣምላኽ ንምፍጻም ምእንቲ ኺዳሎ ኢሉ እዩ።—ሉቃስ 4:1, 2።

  • ካብ ሓጢኣቶም ከም እተነስሑ ንምግላጽ። ኣምላኽ ብነብዪ ዮኤል ኣቢሉ ነቶም ዘይእሙናት እስራኤላውያን፡ “ብዅሉ ልብኹም፡ ብጾምን ብብኽያትን ብዋይዋይታን ናባይ ተመለሱ” ኢልዎም ነይሩ እዩ።—ዮኤል 2:12-15።

  • ኣብ መዓልቲ ዕርቂ። ኣምላኽ ንህዝቢ እስራኤል ኣብታ ኣብ ዓመት ሓንሳእ እትህሉ መዓልቲ ዕርቂ፡ ኺጾሙ ኣዚዝዎም ነይሩ እዩ።a (ዘሌዋውያን 16:29-31) እስራኤላውያን ኣብቲ እዋን እቲ ምጻሞም ግቡእ እዩ ነይሩ፣ ከመይሲ፡ እዚ ዘይፍጹማት ምዃኖምን ምሕረት ኣምላኽ ከም ዜድልዮምን የዘኻኽሮም ነይሩ እዩ።

ገለ ኻብቲ ዘይግቡእ ድራኸታት እንታይ እዩ፧

  • ንኻልኦት ንምምሳጥ። ሃይማኖታዊ ጾም፡ እቲ ጸዋምን ኣምላኽን ጥራይ ዚፈልጥዎ ብሕታዊ ጉዳይ ኪኸውን ከም ዘለዎ፡ የሱስ ምሂሩ እዩ።—ማቴዎስ 6:16-18።

  • ንምምጽዳቕ። ሓደ ሰብ ስለ ዝጾመ፡ ብስነ ምግባራዊ ዀነ ብመንፈሳዊ መዳይ ብሉጽ ኣይከውንን እዩ።—ሉቃስ 18:9-14።

  • ደይ መደይ ኢልካ ንዚግበር ሓጢኣት ንምሽፋን። (ኢሳይያስ 58:3, 4) ጾም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቕቡል ምእንቲ ኪኸውን እቲ ጸዋሚ እዙዝ ኪኸውን፡ ንዝፈጸሞ ሓጢኣት ድማ ካብ ልቡ ኺንሳሕ ኣለዎ።

  • ሃይማኖታዊ ወግዒ ንምፍጻም። (ኢሳይያስ 58:5-7) ኣብዚ መዳይ እዚ ኣምላኽ ወላዲ እዩ፣ ሓደ ወላዲ፡ ውሉዳቱ ኻብ ልቦም ዘይኰነስ፡ ግዴታ ስለ ዝዀኖም ጥራይ ፍቕሮም ዚገልጹሉ እንተ ዀይኖም ይጕሂ እዩ።

ጾም፡ ክርስትያናት ኬማልእዎ ዘለዎ ብቕዓት ድዩ፧

ኣይፋልን። ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ኣብ መዓልቲ ዕርቂ ኺጾሙ ኣዚዝዎም ነይሩ እዩ፣ ይኹን እምበር፡ የሱስ ንሓጢኣት ዚንስሑ ሰባት ንሓዋሩ ምስ ኣተዓረቐ፡ እቲ ሕጊ ተደምሲሱ እዩ። (እብራውያን 9:24-26፣ 1 ጴጥሮስ 3:18) ክርስትያናት፡ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ ኣይኰኑን፣ መዓልቲ ዕርቂ ድማ ክፍሊ እቲ ሕጊ እዩ ነይሩ። (ሮሜ 10:4፣ ቈሎሴ 2:13, 14) ስለዚ፡ ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ንምጻም ወይ ንዘይምጻም ባዕሉ ኺውስን ኣለዎ።—ሮሜ 14:1-4።

ክርስትያናት፡ ጾም ቀንዲ ኣትኵሮ ኣምልኾኦም ከም ዘይኰነ ይፈልጡ እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ንጾም ምስ ሓጐስ ፈጺሙ ኣየተሓሕዞን እዩ። ብኣንጻሩ ግና፡ ሓጐስ ቀንዲ መለለዪ ናይ ሓቂ ክርስትና ምዃኑን እዩ ዚሕብር፣ ሓጐስ ከኣ ባህርይ እቲ “ሕጉስ ኣምላኽ” ዝዀነ የሆዋ እዩ።—1 ጢሞቴዎስ 1:11፣ መክብብ 3:12, 13፣ ገላትያ 5:22።

ብዛዕባ ጾም ዘሎ ግጉይ ርድኢት

ግጉይ ርድኢት፦ ክርስትያናት ነቲ የሱስ ድሕሪ ጥምቀቱ ኣብ በረኻ ን40 መዓልቲ ዝጾመ ጾም ንምዝካር፡ ኪጾሙ ኣለዎም።

ሓቂ፦ የሱስ ከምኡ ኺገብሩ ፈጺሙ ኣይኣዘዘን፣ ቀዳሞት ክርስትያናት ከም ዝጾሙ ዚሕብር ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓበሬታ እውን የልቦን።b

ግጉይ ርድኢት፦ ክርስትያናት ኣብ ዝኽሪ ሞት የሱስ ኪጾሙ ኣለዎም።

ሓቂ፦ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ሞቱ ንምዝካር ኪጾሙ ኣይኣዘዞምን። (ሉቃስ 22:14-18) ደቀ መዛሙርቱ ድሕሪ ሞቱ ኸም ዚጾሙ ኣብ እተዛረበሉ እዋን፡ ኪጾሙ ኣይኰነን ዚእዝዞም ነይሩ፣ የግዳስ፡ ኣብ መጻኢ እንታይ ከም ዚኸውን እዩ ዚገልጽ ነይሩ። (ማቴዎስ 9:15) መጽሓፍ ቅዱስ፡ ክርስትያናት ድራር ጐይታ ቕድሚ ምብዓሎም፡ ዝጠመየ እንተሎ ኪበልዕ መምርሒ ይህብ እዩ።—1 ቈረንቶስ 11:33, 34።

a ኣምላኽ ንእስራኤላውያን፡ ኣብ መዓልቲ ዕርቂ፡ “ርእስኹም ኣሕስሙ” ኢልዎም እዩ። (ዘሌዋውያን 16:29, 31) እዚ ሓሳብ እዚ ንጾም ከም ዜመልክት ጌርካ እዩ ዚውሰድ። (ኢሳይያስ 58:3) ኣብ ኮንቴምፖራሪ ኢንግሊሽ ቨርሽን እዛ ጥቕሲ ኸምዚ ዚስዕብ ትንበብ፦ “ካብ ሓጢኣትኩም ከም እተጣዓስኩም ንምርኣይ፡ ኣይትብልዑ።”

b ብዛዕባ ኣጀማምራ ጾም ኣርብዓ ኒው ካቶሊክ ኢንሳይክሎፔድያ ኸምዚ ዚስዕብ ትብል፦ “ኣብ ናይ መጀመርታ ሰለስተ ዘመን፡ ቅድሚ ፋስጋ [በዓል ትንሳኤ] ዚጽወም ጾም፡ እንተ ነውሐ ኻብ ሰሙን ኣይሓልፍን እዩ ነይሩ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ንሓደ ወይ ንኽልተ መዓልቲ እዩ ነይሩ። . . . እቲ ን40 መዓልቲ ምጻም ዚብል ሓሳብ ንፈለማ እዋን ኣብ ሓምሻይ ቀኖና ዋዕላ ኒቅያ (325) እዩ ተላዒሉ፣ እንተዀነ ግና፡ ገሊኦም ምሁራት እቲ ሽዑ እተላዕለ ሓሳብ ንጾም ኣርብዓ ዜመልክት እንተ ዀይኑ ይከራኸሩ እዮም።”—ካልኣይ ሕታም፡ 8ይ ጥራዝ፡ ገጽ 468።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ