ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwbq ዓንቀጽ 149
  • “ኣብ ክንዲ ዓይኒ፡ ዓይኒ” እንታይ ማለት እዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ኣብ ክንዲ ዓይኒ፡ ዓይኒ” እንታይ ማለት እዩ፧
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ዕላማ እቲ “ኣብ ክንዲ ዓይኒ፡ ዓይኒ” ዚብል ሕጊ እንታይ እዩ ነይሩ፧
  • እቲ “ኣብ ክንዲ ዓይኒ፡ ዓይኒ” ዚብል ሕጊ ንክርስትያናት ይምልከቶም ድዩ፧
  • ብዛዕባ እቲ “ኣብ ክንዲ ዓይኒ፡ ዓይኒ” ዚብል ሕጊ ዘሎ ግጉይ ርድኢት
  • ጥዕይቲ ዓይኒ ትሃልኻ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2004
  • ንሰማዕትኻ ብምጥማት ብሕታዊ ተገዳስነት ኣርኢ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2006
  • ናይ መዓልቲ ፍሉይ ኣኼባ ድግማ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2005
  • ንእስራኤላውያን እተዋህቦም ሕጊ ኣምላኽ፡ ፍትሓውን ቅኑዕን ድዩ ነይሩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
ዝያዳ ርአ
መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
ijwbq ዓንቀጽ 149
ዓይኒ ሰብ

“ኣብ ክንዲ ዓይኒ፡ ዓይኒ” እንታይ ማለት እዩ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

“ኣብ ክንዲ ዓይኒ፡ ዓይኒ” ዚብል ሕጊ፡ ክፍሊ እቲ ኣምላኽ ብሙሴ ኣቢሉ ንጥንታውያን እስራኤላውያን ዝሃቦ ሕጊ እዩ ነይሩ፣ የሱስ እውን ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከቱ ጠቒስዎ እዩ። (ማቴዎስ 5:38፣ ዘጸኣት 21:24, 25፣ ዘዳግም 19:21) በደልቲ ኪቕጽዑ ኸለዉ፡ እቲ መቕጻዕቲ ማዕረ እቲ ገበኖም ኪኸውን ከም ዚግባእ ድማ ይሕብር።a

እቲ ሕጊ ነቲ ሓደ ሰብ ኣብ ልዕሊ ኻልእ ሰብ ብፍላጥ ዜውርዶ ጕድኣት ዚምልከት እዩ ነይሩ። ሕጊ ሙሴ ብዛዕባ እቲ ደይ መደይ ኢልካ ዚግበር በደል፡ “ኣብ ክንዲ መስበርቲ፡ መስበርቲ፣ ኣብ ክንዲ ዓይኒ፡ ዓይኒ፣ ኣብ ክንዲ ስኒ፡ ስኒ። ከምቲ ንሱ ዝገበሮ ጕድኣት፡ ይገበር” ይብል።—ዘሌዋውያን 24:20።

  • ዕላማ እቲ “ኣብ ክንዲ ዓይኒ፡ ዓይኒ” ዚብል ሕጊ እንታይ እዩ ነይሩ፧

  • እቲ “ኣብ ክንዲ ዓይኒ፡ ዓይኒ” ዚብል ሕጊ ንክርስትያናት ይምልከቶም ድዩ፧

  • ብዛዕባ እቲ “ኣብ ክንዲ ዓይኒ፡ ዓይኒ” ዚብል ሕጊ ዘሎ ግጉይ ርድኢት

  • የሱስ ነቲ ግጉይ ሓሳብ ኣሪምዎ

ዕላማ እቲ “ኣብ ክንዲ ዓይኒ፡ ዓይኒ” ዚብል ሕጊ እንታይ እዩ ነይሩ፧

እቲ “ኣብ ክንዲ ዓይኒ፡ ዓይኒ” ዚብል ሕጊ፡ ውልቀ ሰባት ባዕሎም ሕነ ኺፈድዩ ዜፍቅድ ኣይነበረን። ኣብ ክንዳኡስ፡ እተሸሙ ፈራዶ ኺፈርዱ ኸለዉ፡ ከየኽበዱ ወይ ከየፍኰሱ ግቡእ መቕጻዕቲ ኪቐጽዑ ዚእዝዝ እዩ ነይሩ።

ብዘይካዚ፡ እቲ ሕጊ ንዝዀነ ይኹን ደይ መደይ ኢሉ ጕድኣት ዜውርድ ወይ ኬውርድ ዚሓስብ ሰብ፡ ከምኡ ኸይገብር ብኣጋኡ ይዓግቶ ነይሩ እዩ። እቲ ሕጊ፡ “እቶም ዝተረፉ ድማ [እቶም ፍትሒ ኣምላኽ ኪፍጸም ዝረኣዩ ሰባት] ኪሰምዑን ኪፈርሁን እዮም፣ ደጊም ከኣ ከምዚ ዝበለ ኽፉእ ኣብ መንጎኻ ኣይኪገብሩን እዮም” ይብል።—ዘዳግም 19:20።

እቲ “ኣብ ክንዲ ዓይኒ፡ ዓይኒ” ዚብል ሕጊ ንክርስትያናት ይምልከቶም ድዩ፧

ኣይፋልን፡ ክርስትያናት በዚ ሕጊ እዚ ኣይቅየዱን እዮም። እዚ ኽፍሊ ሕጊ ሙሴ እዩ ነይሩ፣ ሕጊ ሙሴ ኸኣ ብመስዋእቲ የሱስ ተሳዒሩ እዩ።—ሮሜ 10:4።

ይኹን እምበር፡ እቲ ሕጊ ብዛዕባ ኣተሓሳስባ ኣምላኽ ከነስተውዕል የኽእለና እዩ። ንኣብነት፡ ኣምላኽ ፍትሒ ኸም ዚፈቱ ይሕብረና እዩ። (መዝሙር 89:14) ብዛዕባ መለክዒ ፍትሑ እውን ይሕብረና እዩ፣ ማለት፡ በዳሊ “ብልክዕ” ኪግሰጽ ኣለዎ።—ኤርምያስ 30:11።

ብዛዕባ እቲ “ኣብ ክንዲ ዓይኒ፡ ዓይኒ” ዚብል ሕጊ ዘሎ ግጉይ ርድኢት

ግጉይ ርድኢት፦ “ኣብ ክንዲ ዓይኒ፡ ዓይኒ” ዚብል ሕጊ እምብዛ ኸቢድ እዩ።

ሓቂ፦ እቲ ሕጊ፡ ኣፈጻጽማ እቲ ፍትሒ ኸቢድን ሕሱምን ኪኸውን ስልጣን ዚህብ ኣይነበረን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ብግቡእ እንተ ተዓይዩሉ፡ ብቕዓት ዘለዎም ፈራዶ እዮም ንበዳሊ ግቡእ መቕጻዕቲ ዚቐጽዕዎ ነይሮም፣ ንሳቶም እውን ነቲ ጕዳይ ድሕሪ ምርኣዮምን እቲ በደል ክሳዕ ክንደይ ደይ መደይ ኢልካ ኸም እተገብረ ድሕሪ ምምርማሮምን እዮም መቕጻዕቲ ዚውስኑ ነይሮም። (ዘጸኣት 21:28-30፣ ዘሁልቍ 35:22-25) እምበኣር፡ እቲ “ኣብ ክንዲ ዓይኒ፡ ዓይኒ” ዚብል ሕጊ፡ ሚዛኑ ዘይሓለወ መቕጻዕቲ ኸይውሃብ ዚኽልክል እዩ ነይሩ።

ግጉይ ርድኢት፦ “ኣብ ክንዲ ዓይኒ፡ ዓይኒ” ዚብል ሕጊ፡ መወዳእታ ዘይብሉ ዓንኬል ምፍዳይ ሕነ ይፈቅድ እዩ።

ሓቂ፦ ሕጊ ሙሴ፡ “ኣብ ልዕሊ ደቂ ህዝብኻ ሕነ ኣይትፍደን ኣይትቀየምን” ይብል እዩ። (ዘሌዋውያን 19:18) ሰባት ብውልቂ ሕነ ኺፈድዩ ኣብ ክንዲ ዚፈቅድ፡ ኣብ ኣምላኽን ኣብቲ ንሱ ብዛዕባ ኣተሓሕዛ በደል ዝሰርዖ ስርዓትን እምንቶ ኼሕድሩ እዩ ዜተባብዕ ነይሩ።—ዘዳግም 32:35።

የሱስ ነቲ ግጉይ ሓሳብ ኣሪምዎ

የሱስ፡ ገሊኦም ሰባት ነቲ “ኣብ ክንዲ ዓይኒ፡ ዓይኒ” ዚብል ሕጊ ብጌጋ ኸም ዝተርጐምዎ ፈሊጡ ነይሩ እዩ። ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ከኣ ኣሪምዎም እዩ፦ “‘ኣብ ክንዲ ዓይኒ፡ ዓይኒ፣ ኣብ ክንዲ ስኒ፡ ስኒ’ ኸም እተባህለ ሰሚዕኩም ኣለኹም። ኣነ ግና፡ እብለኩም ኣለኹ፦ ንእኩይ ኣይትቃወምዎ፣ የግዳስ፡ የማነይቲ ምዕጕርትኻ ንዚጸፍዓካ ዘበለ፡ እታ ኻልአይቲ ምለሰሉ።”—ማቴዎስ 5:38, 39።

የሱስ “ከም እተባህለ ሰሚዕኩም ኣለኹም” ምባሉ ኣስተብህል። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ምፍዳይ ሕነ ብዛዕባ ዚምህሩ ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ እዩ ዚዛረብ ነይሩ ኪኸውን ዘለዎ። ኣዳም ክላርክ ዚብሃል ምሁር መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣይሁድ ነዚ ሕጊ እዚ [ኣብ ክንዲ ዓይኒ፡ ዓይኒ]፡ . . . ንውልቃዊ ቕሬታኦምን ንዅሉ እቲ ብናይ ምፍዳይ ሕነ መንፈስ ዚፍጽምዎ ሕሉፍ ተግባርን ምኽንያት ገይሮምዎ ዝነበሩ እዩ ዚመስል” ኢሉ ገሊጹ ኣሎ። እቶም መራሕቲ ሃይማኖት እቲኦም፡ ምፍዳይ ሕነ የተባብዑ ብምንባሮም፡ ነቲ ሕጊ ኣምላኽ ኬመሓላልፎ ዝደለየ መልእኽቲ ጠውዮምዎ እዮም።—ማርቆስ 7:13።

የሱስ ግና ኣብ ሕጊ ኣምላኽ ዘሎ ዓብላሊ መንፈስ፡ ፍቕሪ ምዃኑ ኣጕሊሑ እዩ። ብዛዕባ እዚ ኸምዚ ኢሉ እዩ፦ “‘ንየሆዋ ኣምላኽካ . . . ኣፍቅሮ።’ እዚኣ እታ ዓባይን ቀዳመይትን ትእዛዝ እያ። እታ እትመስላ ኻልአይታ እዚኣ እያ፦ ‘ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ።’ ብምሉኡ ሕግን ነብያትን ኣብዘን ክልተ ትእዛዛት እዚአን ተመስሪቱ ኣሎ።” (ማቴዎስ 22:37-40) የሱስ፡ መለለዪ ናይ ሓቂ ሰዓብቱ፡ ምፍዳይ ሕነ ዘይኰነስ፡ ፍቕሪ ምዃና ምሂሩ እዩ።—ዮሃንስ 13:34, 35።

a እዚ ሓድሓደ ብላቲን ለክስ ታሊዮኒስ ብዚብል ቃላት ዚጽዋዕ መሰረታዊ ሕጊ እዚ፡ ኣብ ሕጋዊ ስርዓት ገሊኦም ናይ ጥንቲ ሕብረተ ሰባት እውን ተንጸባሪቑ ነይሩ እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ