ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwyp ዓንቀጽ 81
  • እንተ ሰልክዩኒ፡ እንታይ ክገብር እኽእል፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • እንተ ሰልክዩኒ፡ እንታይ ክገብር እኽእል፧
  • መንእሰያት ዚሓትትዎ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ክትፈልጦ ዘሎካ
  • ክትገብሮ እትኽእል
  • ኣብ ገነት ንዘለኣለም ምንባር ዜሰልኪ ኪኸውን ድዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ንዘለኣለም ክትነብር ትደሊዶ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
መንእሰያት ዚሓትትዎ
ijwyp ዓንቀጽ 81
ሓደ መንእሰይ ኣብ ጥቓኡ ብዙሕ ኤሌክትሮኒካዊ መሳርሒታት እኳ እንተሎ፡ ንሱ ግና ኣንቃዕሪሩ ናብ ናሕሲ ይጥምት

መንእሰያት ዚሓትትዎ

እንተ ሰልክዩኒ፡ እንታይ ክገብር እኽእል፧

ገሊኦም ሰባት፡ ብመዓልቲ ዝናም ብዘይ ገለ ዕዮ ኣብ ገዛ ተዓጺኻ ኾፍ ምባል ኣመና ይኸብዶም እዩ። ሓደ ሮበርት ዝስሙ መንእሰይ፡ “ኣብ ከምዚ ዝበለ እዋን፡ ዝገብሮ ስለ ዝጠፍኣኒ ስቕ ኢለ ኾፍ እብል” ኢሉ እዩ።

ንስኻኸ ከምዚ ተሰሚዑካዶ ይፈልጥ፧ ከምኡ ተሰሚዑካ ዚፈልጥ እንተ ዀይኑ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኽትሕግዘካ እያ!

  • ክትፈልጦ ዘሎካ

  • ክትገብሮ እትኽእል

  • መዛኑኻ እንታይ ይብሉ፧

ክትፈልጦ ዘሎካ

  • ተክኖሎጂ ምጥቃም ኣይሕግዘካን እዩ።

    ኢንተርነት ምርኣይ ግዜ የሕልፈልካ ይኸውን፣ ኰይኑ ግና፡ እዚ ንኣእምሮኻ ሓድሽ ነገር ከይምህዝ ስለ ዚዓግቶ፡ ንስልክይና ኣበርክቶ ኺገብር ይኽእል እዩ። ብዛዕባ እዚ ሓደ ጀረሚ ዝስሙ ወዲ 21 ዓመት መንእሰይ፡ “ኣብ ስክሪን ጥራይ ስለ እተፍጥጥ፡ ኣእምሮኻ ብግቡእ ኣይዓዪን እዩ” ይብል።

    ሓንቲ ኢሌና እትብሃል መንእሰይ እውን በዚ ሓሳብ እዚ ትሰማማዕ እያ። ከምዚ ድማ ትብል፦ “ብተክኖሎጂ ኽትገብሮ እትኽእል ነገር ድሩት እዩ። ተክኖሎጂ ንኣቓልቦኻ ይሰርቆ እዩ፣ ስለዚ ንመሳርሒኻ ምስ ኣቐመጥካያ ዝገደደ እዩ ዚስልክየካ!”

  • ኣረኣእያ ለውጢ የምጽእ እዩ።

    ብስራሕ ትሑዝ ምዃን ጥራይ፡ ከይስልክየካ ይሕግዝ ድዩ፧ እዚ ነገር እዚ ኣብቲ ነቲ ስራሕ ዘሎካ ተገዳስነትካ ይምርኰስ እዩ። ንኣብነት፡ ሓንቲ ካረን ዝስማ መንእሰይ ከምዚ ትብል፦ “ኣብ ቤት ትምህርቲ ምሉእ መዓልቲ እውዕል እኳ እንተ ነበርኩ ትምህርቲ ኣመና እዩ ዜሰልክየኒ ነይሩ። ምእንቲ ኸይስልክየካ፡ ኣብቲ እትገብሮ ዘለኻ ንጥፈት ክትሳተፍ ኣሎካ።”

ትፈልጥዶ፧ ናጻ ግዜ እንተ ኣልዩካ፡ ነዚ ኸም ዕንቅፋት ዘይኰነስ ኸም ጽቡቕ ኣጋጣሚ ርኣዮ፣ ኣብዚ ፍርያም መሬት እዚ ሓድሽ ክእለት ከተብቍል ትኽእል ኢኻ።

ሓንቲ ኣብ ባዞ እተተኽለት ተኽሊ፡ ጊታርን ብርዕን ወረቐትን መዳወሲ ሕብርታትን ተብቍል።

እትረኽቦ ናጻ ግዜ፡ ሓድሽ ክእለት ኪበቚለሉ ኸም ዚኽእል ፍርያም መሬት እዩ

ክትገብሮ እትኽእል

ሓድሽ ነገራት ፈትን። ምስ ሓደስቲ ሰባት ተላለ። መሕለፊ ግዜ ዚኸውን ንጥፈታት ጀምር። ብዛዕባ ሓድሽ ርእሰ ነገራት ምርምር ግበር። ኣብ እተፈላለየ ነገራት ዚነጥፉ ሰባት በይኖም ኪዀኑ ኸለዉ፡ ኣይስልክዮምን እዩ፣ ንኻልኦት ድማ ኣየሰልክዩን እዮም!

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ኢድካ ኽትገብሮ እትረኽቦ ዘበለ፡ ብዅሉ ሓይልኻ ግበሮ።”—መክብብ 9:10።

“ኣብ ቀረባ እዋን ማንዳሪን ቻይንኛ ኽምሃር ጀሚረ፣ ነቲ ቛንቋ መዓልቲ መዓልቲ ኽለማመድ ከለኹ ድማ፡ ከምዚ ዓይነት ትምህርቲ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዜሐጕስ ተገንዚበ። ሓድሽ ፕሮጀክት ሓንጺጽካ ምዕያይ እፈቱ እየ። ንኣእምሮይ ትሑዝ ይገብሮ እዩ፣ ንግዜይ ድማ ብግቡእ ክጥቀመሉ ይሕግዘኒ እዩ።”—መሊንዳ።

ኣብ ዕላማኻ ኣተኵር። ኣገዳስነት እቲ እትዓይዮ ዕዮ እንተ ተገንዚብካ፡ ነቲ ዕዮ ብዝያዳ ኽትፈትዎ ኢኻ። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ዕዮ ትምህርትኻ ምዕያይ እኳ ኣይኪስልክየካን እዩ።

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ንሰብሲ . . . ብጻዕሩ ኻብ ምሕጓስ . . . ዚሓይሽ ሓንቲ እኳ የብሉን።”—መክብብ 2:24።

“ኣብ ትምህርቲ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ ብኣጋኡ አጽንዕ ስለ ዘይነበርኩ፡ ኣብ ኣጋ ምውዳኡ መዓልቲ መዓልቲ ንሸሞንተ ሰዓት አጽንዕ ነይረ። እሞኸ ሰልክዩኒዶ፧ ንኣእምሮይ ናብኡ ስለ ዘተኰርክዎ ኣይሰልከየንን። ኣብ ሸቶይ፡ ማለት ኣብ ምረቓ እየ ኣተኲረ፡ እዚ ድማ ሓቦ ዀይኑኒ እዩ።”—ሃና።

ነቲ ኽትቅይሮ ዘይትኽእል ነገራት ተቐበሎ። ዋላ እውን እቲ ኣመና እትፈትዎ ንጥፈታት፡ ዜስልኪ መዳያት ይህልዎ እዩ። ሓድሓደ እዋን ድማ ናይ ቀረባ ፈተውትኻ ቘጸራ ኺስርዙን ብዘይ መደብ ኬትርፉኻን ይኽእሉ እዮም። ከምዚ እንተ ኣጋጢሙካ ኣብ ክንዲ በቲ ዅነታት እትበሳጮ፡ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኽትሕዝ ፈትን።

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ሕጉስ ልቢ ዘለዎ ግና ብቐጻሊ ድግስ ኣለዎ።”—ምሳሌ 15:15።

“ሓንቲ መሓዛይ ሓድሓደ እዋን በይነይ ምዃን ክጸልኦ ኸም ዘይብለይ ነጊራትኒ። ሓደ ሰብ ነቲ ምስ ሰባት ዜሕልፎ ግዜን ምስ ገዛእ ርእሱ ዜሕልፎ ግዜን ብግቡእ ምምቕራሕ፡ ኣብ ህይወትካ እትምሃሮ ጽቡቕ ክእለት ምዃኑ ነጊራትኒ።”—ኣይቪ።

መዛኑኻ እንታይ ይብሉ፧

ሃና

“ዜሐጕስ ናብራ ዘለዎም ብዚመስሉ ሰባት እቐንእ ነይረ። ደሓር ግና ንሳቶም እውን ከም ሰቦም ኣብ እተፈላለየ ንጥፈታት ዚሳተፉ ምዃኖም ተገንዚበ። ስለዚ ኸምኡ ኽገብር ጀሚረ። ግዜ ዜሕልፍ ነገራት ክገብርን ንእተፈላለየ ርእሰ ነገራት ምርምር ክገብርን ጀሚረ። ብዛዕባ ዓለም ብዝያዳ እናፈለጥካ ብዝኸድካ መጠን፡ ብዙሕ ዜደንቕ ነገራት ስለ እትምሃር፡ ኣይስልክየካን እዩ።”—ሃና።

ካሌብ

“ኰተቴ ኸለኹ፡ ኪስልክየኒ ኸሎ ጸወታታት ቪድዮ እጻወት ነይረ። ምስ ዓበኹ ግና ጸወታታት ቪድዮ መሊሱ ዜጋድድ ምዃኑ ተገንዚበ። ንኣእምሮኻ ይሕዞ እዩ፣ ተጻዊትካ ምስ ወዳእካ ግና ዋላ ሓንቲ ነገር ኣይዓመምካን። ስለዚ፡ ንግዜይ ብዝሓሸ ኽጥቀመሉ ጀሚረ።”—ካሌብ።

ሚከይላ

“ቅድሚ ሕጂ፡ መዓልትታት ይነውሓንን ኣመና ይስልክየንን ነይሩ፣ ድሕሪ ግዜ ግና ሰባት ምሳታቶም ግዜ ኼሕልፍ ኪዕድሙኒ እንተ ደልየ፡ ኣነ ተበግሶ ኽወስድ ከም ዘሎኒ ተገንዚበ። ስለዚ ኸምኡ ኽገብር ጀሚረ፡ እዚ ድማ ብዙሕ ሓጊዙኒ እዩ። ሕጂ፡ ንበይነይ ዝዀነሉ ብዙሕ ግዜ ስለ ዘይረክብ፡ ግዜ ኽረክብ ከለኹ እሕጐስ እየ!”—ሚከይላ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ