ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwyp ዓንቀጽ 82
  • ከመይ ገይረ እየ ንግዜይ ከመሓድሮ ዝኽእል፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ከመይ ገይረ እየ ንግዜይ ከመሓድሮ ዝኽእል፧
  • መንእሰያት ዚሓትትዎ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ስለምንታይ ኢኻ ግዜኻ ኸተመሓድሮ ዘሎካ፧
  • ክትገብሮ እትኽእል
  • ሓይለይ ምእንቲ ኸይጽንቀቕ እንታይ ክገብር እኽእል፧
    መንእሰያት ዚሓትትዎ
  • ንግዜኻ ብኸመይ ብጥበብ ከም እትጥቀመሉ
    ንቕሑ!—2014
መንእሰያት ዚሓትትዎ
ijwyp ዓንቀጽ 82
ሓደ መንእሰይ በቲ ንግዜኡ ዘመሓደረሉ መገዲ ይጕሂ—ዕዮ ገዛ ቕድሚ ምዕያዩ፡ ኵዕሶ ይጻወት፡ ተለቪዥን እውን ይርኢ

መንእሰያት ዚሓትትዎ

ከመይ ገይረ እየ ንግዜይ ከመሓድሮ ዝኽእል፧

  • ስለምንታይ ኢኻ ግዜኻ ኸተመሓድሮ ዘሎካ፧

  • ክትገብሮ እትኽእል

  • መዛኑኻ እንታይ ይብሉ፧

ስለምንታይ ኢኻ ግዜኻ ኸተመሓድሮ ዘሎካ፧

  • ግዜ ኸም ገንዘብ እዩ። እንተ ኣባኺንካዮ፡ ኬድልየካ ኸሎ ኣይክትረኽቦን ኢኻ። በቲ ሓደ ሸነኽ ግና፡ ንግዜኻ እንተ ኣካዊንካዮ፡ ነቲ እትፈትዎ ነገር ንምግባር፡ እተወሰነ ተረፍ ኪህልወካ እዩ።

    ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ሃካይ ሃረር ይብል እሞ፡ ሓንቲ እኳ ኣይረክብን፣ ትጉሃት ግና ምሉእ ብምሉእ ይጸግቡ።”—ምሳሌ 13:4።

    ቀንዲ ነጥቢ፦ ምሕደራ ግዜ ንናጽነትካ ዚንኪ ዘይኰነስ፡ ንናጽነትካ ዚውስኽ እዩ።

  • ምሕደራ ግዜ ምስ ዓበኻ ኣጸቢቑ ዚጠቕመካ ኣገዳሲ ኽእለት እዩ። ብምኽንያት እዚ ስራሕ ሒዝካ ኽትቅጽል ወይ ካብ ስራሕ ክትባረር ትኽእል ኢኻ። ንስኻ እውን ትካል እንተ ዚህልወካ፡ ብተደጋጋሚ ደንጕዩ ንዚመጽእ ሰራሕተኛ ኣብ ስራሑ ኪቕጽል ምፈቐድካሉዶ፧

    ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ብንእሽቶ እሙን ዝዀነ፡ ብብዙሕ እውን እሙን እዩ።”—ሉቃስ 16:10።

    ቀንዲ ነጥቢ፦ ግዜ ናይ ምምሕዳር ክእለትካ፡ እንታይ ዓይነት ሰብ ከም ዝዀንካ ይገልጽ እዩ።

ልክዕ እዩ፡ ምሕደራ ግዜ ግና ቀሊል ኣይኰነን። ሒደት ዕንቅፋታት እስከ ንርአ።

ዕንቅፋት #1፦ ኣዕሩኽ

“መሓዙተይ ሓቢርና ኽንወጽእ እንተ ሓቲተናኒ፡ ዋላ እውን ግዜ ኣይሃልወኒ ዳርጋ ዅሉ ሳዕ ምሳታተን እኸይድ እየ። ‘ደሓን፡ ገዛ ምስ ተመለስኩ፡ ተቐላጢፈ ኽሰርሖ እየ’ ኢለ እሓሰብ። ከምኡ ግና ኵሉ ሳዕ ኣይከውንን እዩ፣ ብሰንኪ እዚ ኸኣ ነገራት ኣመና ተበላሽዩ እዩ።”—ሲንቲያ።

ዕንቅፋት #2፦ መስገሊታት

“ቲቪ ኸም መጻዪት ደሮና (ቫክዩም ክሊነር) እዩ። በቲ ንምጽራሩ ዜጸግም መደባቱን ፊልምታቱን ይውሕጠካ እዩ።”—ኣይቪ።

“ኣብ ታብለተይ ሰዓታት አባኽን እየ። ባትሪ እንተ ዘይወዲኣ ደው ዘየብል ብምዃነይ ሕማቕ ይስምዓኒ እዩ።”—ሜሪ።

ዕንቅፋት #3፦ ውዘፋ

“ንዕዮ ትምህርተይን ንዝዀነ ይኹን ክዓይዮ ዘሎኒ ነገራትን እውዝፎ እየ። ዕዮይ ክውድኣሉ ዘለዎ ግዜ ኽሳዕ ዚኣክል፡ ስራሕ ዕሽነት እናዓየኹ ግዜይ አባኸን እየ፣ እዚ ጽቡቕ ምሕደራ ግዜ ኣይኰነን።”—በት።

ሓደ መንእሰይ በቲ ንግዜኡ ዘመሓደረሉ መገዲ ይሕጐስ—ፈለማ የንብብ፡ ድሕሪኡ ዕዮ ገዛ ይዓዪ፡ ንጸወታ ዅዕሶ እግሪ ዚኸውን ግዜ እውን ይረክብ

ምሕደራ ግዜ ንናጽነትካ ዚንኪ ዘይኰነስ፡ ንናጽነትካ ዚውስኽ እዩ

ክትገብሮ እትኽእል

  1. ክትዓምሞ ዜድልየካ ነገራት ዘርዚርካ ጽሓፍ። ንኣብነት፡ ካብ ቤተ ሰብካ ዀነ ኻብ ቤት ትምህርትኻ ዚውሃበካ ዕዮ ኽትዝርዝር ትኽእል ኢኻ። ኣብ ሰሙን ንነፍሲ ወከፍ ዕማም ክንደይ ዚኣክል ግዜ ኸም ዜድልየካ ጽሓፍ።

    ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ‘እቲ ዚሓይሽ መርምሩ።’—ፊልጲ 1:10።

  2. ኣብ ትርፊ ግዜኻ ኽትገብሮ እትኽእል ነገራት ዘርዚርካ ጽሓፍ። እዚ ድማ ማሕበራዊ መራኸቢታት ምጥቃምን ቲቪ ምርኣይን ኬጠቓልል ይኽእል እዩ። ኣብዚ እውን፡ ኣብ ሰሙን ንነፍሲ ወከፍ ንጥፈት ክንደይ ዚኣክል ግዜ ኸም ዜድልየካ ጽሓፍ።

    ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ንግዜኹም ብዝበለጸ እናተጠቐምኩም፡ . . . ብጥበብ ተመላለሱ።”—ቈሎሴ 4:5።

  3. መደብ ኣውጽእ። ንኽልቲኡ እቲ ዝጸሓፍካዮ ዝርዝር መሊስካ ተመልከቶ። ነቲ ኣገዳሲ ዕማም እኹል ግዜ ሂብካዮዶ፧ ካብቲ ንምዝንጋዕ ዝመደብካዮ ግዜ ኽትዕድግ የድልየካ ደዀን ይኸውን፧

    ምኽሪ፦ ንመዓልታዊ ንጥፈታትካ ጽሓፎ፣ ዘዝወዳእካዮ ኸኣ ምልክት ገበረሉ።

    ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ውጥናት ትጉህ ብርግጽ ናብ ኣሳልጦ ይመርሕ።”—ምሳሌ 21:5።

  4. ካብ መደብካ ፈልከት ኣይትበል። ከምዚ ንምግባር፡ ሓድሓደ ግዜ ኣገዳሲ ነገራት ምእንቲ ኽትዓምም ኢልካ፡ ኣብ ማሕበራዊ ነገራት ንምስታፍ ዚቐርበልካ ዕድመ ኣይትቕበልን ትኸውን። ብሓፈሻኡ ግና ዝያዳ ናጻ ግዜ ኽትረክብ፡ ብእኡ ድማ ክትሕጐስ ኢኻ።

    ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ትግሁ፡ ኣብ ዕዮኹም ኣይትተሃከዩ።”—ሮሜ 12:11፡ እግረ ጽሑፍ።

  5. ከም ዓስቢ ጻዕርኻ፡ ዜሐጕሰካ ነገር ግበር—ግናኸ፡ ብኣጋኡ ኣይኹን። ታራ ዝስማ መንእሰይ ከምዚ ትብል፦ “ሓድሓደ ግዜ፡ ካብቲ ኽገብሮ ዝመደብኩ ነገራት ክልተ ነገር እዛዝም እሞ፡ ‘ን15 ደቒቕ ቲቪ ርእየ ናብ ስራሕ ክምለስ እየ’ እብል። 15 ደቒቕ ናብ 30 ደቒቕ፡ 30 ደቒቕ ከኣ ናብ ሰዓት ይነውሕ፣ ከይተፈለጠኒ ኸኣ ክልተ ሰዓት ኣብ ቲቪ አባኽን!”

    እሞ ደኣ ነዚ እንታይ እዩ ፍታሑ፧ ንመዘናግዒ ኸም ዘይተርፍ ክፍሊ መዓልታዊ ህይወትካ ዘይኰነስ፡ ስራሕካ ምስ ዛዘምካ ኸም እትረኽቦ ዓስቢ ጌርካ ርኣዮ።

    ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ንሰብሲ . . . ብጻዕሩ ኻብ ምሕጓስ . . . ዚሓይሽ ሓንቲ እኳ የብሉን።”—መክብብ 2:24።

መዛኑኻ እንታይ ይብሉ፧

ሻያን

“ክዓምሞ ዘሎኒ ነገር ምእንቲ ኽርኢ፡ ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ መደብ እሕዝ እየ። ዋላ እውን ነቲ ሓይለይ ምእንቲ ኺሕደስ ኢለ ዘሕልፎ ጸጥ ዝበለ ግዜ ኣብ መደበይ እጽሕፎ እየ። ንጹር መደብ ስለ ዝገብር፡ ኣብ ልዕሊ ገዛእ ርእሰይ መዓስ ጥብቂ፡ መዓስ ከኣ ተዓጻጻፊት ክኸውን ከም ዘሎኒ ንጹር ስእሊ ይህበኒ እዩ።”—ሻያን።

ሳሙኤል

“ክገብሮ ንዘይክእል ነገራት ምእባይ ተማሂረ እየ። ምእባይ ከቢድ ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ ክሕግዝ ዘይከኣልኩሉ ምኽንያት፡ ነቲ ነገር ምሉእ ቈላሕታይ ክህብ ብዘይምኽኣለይ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጸይ በዚ ዝጐሃየ ሰብ ግና ኣጋጢሙኒ ኣይፈልጥን እዩ።”—ሳሙኤል።

ብሩክሊን

“መደባት ኣመና ኺጻበበኒ ኸሎ፡ ንድቃሰይ ወይ ንምውስዋስ ኣካላተይ ዕሽሽ እብሎ እየ። ሓድሓደ ግዜ ግና፡ እታ ኣብ ድቃስ ዘሕልፋ ተወሳኺት ሰዓት ወይ እቲ ኣብ ምውስዋስ ኣካላት ዘሕልፎ ግዜ፡ ንጽብሒቱ ጽቡቕ ክዓምምን ብዝያዳ ኽሕጐስን ኣበርክቶ ይገብር እዩ። ንጥዕናኻ ምክንኻን ኣገዳሲ እዩ።”—ብሩክሊን።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ