ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwyp ዓንቀጽ 84
  • ስለምንታይ እየ ዅሉ ሳዕ ጌጋ ዘረባ ዝዛረብ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ስለምንታይ እየ ዅሉ ሳዕ ጌጋ ዘረባ ዝዛረብ፧
  • መንእሰያት ዚሓትትዎ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ስለምንታይ እየ ጌጋ ዘረባ ዝዛረብ፧
  • ንልሳን ምግራሕ
  • ንልሳን ብምቍጽጻር ፍቕርን ኣኽብሮትን ምርኣይ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • ልሳንካ ንጽቡቕ ተጠቐመሉ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • “ስቕ ንምባል ጊዜ አለዎ: ንምዝራብ ድማ ጊዜ አለዎ”
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • “ንምህናጽ ዜድሊ ዘበለ ጽቡቕ ቃል” ተዛረብ
    ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ብኸመይ ትጸንዕ፧
ዝያዳ ርአ
መንእሰያት ዚሓትትዎ
ijwyp ዓንቀጽ 84
ሓደ መንእሰይ ነቲ ኻብ ኣፉ ዝወጸ ቓላት ኪሕዞ ይፍትን

መንእሰያት ዚሓትትዎ

ስለምንታይ እየ ዅሉ ሳዕ ጌጋ ዘረባ ዝዛረብ፧

“ሓድሓደ ግዜ ንልሳነይ እቈጻጸራ እየ፣ ሓድሓደ ግዜ ግና ኣፈይ ብዘይ ሓንጐለይ ዚዛረብ እዩ ዚመስል!”—ጄምስ።

“ክጭነቕ ከለኹ፡ ከይሓሰብኩ እዛረብ እየ፣ ፍዅስ ኪብለኒ ኸሎ ድማ፡ ካብቲ ግቡእ ንላዕሊ እዛረብ እየ። ስለዚ፡ ኵሉ ሳዕ እየ ዘበላሹ።”—ሜሪ።

መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ልሳን . . . ሓዊ እያ፡” ከምኡ ድማ “እንሆ፡ ንእሽቶ ሓዊ ኽንደይ ዓብዪ ዱር ዘይተንድድ!” ይብል። (ያእቆብ 3:5, 6) ብሰንኪ ዘረባኻ ብዙሕ ሳዕ ኣብ ሽግር ትኣቱ ዲኻ፧ ከምኡ ዜጋጥመካ እንተ ዀይኑ፡ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኽትሕግዘካ ትኽእል እያ።

  • ስለምንታይ እየ ጌጋ ዘረባ ዝዛረብ፧

  • ንልሳን ምግራሕ

  • መዛኑኻ እንታይ ይብሉ፧

ስለምንታይ እየ ጌጋ ዘረባ ዝዛረብ፧

ዘይፍጽምና። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኵላትናስ ብዙሕ ሳዕ ንስሕት ኢና። ብቓል ዘይስሕት እንተሎ፡ ንሱ . . . ፍጹም ሰብ እዩ” ይብል። (ያእቆብ 3:2) ስለዚ፡ ብሰንኪ ሰብኣዊ ድኽመትና፡ እግርና ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣፍና እውን ይዕንቀፍ እዩ።

“ዘይፍጹም ሓንጐልን ዘይፍጹም ልሳንን ስለ ዘሎኒ፡ ምሉእ ብምሉእ ክቈጻጸሮ እኽእል እየ ምባል ዕሽነት እዩ ዚዀነኒ።”—ኣና።

ምብዛሕ ዘረባ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣብ ብዙሕ ዘረባ፡ ኣበሳ ኣይሰኣንን” ይብል። (ምሳሌ 10:19) ዘረባ ዜብዝሑን ብዙሕ ዘይሰምዑን ሰባት፡ ጌጋ ዘረባ ብምዝራብ ንሰብ ንምጕሃይ ዘለዎም ኣጋጣሚ የስፍሑ እዮም።

“እቶም በላሕቲ ሰባት ኵሉ ሳዕ ኣይኰኑን ዚዛረቡ። የሱስ ኣብ ምድሪ ኻብ ዝነበሩ ዅሎም ሰባት ዝበለጸ በሊሕ እዩ ነይሩ፣ ሓድሓደ ግዜ ግና ስቕ ይብል ነይሩ እዩ።”—ጁልያ።

ሽምጠጣ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ብዘይ ሓልዮት ዚዝረብ ዘረባ ኸም ሰይፊ ይወግእ” ይብል። (ምሳሌ 12:18) ሓደ ኻብቲ ብዘይ ሓልዮት ዚዝረብ ዘረባ ኸኣ ሽምጠጣ፡ ማለት ንኻልኦት ንምቍንጻብ ተባሂሉ ዚዝረብ ወጋኢ ቓላት ኪጥቀስ ይከኣል እዩ። ዘረባ ሽምጠጣ ዚዛረቡ ሰባት፡ “እዋዘ እየ ነይረ!” ይብሉ ይዀኑ። ንኻልኦት ምውራድ ግና፡ መስሓቕ ኣይኰነን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ጸርፍን ኵሉ ኽፍኣትን” ከነርሕቕ ይምዕደና እዩ።—ኤፌሶን 4:31።

“ብዙሕ ክዋዘን ከስሕቕን እፍትን እየ፣ እዚ ኸኣ ናብ ሽምጠጣ ስለ ዚመርሕ፡ ብዙሕ ግዜ ኣብ ሽግር የእትወኒ እዩ።”—ኦክሳና።

ሓደ መንእሰይ ነቲ ኻብ መትሓዚኡ ዝወጸ ሳሙና ስኒ ኺመልሶ ይፍትን

ከምቲ ሳሙና ስኒ ኻብ መትሓዚኡ ምስ ወጸ ኽትመልሶ ዘይከኣል፡ ዝበልካዮ ነገር እውን ክትመልሶ ኣይትኽእልን ኢኻ

ንልሳን ምግራሕ

ልሳንካ ምቍጽጻር ቀሊል ከይከውን ይኽእል እዩ፣ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ግና ኪሕግዝ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ነዚ ዚስዕብ እስከ ርኣዮ።

“ብልብኹም ተዛረቡ፡ ስቕ ድማ በሉ።”—መዝሙር 4:4።

ሓድሓደ ግዜ፡ ዘይምምላስ ይሓይሽ። ሓንቲ ሎራ ዝስማ መንእሰይ፡ “ሓሪቐ ኸለኹ ዚስምዓኒ ስምዒት፡ ምስቲ ጸኒሐ ዚስምዓኒ ስምዒት ይፈላለ እዩ” ትብል። ኣስዕብ ኣቢላ ኸኣ፡ “ምስ ሃዳእኩ፡ ብዙሕ ግዜ ኸምቲ ኽብሎ ደልየ ዝነበርኩ ዘይምባለይ የሐጕሰኒ እዩ” ትብል። ዋላ እውን ንሒደት ካልኢታት ስቕ እንተ ኢልካ፡ ካብ ጌጋ ዘረባ ኺሰትረካ ይኽእል እዩ።

“ከምቲ ልሳን ንምግቢ እተስተማቕሮስ፡ እዝኒዶ ንቓላት ኣይትፍትኖን እያ፧”—እዮብ 12:11።

ነቲ ኽትብሎ ዝሓሰብካ ነገር በዚ ዚስዕብ ሕቶታት ጌርካ እንተ መርሚርካዮ፡ ካብ ብዙሕ ጓሂ ኽትስተር ኢኻ፦

  • ሓቂ ድዩ፧ ዘይጐድእ ድዩ፧ ኣድላዪ ድዩ፧—ሮሜ 14:19።

  • ካልእ ሰብ ከምኡ እንተ ዚብለኒ ኸመይ ምተሰምዓኒ፧—ማቴዎስ 7:12።

  • ንኣረኣእያ እቲ ሰብ ዜኽብር ድዩ፧—ሮሜ 12:10።

  • ነዚ ዘረባ ንምዝራብሲ ግዜኡ ድዩ፧—መክብብ 3:7።

“ብትሕትና . . . ንኻልኦት ካብ ርእስኹም ኣብሊጽኩም ርኣዩ።”—ፊልጲ 2:3።

እዚ ምኽሪ እዚ ብዛዕባ ኻልኦት ጽቡቕ ኣረኣእያ ኸተሕድር ኪድርኸካ እዩ፣ እዚ ድማ ብተራኡ ልሳንካ ኽትገትእን ቅድሚ ምዝራብካ ኽትሓስብን ኪሕግዘካ እዩ። ዋላ እውን ኣምሊጡካ ጐዳኢ ዘረባ እንተ ተዛሪብካ፡ ትሕትና ብቕልጡፍ ይቕረታ ንምሕታት ክትድርኸካ እያ። (ማቴዎስ 5:23, 24) ድሕሪኡ፡ ልሳንካ ብዝሓሸ ንምግራሕ ቈራጽነት ግበር።

መዛኑኻ እንታይ ይብሉ፧

ተይለር

“ዝርርብ ኪዋዓዋዕ ከሎ፡ ዘይሓሰብክዎ ነገር እዛረብ እየ። ብዛዕባ እቲ ዘረባይ ንኻልኦት ዚጸልወሉ መገዲ ወይ ከኣ ዘረባይ ዚረብሕ እንተ ዀይኑ ንምሕሳብ ዓሰርተ ኻልኢት እንተ ጸኒሐ ግና፡ ንልሳነይ ብዝሓሸ እቈጻጸሮ እየ።”—ተይለር።

ብራንደን

“ሰብ ዚርብሸኒ ዘረባ እንተ ተዛሪቡ፡ ነቲ ዅነታት ኣብ ግምት ምእታወይ ይጠቕመኒ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ነቲ ኻብ ቍጽጽር ወጻኢ እተዘርበ ዘረባ ኽትርስዖ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ካልእ ግዜያት ከኣ፡ እቲ ዘረባ ብኣረኣእያኻ ዘይፍትሓዊ እኳ እንተ መሰለ፡ እተወሰነ ሓቅነት ግና ኣለዎ። ብህድኣት ዚግበር ጽቡቕ ዝርርብ፡ ንኸምዚ ዝበለ ዅነታት ኣብ ምፍታሕ ወሳኒ ግደ ኣለዎ።”—ብራንደን።

ጀሲካ

“ብመጀመርታኡ ጐዳኢ ነገራት ናብ ኣእምሮኻ ዘይመጸካ እንተ ዀይኑ፡ ኣይትዛረቦን ኢኻ። ሓድሓደ ግዜ፡ ነቲ ብዛዕባ ዅነታት ዘሎና ኣመለኻኽታን ነቲ ብዛዕባ ሰባት ዘሎና ኣረኣእያን ከነዐርዮ ኣሎና። ከምኡ እንተ ጌርና፡ ኪጐድኦም ዚኽእል ነገር ንምዝራብ ኣይንፍተንን ኢና።”—ጀሲካ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ