ተነዲፉ ድዩ፧
ጸራባይ ጻጸ ዘለዎ መጽረዪ ኣንቴና
ጽሬት ኣብቲ ሓደ ሓሸራ ዘለዎ ናይ ምንፋርን ናይ ምሕኳርን ከባቢኡ ናይ ምፍላጥን ክእለት፡ ወሳኒ ተራ ይጻወት እዩ። ንኣብነት፡ ሓደ ጻጸ ረሳሕ ኣንቴና እንተ ኣልይዎ፡ ኣንፈቱ ናይ ምፍላጥን መልእኽቲ ናይ ምምሕልላፍን ሽታ ናይ ምልላይን ክእለቱ ይንኪ እዩ። ስለዚ፡ ሊቅ ስነ እንስሳ ዝዀነ ኣለክሳንደር ሃክማን፡ “ረሳሕ ሓሸራ ፈጺምካ ኣይትረክብን ኢኻ” ኢሉ ኣሎ። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን ንኣካላቶም ዚትንክዮም ነገር ምእንቲ ኸየርስሖም እንታይ ከም ዚገብሩ ይፈልጡ ምዃኖም ሓቢሩ ኣሎ።
ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ሃክማንን መሳርሕቱን፡ ኣብቲ ሓደ ጅር ጸራባይ ጻጸ (ካምፖኖቱስ ሩፊፈሙር) ንኣንቴናኡ ዜጽርየሉ ስርዓተ ኣካላት መጽናዕቲ ገይሮም እዮም። እቲ ጻጸ እግሩ ብምዕጻፍ ከም መቐርቀር ድሕሪ ምግባር፡ ንኽልቲኡ ኣንቴናኡ በብተራ ብመንጎ እቲ መቐርቀር ስሒቡ ብምሕላፍ፡ ኵሉ ዓይነት ርስሓት ካብ ኣንቴናኡ ኸም ዜወግድ ኣስተውዒሎም እዮም። ኣብቲ መቐርቀር ዘሎ ፍሩይ ጸጕሪ ነቲ ፍርይ ዝበለ ርስሓት የወግዶ። እቲ ኻብኡ ዝደቐቐ ርስሓት ከኣ በቲ መመሸጥ ዚመስል ነገር ይውገድ፣ እቲ መመሸጥ ዚመስል ነገር ምስቲ ኣብ ኣንቴናኡ ዘሎ ጸጕሪ ማዕረ ስፍሓት ኣለዎ። እቲ ኻብ ኵሉ ዝደቐቐ ንጥረ ነገራት ድማ፡— መጠኑ ኽንዲ 1/80 ሰንጣቒት ጸጕሪ ሰብ ዚኸውን፡—ብጸጕሪ እቲ ዝደቐቐ ኣስባስላ ተጸሪጉ ይውገድ።
ጸራባይ ጻጸ ኣንቴናኡ ኼጽሪ ኸሎ ርአ
ሃክማንን መሳርሕቱን፡ እቲ ጻጸ ንኣንቴናኡ ንምጽራይ ዚጥቀመሉ ስርዓተ ኣካላት፡ ኣብ ኢንዱስትሪ ኪዕየየሉ ኸም ዚኽእል ይኣምኑ እዮም። ንኣብነት፡ ንእሽቶ ርስሓት እኳ ኼበላሽዎ ዚኽእል ተነቃፊ ኣቕሑ ማይክሮኤለክትሮኒክን ሰሚኮንዳክተርን ኣብ ዚስርሓሉ እዋን፡ ጽሬቱ ንምሕላው ተመሳሳሊ ሜላታት ኪሕግዝ ይኽእል እዩ።
እንታይ ይመስለካ፧ እቲ ጸራባይ ጻጸ ዘለዎ መጽረዪ ኣንቴና ብፍልቀት ድዩ መጺኡ፡ ወይስ ተነዲፉ እዩ፧