ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mrt ዓንቀጽ 14
  • ዮሃንስ መጥምቕ ብሓቂዶ ነይሩ እዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ዮሃንስ መጥምቕ ብሓቂዶ ነይሩ እዩ፧
  • ተወሳኺ ርእሰ ነገራት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ብመዓልቲ ልደት እተገብረ ቕትለት
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ዮሃንስ መጥምቕ መን እዩ፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ኣብ ጽምብል መዓልቲ ልደት እተፈጸመ ቅትለት
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
  • የሱስ ወሰኸ፡ ዮሃንስ ከኣ ነከየ
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
ተወሳኺ ርእሰ ነገራት
mrt ዓንቀጽ 14
ዮሃንስ መጥምቕ ንሰባት የጠምቕ።

ዮሃንስ መጥምቕ ብሓቂዶ ነይሩ እዩ፧

ኣብ ጸብጻባት ወንጌል፡ ኣብ ይሁዳ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዝሰበኸ ዮሃንስ መጥምቕ ዚብሃል ሰብ ተጠቒሱ ኣሎ። እቲ ብዛዕባ እዚ ሰብ እዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ሰፊሩ ዘሎ ሓበሬታስ ልክዕ ድዩ፧ እስከ ንምርምር፦

  • መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ዮሃንስ መጥምቕ ኣብ በረኻ ይሁዳ እናሰበኸ መጸ፣ ‘መንግስተ ሰማያት ቀሪባ ኣላ እሞ፡ ተነስሑ’ ድማ በለ” ይብል። (ማቴዎስ 3:1, 2) እዚ ሓበሬታ እዝስ ብዓለማዊ ምንጪ ኺረጋገጽ ይከኣል ድዩ፧ እወ።

    ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ፍላቭየስ ጆሰፈስ ዚብሃል ጸሓፍ ታሪኽ፡ ብዛዕባ ሓደ “መጥምቕ ዚብሃል ዮሃንስ” ኺገልጽ ከሎ፡ “ንኣይሁድ ብናይ ጽድቂ ህይወት ኪመላለሱን” “ንኣምላኽ ውፉያት ኪዀኑን ኪጥመቑን” ከም እተማሕጸኖም ሓቢሩ ኣሎ።—ጂዊሽ ኣንቲኲቲስ፡ መጽሓፍ XVIII።

  • ዮሃንስ ነቲ ገዛኢ ኣውራጃ ገሊላን ጴርያን ዝነበረ ሄሮድስ ኣንቲጳስ ከም ዝገንሖ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተዘንትዩ ኣሎ። ሄሮድስ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ ‘እመላለስ እየ’ ብሃሊ ንስሙ ሰዓቢ እምነት ኣይሁድነት እዩ ነይሩ። ዮሃንስ ንሄሮድስ፡ ነታ ሄሮድያዳ ዝስማ ሰበይቲ ሓዉ ብምውሳዱ እዩ ነቒፍዎ። (ማርቆስ 6:18) ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ወጻኢ እውን ነዚ ዝርዝር ሓበሬታ ዚድግፍ መርትዖ ይርከብ እዩ።

    እቲ ጆሰፈስ ዝስሙ ጸሓፍ ታሪኽ፡ ኣንቲጳስ “ምስ ሄሮድያዳ ፍቕሪ ሓዞ፡” “ጕዳይ መውስቦ እውን ደፊሩ ኣልዓለላ” ኢሉ ገሊጹ ኣሎ። ሄሮድያዳ ነቲ ዘቕረበላ ተቐበለቶ፡ ንኣንቲጳስ ክትምርዓዎ ኢላ እውን ንሰብኣያ ሓደገቶ።

  • መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ካብ የሩሳሌምን ካብ ኵሉ ይሁዳን ካብ ኵሉ ኸባቢ ዮርዳኖስን ናብኡ [ናብ ዮሃንስ] ወጹ፣ . . . ኣብ ፈለግ ዮርዳኖስ ብእኡ ተጠምቁ” ይብል።—ማቴዎስ 3:5, 6።

    ጆሰፈስ እውን “ብዙሓት ህዝቢ” ንዮሃንስ ኪርእዩ ይወጹ ምንባሮም፡ “ብስብከቱ ድማ ኣመና ይለዓዓሉ” ምንባሮም ብምግላጽ፡ ነዚ ዝርዝር ሓበሬታ እዚ ደጊፍዎ ኣሎ።

እምበኣር፡ እቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ጆሰፈስ ዚብሃል ጸሓፍ ታሪኽ ንዮሃንስ መጥምቕ ናይ ሓቂ ሰብ ከም ዝዀነ ገይሩ እዩ ርእይዎ። ንሕና እውን ከምኡ ዓይነት ኣረኣእያ ኺህልወና ይኽእል እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ