ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwyp ዓንቀጽ 91
  • ምስ ገሊኦም ተመሳሲለ ኽነብር እንተ ዘይክኢለኸ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ምስ ገሊኦም ተመሳሲለ ኽነብር እንተ ዘይክኢለኸ፧
  • መንእሰያት ዚሓትትዎ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሰባት ተመሳሲሎም ኪነብሩ ዚጽዕሩ ስለምንታይ እዮም፧
  • ክትፈልጦ ዘሎካ
  • ምስ እተፈላለዩ ዓይነት ሰባት ክተዓራረኽ ኣሎኒ ድዩ፧
    መንእሰያት ዚሓትትዎ
  • 9 ንናይ መዛኑ ጸቕጢ ብኸመይ ኢየ ክዋጽኣሉ ዝኽእል፧
    መንእሰያት ዝሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን
  • እዚ ሰብ’ዚ ይዀነኒ ድዩ፧
    መንእሰያት ዚሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን፡ 2ይ ጥራዝ
  • ስለምንታይ እየ ዓርኪ ዚብሃል ዘይብለይ፧
    መንእሰያት ዚሓትትዎ
መንእሰያት ዚሓትትዎ
ijwyp ዓንቀጽ 91
ምስ መዛኑኡ ኺመሳሰል ዘይከኣለ ወዲ በይኑ ኾፍ ይብል

መንእሰያት ዚሓትትዎ

ምስ ገሊኦም ተመሳሲለ ኽነብር እንተ ዘይክኢለኸ፧

“ተመሳሲልካ ኽትነብር ኣሎካ፣ እንተ ዘይኰይኑ፡ ኣዕሩኽ ኣይህልዉኻ፡ ህይወት ኣይህልወካ፡ መጻኢ ኣይህልወካ። በይንኻ ተረሲዕካ ኢኻ እትነብር።”—ካርል።

እዝስ እተጋነነ ድዩ፧ ምናልባት ይኸውን። ኰይኑ ግና፡ ገሊኦም ሰባት ካብቲ ካርል ዝገለጾ ነገር ንምምላጥ ዘይገብርዎ ነገር የሎን። ንስኻኸ፧ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ዝሓሸ መገዲ ኽትሕብረካ እያ።

  • ሰባት ተመሳሲሎም ኪነብሩ ዚጽዕሩ ስለምንታይ እዮም፧

  • ክትፈልጦ ዘሎካ

  • መዛኑኻ እንታይ ይብሉ፧

ሰባት ተመሳሲሎም ኪነብሩ ዚጽዕሩ ስለምንታይ እዮም፧

  • ምኽንያቱ ኺግለሉ ኣይደልዩን እዮም። “ገሊኦም ንዓይ ሓዲጎምኒ ኺዛወሩ ምስ ከዱ እተሳእልዎ ስእልታት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ርእየ እየ። እዚ ድማ፡ ‘እንታይ እየ በዲለ፧’ ኢለ ኸም ዚሓስብ ገይሩኒ እዩ፣ ጥቓኦም ክቐርብ ከም ዘይበቅዕ ኰይኑ ስለ እተሰምዓኒ እውን ረቢሹኒ እዩ።”—ናታሊ።

    ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ካብ ሓደ ጕጅለ እተገለልካ ዀይኑዶ ተሰሚዑካ ይፈልጥ፧ ምስቶም ጕጅለ ኽትመሳሰል ኢልካ ዝገበርካዮ ነገርዶ ኣሎ፧

  • ምኽንያቱ እተፈልዩ ኪዀኑ ኣይደልዩን እዮም። “ወለደይ ሞባይል ተሌፎን ክሕዝ ኣይፈቐዱለይን። መሳቶይ ቍጽሪ ተሌፎነይ ኪሓትቱኒ ኸለዉ፡ ተሌፎን ከም ዘይብለይ እነግሮም እሞ፡ ‘እንታይ፧ ጓል ክንደይ ዲኺ፧’ ይብሉኒ እዮም። ጓል 13 ምዃነይ ምስ ነገርክዎም፡ መስክነይቲ ኢሎም ይጥምቱኒ።”—ሜሪ።

    ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ካብ ወለዲ ዚውሃብ እንታይ ቀይድታት እዩ ኻብ ካልኦት እተፈለኻ ኸም እትኸውን ኪገብረካ ዚኽእል፧ ነቲ ቐይድታት ብኸመይ ኢኻ እትሕዞ፧

  • ምኽንያቱ ኺድንደኑ ኣይደልዩን እዮም። “ደቂ ትምህርተይ ነቶም ብተግባሮም፡ ብኣዘራርባኦም፡ ወይ ብኣምልኾኦም ፍልይ ዝበሉ ኣይፈትውዎምን እዮም። ምሳታቶም እንተ ዘይተመሳሲልካ፡ ዕላማ መጥቃዕቲ ኢኻ እትኸውን።”—ኦሊቪያ።

    ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ምስ ገሊኦም ስለ ዘይተመሳሰልካ ኣደዳ ግፍዒ ዄንካዶ ትፈልጥ፧ ነቲ ዅነታት ብኸመይ ሒዝካዮ፧

  • ምኽንያቱ ንኣዕሩኾም ኪስእኑ ኣይደልዩን እዮም። “ምስ ኵሉ ተመሳሲለ ኽነብር ጽዒረ እየ። ናይ ካልኦት ኣዘራርባ እቐድሕ ነይረ። ዘየስሕቕ ነገር የስሕቐኒ ነይሩ። ንኻልኦት ዚጐድእ ነገር ምዃኑ ኣጸቢቐ እናፈለጥኩ እውን፡ ምስ መሳቶይ ተጸምቢረ ብሰባት አላግጽ ነይረ።”—ሬቸል።

    ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ብመዛኑኻ ኽትፍቶ ኽሳዕ ክንደይ እዩ ዜገድሰካ፧ ምሳታቶም ክትመሳሰል ኢልካስ ባህርያትካ ቐዪርካ ዲኻ፧

ክትፈልጦ ዘሎካ

  • ክትመሳሰል ኢልካ ጠባይ ሰባት እንተ ቐዲሕካ፡ እዚ ተገልቢጡ ኺጐድኣካ ይኽእል እዩ። ስለምንታይ፧ መብዛሕትኡ ግዜ፡ ሰባት ንዜምስል ሰብ ይፈልጥዎ እዮም። ወዲ 20 ዓመት ዝዀነ ብራያን፡ “ዘይኰንክዎ መሲለ ክቐርብ ከለኹ፡ ምስ ሰባት ኣይሳነን እየ ነይረ። ከተምስል ከለኻ ሰባት ስለ ዚፈልጥዎ፡ እቲ ዝሓሸ መገዲ ገዛእ ርእሰይ ምዃን ከም ዝዀነ ተማሂረ እየ” ኢሉ ተዘክሮኡ ይገልጽ።

    ዝሓሸ መገዲ፦ ብቐዳምነት ንእትሰርዖ ነገራት ዳግም ሕሰበሉ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ‘እቲ ዚሓይሽ መርምሩ’ ይብል እዩ። (ፊልጲ 1:10) ስለዚ፡ ከምዚ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሕተት፦ ‘እንታይ ይሓይሽ—ምስቶም ካብ ናተይ እተፈልየ መትከላት ዘለዎም ሰባት ተመሳሲለ ምንባርዶ፡ ወይስ ገዛእ ርእሰይ ምዃን፧’

    “ንኻልኦት ክትመስል ምጽዓር፡ ዋጋ የብሉን። ሰባት ብዝያዳ ኸም ዚፈትዉኻ ኣይገብርን እዩ፣ ዝሓሸ ሰብ እውን ኣይገብረካን እዩ።”—ጄምስ።

  • ክትመሳሰል እትገብሮ ጻዕሪ ንመንነትካ ኺዓብጦ ይኽእል እዩ። ብሰብ ምእንቲ ኽትፍቶ ኢልካ፡ ካልኦት ዝደለይዎ ዘበለ ዚገብር ሰብ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ጀረሚ ዝስሙ መንእሰይ፡ “ምስ ሓደ ጕጅለ ኽመሳሰል ኢለ፡ ዋላ እውን ሕማቕ ስም እናኣጥረኹ፡ ዝዀነ ይኹን ነገር እገብር ነይረ” ኢሉ ተዘክሮኡ ይገልጽ። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ፡ “እዚ ኸኣ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ካልኦት እዩ ኣእትዩኒ። መጻወቲኦም እየ ነይረ” ይብል።

    ዝሓሸ መገዲ፦ ከም ነፋሒቶ መምስ ከባቢኡ ሕብርኻ ኣብ ክንዲ እትለዋውጥ፡ መትከላትካ ፍለጥ፡ ብእኡ ድማ ተመላለስ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኵሉ ገይርዎ ኢልካ ኣይትግበር” ኪብል ሓቁ እዩ።—ዘጸኣት 23:2፡ ሆሊ ባይብል—ኢዚ-ቱ-ሪድ ቨርሽን።

    “ኵሉ እቲ ዚፈትዋኦ ሙዚቃን ጸወታታትን ክዳውንትን ምርኢታትን ኵሕለ ምሕልን ክፈቱ ፈቲነ እየ። . . . ከማታተን ክኸውን ፈቲነ እየ። የምስል ከም ዝነበርኩ ዝፈለጣ ይመስለኒ። ኵለን እየን ፈሊጠናኒ፡ ዋላ እውን ኣነ ነዚ እፈልጦ ነይረ። ኣብ መወዳእታኡ፡ ባዶን በይነይን ዝዀንኩ ዀይኑ ተሰሚዑኒ፣ መን ምዃነይ እኳ ኣይፈልጥን እየ ነይረ። ናይ ርእሰይ ስብእና ኣይነበረንን። ምሳኻ ዚመሳሰል ወይ ንዓኻ ዚፈትወካ፡ ኵሉ እቲ እትረኽቦ ሰብ ከም ዘይኰነ ፈሊጠ። እዚ ኽብል ከለኹ ግና መሓዙት ካብ ምግባር ተስፋ ትቘርጽ ማለት ኣይኰነን፣ የግዳስ፡ ምእንቲ ኽትዓቢ ንርእስኻ ቦታን ግዜን ትህብ ማለት እዩ።”—መሊንዳ።

  • ክትመሳሰል እትገብሮ ጻዕሪ ንኣካይዳኻ ኺጸልዎ ይኽእል። ክሪስ ዝስሙ መንእሰይ፡ ዘመዱ በዚ ኺጽሎ ርእዩ እዩ። ብዛዕባኡ ድማ ከምዚ ይብል፦ “ምስ ገሊኦም ኪመሳሰል ኢሉ ኸም ምውሳድ ሓሽሽ ዝኣመሰለ ኺገብሮ ዘይደሊ ነገር ኪገብር ጀሚሩ። ብርቱዕ ወልፊ ኸኣ ኣጥርዩ፣ እዚ ንህይወቱ ዳርጋ ኣበላሽይዎ ነይሩ።”

    ዝሓሸ መገዲ፦ ካብቶም ብኣዘራርባኦምን ብኣካይዳኦምን ጽቡቕ መትከላት ከም ዘይብሎም ዚፍለጡ ሰባት ርሓቕ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ምስ ጥበበኛታት ዚመላለስ ጥበበኛ ይኸውን፣ ምስ ዓያሹ ዚሓብር ግና ክፉእ ይረክብ” ይብል።—ምሳሌ 13:20።

    “ሓድሓደ ግዜ፡ ምስ ገሊኦም ክትመሳሰል ምጽዓር ጽቡቕ እዩ። ምእንቲ እዚ ኢልካ ግና ኣንጻር እቲ ቕኑዕ ምዃኑ እትፈልጦ ነገር ፈጺምካ ኣይትኺድ። ናይ ሓቂ እንታይነትካ ዚቕበልዎ ሰባት እዮም ዚዀኑኻ።”—መላኒ።

    ምኽሪ፦ ምስ ሓደስቲ ሰባት ንምትዕርራኽ ክትፍትን ከለኻ፡ ሓባራዊ ዜገድሰኩም ነገራት ከም ዘሎ ጥራይ ኣይትርአ። የግዳስ፡ ከም ናትካ ዓይነት መትከላት፡ ማለት ከም ናትካ ዓይነት መንፈሳውን ስነ ምግባራውን እምነት ዘለዎም ሰባት ድለ።

    ዘየጸብቐላ ኽዳውንቲ እተኸድነት ጓል

    ገሊኡ ዓይነት ክዳውንቲ ኣየጸብቐልካን እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ገሊኦም ሰባት ንመትከላትካ ናብ ዝሓሸ ደረጃ ኽብ ዜብሉ ኣይኰኑን

መዛኑኻ እንታይ ይብሉ፧

ኤማ

“ምስ ገሊኡ ጕጅለ ዘይትመሳሰል እንተ ዄንካ፡ ሓንሳእ ሰገጥ ኢልካ ስለምንታይ ከምኡ ኸም ዝዀነ ምምርማር ጽቡቕ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቶም ጕጅለ በቲ ንስኻ ኣብ ኣካይዳኻ እትምርሓሉ መለክዒታት ስለ ዘይመላለሱ ድዩ፧ ከምኡ እንተ ዀይኑ፡ ምሳታቶም ብዘይምምስሳልካ ተሓጐስ።”—ኤማ።

ኖዋህ

“ምስ ገሊኦም ክትመሳሰል ኢልካ እምብዛ ኣብ ክንዲ እትጭነቕ፡ ግዜኻን ጕልበትካን ዝሓሸ ሰብ ክትከውን ዜኽእለካ ባህርያት ኣብ ምምዕባል እንተ ኣውዓልካዮ ይሓይሽ። ንሰባት እንተ ለዊህካሎም፡ እቶም ብሓቂ ኣዕሩኽካ ኪዀኑ እትደልዮም ሰባት ናባኻ ኺስሓቡ እዮም።”—ኖዋህ።

ዶሚኒክ

“ኣነ ምስ ሰባት ምእንቲ ኽመሳሰል፡ ንሰባት ብብሕቲ እግደሰሎም፡ እንታይ ከም ዚፈትዉን ከመይ ከም ዚስምዖምን ክፈልጥ እውን እጽዕር እየ። መንነተይ ኣብ ክንዲ ዝቕይር፡ ናይ ርእሶም ርእይቶ ኺህልዎም ከም ዚኽእል እቕበሎ እየ። እዚ ኸኣ ኣብ ኵሉ ዕድመ ምስ ዚርከቡ ሰባት ክመሓዞ ሓጊዙኒ እዩ።”—ዶሚኒክ።

ክለሳ፦ ምስ ገሊኦም ተመሳሲለ ኽነብር እንተ ዘይክኢለኸ፧

ብቐዳምነት ንእትሰርዖ ነገራት ዳግም ሕሰበሉ።

እንታይ ይሓይሽ—ምስቶም ዜተሓታትት መትከላት ዘለዎም ሰባት ተመሳሲልካ ምንባርዶ፡ ወይስ ገዛእ ርእስኻ ምዃን፧

ጽቡቕ ስም ኣጥሪ፡ ብእኡ እውን ተሓበን።

ከምታ መምስ ከባቢኡ ሕብራ እትለዋውጥ ነፋሒቶ ኣይትኹን።

ካብቶም ብኣዘራርባኦምን ብኣካይዳኦምን ጽቡቕ መትከላት ከም ዘይብሎም ዚፍለጡ ሰባት ርሓቕ።

ምስ ገሊኦም ምምስሳል ወትሩ ጌጋ ኣይኰነን፣ ምእንቲ እዚ ኢልካ ግና ኣንጻር እቲ ቕኑዕ ምዃኑ እትፈልጦ ነገር ፈጺምካ ኣይትኺድ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ