እግረ ጽሑፍ
a ጥዕና ኣደ ወይ ሕጻን ኣብ ሓደጋ ኺኣቱ ተኽእሎ ኸም ዘሎ ኣብ ዚግለጸሉ እዋን እውን እንተ ዀነ፡ ንምንጻል ጥንሲ እኹል ምኽንያት ኣይከውንን እዩ። ኣብ እዋን ሕርሲ፡ ካብ ህይወት ኣደን ህይወት ሕጻንን ሓዲኡ ኽትሓሪ ዜገድድ ኵነታት እንተ ኣልዩ፡ እቶም መጻምድቲ ኺውስኑ ይኽእሉ እዮም። ኰይኑ ግና፡ ኣብ ሓያሎ ዝማዕበላ ሃገራት ምዕቡል ሕክምና ስለ ዘሎ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ኣመና ሳሕቲ እዩ ዜጋጥም።