እግረ ጽሑፍ
a እታ ኣብዚ “እናሕነቕነቐ” ዝብል ትርጕም ተዋሂብዋ ዘሎ ናይ ግሪኽ ቃል ካብታ ኣዝዩ ብዘሳቒ: ወይ ብዕምቈት ምልዕዓል እተስምዕ (ኢም·ብሪ·ማʹኦ·ማይ) እትብል ግሲ ዝመጸት ኢያ። ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “ኣብዚ ዅነታት እዚ ክህልዋ ዝኽእል ትርጕም: ዓሚቝ ስምዒት ንየሱስ ወሪርዎ ስለ ዝነበረ ከይተፈለጦ ካብ ውሽጢ ልቡ ኢዩ ኣሕነቕኒቑ ዝብል ኢዩ።” እታ “ብመንፈሱ ተኪዙ” ብምባል ተተርጒማ ዘላ መግለጺ ድማ ካብታ ብስምዒትካ ምርባሽ እተመልክት (ታ·ራስʹሶ) እትብል ናይ ግሪኽ ቃል ዝመጸት ኢያ። ብመሰረት ሓደ ኣዳላዊ መዝገበ-ቃላት ከኣ “ንሓደ ሰብ ብውሽጡ ከም ዝህወኽ ምግባር: . . . ብብርቱዕ ስቓይ ወይ ሓዘን ምትንካፍ” ማለት ኢያ። እታ “ነብዔ” እትብል መግለጺት ከኣ ካብታ “ምንባዕ: ቀስ ኢልካ ምብካይ” ዝትርጕማ (ዳ·ክርʹዮ) እትብል ናይ ግሪኽ ግሲ ዝመጸት ኢያ።