እግረ ጽሑፍ
c ብኤማንዌል ቶቭ እተዳለወት ቴክስቹዋል ክሪቲሲዝም ኦቭ ሂብሪው ባይብል (እንግሊዝኛ) እትብሃል መጽሓፍ ከምዚ ኢላ ትገልጽ:- “ብሓገዝ ናይ ካርቦን 14 ገይርካ እተገብረ ምርመራ: 1QIsaa [ኣብ ምዉት ባሕሪ እተረኽበ ናይ መጽሓፍ ኢሳይያስ ጥቕላል] ካብ 202 ክሳዕ 107 ቅኣዘ (ብዛዕባ ናይ ጥንቲ ጽሑፋትን እተቐርጹ ነገራትን መጽናዕቲ ብምግባር ዝወሃብ ዕለት [ፓሌዮግራፊካል ደይት]:- 125-100 ቅኣዘ) ኣብ ዘሎ እዋን ኢዩ ተጻሒፉ። . . . እዚ ኣብ ቀረባ ዓመታት እተመሓየሸ: ናይቲ ፊደላት ቅርጽን ኣሰራርዓን ምስ ከም እኒ ዕለት ዘለዎም ሰናቲምን እተቐርጸ ነገራትን ዝኣመሰሉ ናይ ወጻኢ ምንጭታት ብምውድዳር ልክዕ ዝዀነ ዕለት ንምውሳን ዘኽእል ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ናይ ፓሌዮግራፊ ኣወሃህባ ዕለት ንገዛእ ርእሱ ብተዛማዲ ክእመን ዝኽእል ኣገባብ ኢዩ።”6