እግረ ጽሑፍ
a የሆዋ ኣብዚ ነቶም ኣብ ሰሜናዊት መንግስቲ እስራኤል ዚርከቡ እዩ ዚዛረቦም ነይሩ። ኤርምያስ ነዚ መልእኽቲ ኼብጽሕ ከሎ፡ እቶም ዓሰርተ ነገድ ካብ ዚማረኹ 100 ዓመት ዚኣክል ሓሊፉ ነበረ። ክሳዕ እቲ ግዜ እቲ፡ እቶም ህዝቢ ኸም ዘይተነስሑ ገሊጹ ኣሎ። (2 ነገ. 17:16-18, 24, 34, 35) ኰይኑ ግን፡ ውልቀ-ሰባት ከም ብሓድሽ ሞገስ ኣምላኽ ኪረኽቡን ካብቲ ብምርኮ ዝኸዱሉ ዓዲ ኺምለሱን ይኽእሉ ነበሩ።