እግረ ጽሑፍ a እቲ ህዝቅኤል ኣብ ራእዩ ዝረኣዮ ኣዕጽምቲ፡ ብንቡር ሞት ናይ ዝሞቱ ኣዕጽምቲ ዘይኰነስ፡ ኣዕጽምቲ “ቕቱላት” እዩ ነይሩ። (ህዝ. 37:9) ነበርቲ እታ ብዓሰርተ ነገድ ዝቘመት መንግስቲ እስራኤልን ነበርቲ እታ ብኽልተ ነገድ ዝቘመት መንግስቲ ይሁዳን በብተራ ምስ ተሳዕሩ፡ ብኣሶራውያንን ብባቢሎናውያንን ከኣ ናብ ምርኮ ምስ ተወስዱ፡ “ብዘሎ ቤት እስራኤል” ብምሳልያዊ መገዲ ተቐቲሉ ኺብሃል ይከኣል እዩ።