እግረ ጽሑፍ a ኣብ ግዜ የሱስ ዝነበረ ገሊኡ መዕረፍ ኣጋይሽ መሕደሪ ጥራይ ዘይኰነስ መግብን ካልእ ኣገልግሎትን የዳሉ ከም ዝነበረ ርዱእ ኢዩ። የሱስ እቲ ኣብ ኣእምሮኡ ሒዝዎ ዝነበረ ዓይነት መዕረፍ ኣጋይሽ ከምዚ ኢዩ ነይሩ ክኸውን ዝኽእል: ከመይሲ እታ ኣብዚ ተጠቒሙላ ዘሎ ናይ ግሪኽ ቃል ካብታ ኣብ ሉቃስ 2:7 “ማሕደር ኣጋይሽ” ተባሂላ እተተርጐመት እተፈልየት ኢያ።