እግረ ጽሑፍ
b እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣብ ውሳነ ሙርዶክ ነቲ ቅድሚኡ ኣብ መንጎ ጆነስን ከተማ ኦፐሊካን ዝነበረ ክርክር ክውስን ከሎ ዝወሰዶ ኣቕዋም ለዊጡዎ ኢዩ። ብ1942 ኣብ ጕዳይ ጆነስ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ነቲ ታሕተዋይ ቤት ፍርዲ ንራስኮ ጆነስ እተባህለ ናይ የሆዋ ምስክር ኣብ ጽርግያታት ናይ ኦፐሊካ: ኣላባማ ግብሪ ከይከፈለ ጽሑፋት ብምዕዳሉ በደለኛ ከም ዝዀነ ገይሩ ዘመሓላለፎ ውሳነ ደገፈ።