እግረ ጽሑፍ
a ላ ሳግራዳ ኢስክሪቱራ—ተክስቶ ዪ ኮሜንቴርዮ ፖር ፕሮፈሶሬስ ደ ላ ኮምፓኛ ደ ኼሱስ (ቅዱሳት ጽሑፋት—ብፕሮፌሰራት በጻሕቲ የሱስ እተዳለወ ጽሑፍን ሓሳባትን) እትበሃል ጽሕፍቲ “እቶም ሰብኣ ሰገል ስሒርን ቈጸራ ኸዋኽብትን ሕክምናን ዜካይዱ ናይ ፋርሳውያንን ሜዶናውያንን ከለዳውያንን ካህናት” ምንባሮም ትገልጽ። ይኹን እምበር: እቶም ንየሱስ ኪርእይዎ ዝኸዱ ሰብ ጥበብ ኣብ ማእከላይ ዘመን ብወግዒ ቕዱሳት ተባህሉ: መልኽዮር: ጋስፐር: ከምኡውን ባልታዛር ዚብል ኣስማት እውን ተዋህቦም። ኣብ ኮሎኝ: ጀርመን: ኣብ ዚርከብ ካቴድራል ከም እተቐብሩ ድማ ይዝረብ።