እግረ ጽሑፍ
a ቅድሚ እቲ ጥቅምቲ 1917 እተላዕለ ሰውራ: ካልኦት ብዙሓት ሃገራት ጎርጎርሳዊ ዓውደ ኣዋርሕ ኪጥቀማ ኸለዋ ሩስያ ግን በቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ ዩልዩሳዊ ዓውደ ኣዋርሕ እያ ትጥቀም ነይራ። ኣብ 1917 ዩልዩሳዊ ዓውደ ኣዋርሕ ካብ ጎርጎርሳዊ ዓውደ ኣዋርሕ ብ13 መዓልቲ ይድሕር ነበረ። ድሕሪ እቲ ሰውራ ግን ሩስያ ምስ ካልኦት ሃገራት ሓደ ዓይነት ኣቈጻጽራ ንኺህልዋ ህዝቢ ሶቭየት ብጎርጎርሳዊ ዓውደ ኣዋርሕ ኪጥቀም ጀመረ። ይኹን እምበር: ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ምእንቲ በዓላታ ኢላ ብዩልዩሳዊ ዓውደ ኣዋርሕ ምጥቃማ ቐጸለት: “ጥንታዊ” ዓውደ ኣዋርሕ ዚብል ስም ድማ ሃበቶ። ኣብ ሩስያ በዓል ልደት ኣብ 7 ጥሪ ኸም ዚበዓል ሰሚዕካ ትኸውን ኢኻ። ኰይኑ ግን: በቈጻጽራ ጎርጎርሳዊ ዓውደ ኣዋርሕ 7 ጥሪ ኪበሃል ከሎ: ብዩልዩሳዊ ዓውደ ኣዋርሕ 25 ታሕሳስ እዩ ዚውዕል (ብሓበሻ ኸኣ 28 ታሕሳስ ይውዕል)። ስለዚ: ሩስያውያን 25 ታሕሳስ በዓል ልደት ምዕራባውያን: 1 ጥሪ በዓል ሓድሽ ዓመት: 7 ጥሪ በዓል ልደት ኦርቶዶክስ: 14 ጥሪ ጥንታዊ በዓል ሓድሽ ዓመት የብዕሉ።