እግረ ጽሑፍ
a ኣብቲ ልዕሊ ዅሉ ዜተኣማምን ኢደ-ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ: ቍጽሪ 44, 46 ኣይርከባን እየን። እዘን ክልተ ቝጽርታት ድሓር እተወሰኻ ኪዀና ኸም ዚኽእላ ምሁራት ይሰማምዑሉ እዮም። ፕሮፌሰር ኣርቺባልድ ቶማስ ሮበርትሰን ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “እቲ ብጥንታውነቱን ብብሉጽነቱን ቀዳማይ ቦታ ዝሓዘ ኢደ-ጽሑፋት ነዘን ክልተ ቝጽርታት ኣየጠቓልልን እዩ። ኣብቲ ምዕራባውን ሶርያውን (ቢዛንትዩማዊ) ጕጅለ ኢደ-ጽሑፋት እየን ዚርከባ። ድግማ ቝጽሪ 48 ጥራይ እየን። ስለዚ: ቍጽሪ 44, 46 ሓቅነት ዘይብለን ብምዃነን [ኣውጺእናየን] ኣሎና።”