እግረ ጽሑፍ
c ብግዜ የሱስ ክርስቶስን ሃዋርያቱን ብምሉኡ ቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ናብ ግሪኽኛ ተተርጒሙ ነበረ። እዚ ኸኣ ትርጕም ሰብዓ ሊቃናት ተባሂሉ ተጸውዐ፣ እቶም ግሪኽኛ ዚዛረቡ ኣይሁድ ድማ ብሰፊሑ ይጥቀሙሉ ነበሩ። መብዛሕትኡ ኻብቲ ኣብ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ዚርከብ ብቐጥታ ኻብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ እተወስደ ብኣማእታት ዚቝጸር ጥቕስታት፡ ካብ ትርጕም ሰብዓ ሊቃናት እተወስደ እዩ።