እግረ ጽሑፍ
a ኣብ ናይ 1 ጥቅምቲ 2011 ሕታምና፡ እታ ዘኽታም ዝነበረት ኣስቴር፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ብዕድመ ኣዝዩ ዚበልጻ ማርዶካይ ወዲ ሓወቦኣ ብኸመይ ከም ዝዓበየት፡ ጸኒሓ ድማ ሰበይቲ ኣሓሽዌሮስ ንጉስ ፋርስ ክትከውን ብኸመይ ከም እተመርጸት ርኢና ኔርና። ብዘይካዚ፡ ኣማኻሪ ንጉስ ዝነበረ ሃማን ንህዝቢ ኣይሁድ ኬጽንቶም ውዲት ከም ዝኣለመ፡ ማርዶካይ ከኣ ንኣስቴር ናብ ንጉስ ቀሪባ ምእንቲ ህዝባ ኽትልምን ከም ዘእመና ርኢና ኔርና።—ነታ ኣብ ናይ 1 ጥቅምቲ 2011 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ዝወጸት “ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ—ንህዝቢ ኣምላኽ ተሓለቐትሎም” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።