እግረ ጽሑፍ
a ጥንታውያን ጸሓፍቲ ነዛ ፍቕዲ እዚኣ፡ “ነፍሰይ” ኢሎም ብምቕያር ንኤርምያስ ከም እተመልክት ገይሮምዋ እዮም። ንኣምላኽ በታ መጽሓፍ ቅዱስ ንምድራውያን ፍጡራት ንምምልካት ዚጥቀመላ “ነፍሲ” እትብል ቃል ጌርካ ምግላጽ፡ ኣኽብሮት ዝጐደሎ ዀይኑ ተሰሚዕዎም ኪኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንኣምላኽ በቲ ሰባት ኪርድእዎ ዚኽእሉ ቓላት ገይሩ ይገልጾ እዩ። እታ “ነፍሲ” እትብል ቃል ን“ህይወት” ስለ እተመልክት፡ “ነፍስኻ” ኺብል ከሎ፡ “ንስኻ” ማለት እዩ።