እግረ ጽሑፍ b ሕጡብ ጽሑፍ 3፦ ሃዋርያት የሱስ ሞይቶም ስለ ዝነበሩ፡ እቶም ኣብ ምድሪ ዝተረፉ ቕቡኣት ከኣ ብባሮት ዘይኰነስ፡ ብስርናይ ስለ እተመሰሉ፡ እዞም ባሮት እዚኦም ንመላእኽቲ እዮም ዜመልክቱ። ጸኒሑ ኣብታ ምሳሌ፡ እቶም ነቲ ኽርዳድ ዚኣርዩ ዓጻዶ፡ መላእኽቲ ኸም ዝዀኑ ተገሊጹ ኣሎ።—ማቴ. 13:39።