እግረ ጽሑፍ
b ኣምላኽ ብምትላልን ብጕርሕን ዚግበር ፍትሕ ይጸልእ እዩ። ይኹን እምበር፡ ሓደ ሰብ ምስ ዚምንዝር፡ ኣምላኽ ነቲ ንጹህ መጻምድቲ ንኺፋታሕ ወይ ንኸይፋታሕ ኪውስን መሰል ሂብዎ እዩ። (ሚልክያስ 2:16፣ ማቴዎስ 19:9) ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እትሕተም መጽሔት ንቕሑ!፡ ኣብ ናይ 8 ለካቲት 1994 ሕታም (እንግሊዝኛ) ዝወጸት፡ “ርእይቶ መጽሓፍ ቅዱስ—ኣምላኽ እንታይ ዓይነት ፍትሕ እዩ ዚጸልእ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።