እግረ ጽሑፍ
b ህዝቅኤል 37:1-14ን ራእይ 11:7-12ን ነቲ ብ1919 እተፈጸመ መንፈሳዊ ምምላስ እየን ዚገልጻ። ይኹን እምበር፡ እቲ ኣብ ህዝቅኤል ዚርከብ ትንቢት፡ ኵሎም ህዝቢ ኣምላኽ ንኣዝዩ ነዊሕ እዋን ኣብ ምርኮ ምስ ጸንሑ፡ ብመንፈሳዊ መዳይ በብቝሩብ ከም ዚምለሱ እዩ ዚንበ። እቲ ኣብ ራእይ ዘሎ ትንቢት ግና፡ መሪሕነት ዚወስዱ ሒደት ጕጅለ ቕቡኣት ኣሕዋት ንሓጺር እዋን ዘይንጡፋት ኪዀኑ ምስ ተገደዱ፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ከም ብሓድሽ ከም ዚውለዱ እዩ ዚገልጽ።