እግረ ጽሑፍ
a ኣብ ገሊኡ ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ከም ትርጉም 1956፡ እዛ ነፈሽ እትብል ቃል፡ “ህያው ነፍሲ” ተባሂላ እኳ እንተ ተተርጐመት፡ ኣብ ሓያሎ ዘመናዊ ትርጉማት፡ “ህያው ፍጡር” (ዘ ኒው ኢንግሊሽ ባይብል)፡ “ህያው ሰብ” (ኒው ኢንተርናሽናል ቨርሽን፡ ዘ ጀሩሳሌም ባይብል)፡ “ኪነብር ጀመረ” (ቱደይስ ኢንግሊሽ ቨርሽን)፡ ወይ “ሕይወት ዘለዎ ኾነ” (ትርጉም 1990) ተባሂላ ተተርጒማ ኣላ።