እግረ ጽሑፍ a የሱስ፡ እቲ ኣመሓዳሪ እተኸስሶ ኽሲ መሰረት ዘለዎ እንተ ነይሩ ኣይገለጸን። እታ ኣብ ሉቃስ 16:1 “ተነግሮ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ እቲ ኣመሓዳሪ ኸም እተሓምየ እውን ከተመልክት ትኽእል እያ። ኰይኑ ግና፡ የሱስ እቲ ኣመሓዳሪ ኣብ ዘርኣዮ መልሰ ግብሪ እምበር፡ ኣብቲ እተሰጕጐሉ ምኽንያት ኣየተኰረን።