እግረ ጽሑፍ a ሓደ ክርስትያን ዚምገቦም እንስሳታት ንምህዳን ወይ ከኣ ንርእሱ ኻብ ኣራዊት ንምክልኻል ኢሉ ኸም ሽጉጥ ወይ ጠበንጃ ዝኣመሰለ ኣጽዋር ኪውንን ይውስን ይኸውን። እዚ መሳርያታት እዚ ኣብ ዘይንጥቀመሉ እዋን ግና፡ ነቲ ጠያይት ኣምሊቝና ኸነቐምጦ፡ ምናልባት ከኣ ነቲ መሳርያ በታቲንና ኣብ ስቱር ቦታ ኽንዓጽዎ ኣሎና። ምውናን ኣጽዋር ብሕጊ ኽልኩል፡ ቀይድታት ዘለዎ ወይ ብኻልእ መገዲ ቝጽጽር ዚግበረሉ እንተ ዀይኑ፡ ክርስትያናት ንሕጊ ኺእዘዙ ኣለዎም።—ሮሜ 13:1።