እግረ ጽሑፍ
a ገሊአን ድሕሪ ሕርሲ ብዜጋጥም ሕዱር ጭንቀት ዚሳቐያ ኣዴታት ምስ ውሉደን ምቅርራብ የጸግመን እዩ። ግናኸ፡ ናተን ጕድለት ከም ዝዀነ ገይረን ንርእሰን ኪወቕሳ የብለንን። ሃገራዊ ትካል ጥዕና ኣእምሮ ሕ.መ.ኣ. ከም ዝገለጾ፡ ድሕሪ ሕርሲ ዜጋጥም ሕዱር ጭንቀት “ብሰሪ ኣካላውን ስምዒታውን ረቛሒታት ዚመጽእ እዩ። . . . ሓንቲ ኣደ ብሰንኪ ዝገበረቶ ወይ ዘይገበረቶ ነገራት ዜጋጥም ኣይኰነን።” ብዛዕባ እዚ ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ነታ ኣብ ናይ 8 ሰነ 2003 ሕታም ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ዝወጸት፡ “ድሕሪ ሕርሲ ንዜጋጥም ሕዱር ጭንቀት ምርዳኡ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ኣንብባ።